2015-04-14 15:40:00

ዕለት 3 ግንቦት ብጋሰ ከይዲ ኣዋጅ ብፁዕና ብፁዕ ኣቡነ ሀልደር ካማራ


ኣብ ብራዚል ሰበኻ ኦሊንዳን ረሲፍን ዕለት 3 ግንቦት 2015 ዓ.ም. እቶም ነታ ሰበኻ ካብ 1964 ክሳብ 1985 ዓ.ም. ጳጳስ ኰኖም ንዘገልገሉ ኣብ 1991 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ንዝተወልዱ ብፁዕ ኣቡነ ሀልደር ካማራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዕና ንኽትእውጀሎም መታን ብሰበኻ ደረጃ  ዘድሊ ከይዲ ኣዋጅ ብፅዕና ክብገስ ምዃኑ ካብ ሰበኻ ኦሊንዳን ረሲፍን ዝተመሓላለፈ ምንጭ ዜና የመልክት።

ብፁዕ ኣቡነ ካማራ በዓል ዓቕልን ብድኽነት ምስ ድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ህልውናን ምስ ዝርከቡን ዕለታዊ ሕይወቶም ዘንበሩን ብጐይታ እቶም ኣብ ቤት ኣቦ ኣብ ምእታው ክቕድምዅም እያቶም ምስ ዝተባህሉ ዝተናዕቁ ክፍሊ ሕብረተሰብ  ሓዋርያዊ ተልእኾኦምን ዝፈጸሙን፣ ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝነብርዎን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽትነብሮ ብስልጣናዊ ምዕዳኖም ዘተሓስብዎ ዘለዉ ዓይነት ኣነባብራ ዝመሳሰሉ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ምዃኖም ብዛዕባ ብጋሴ ኣዋጅ ብፅዕና ብፁዕ ኣቡነ ካማራ ኣመልኪቶም ናይ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ሓበሬታ ሊቅ ጋዘጠይና ጀሮላሞ ፋዚኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ ብርግጽ ብፁዕ ኣቡነ ካማራን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሳስሎም ብዙሕ ባህርያት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ከምዘሎን፣ ብፁዕ ኣቡነ ካማራ ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሓዋርያዊ ብጻሕ ዘካየዱን ኣብታ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍሉጥን ተወላዲ ብራዚል እዮም፣ ቅዱስ ኣቦና ድኻታት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህያው ኣካል ቢሎም ይገልጽዎም። ብፁዕ ኣቡነ ካማራ ድማ ድኻታት መለኮታዊ ህላዌ እንራኸበሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ቢሎም ይገልጽዎም። ምስኣቶም ምርኻብ ድማ ምርኻብ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ቢሎም ይገልጽዎ። እቲ ካልእ ዘመሳስሎም ድማ ብዛዕባ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ህልውናን ዝብልን ቤተ ክርስቲያን ኣደ ምሕረትን ነጸብራቕ መለኰታዊ ምሕረት ቢሎም ዝገልጽዎ ሓሳብ እውን ዘመሳስሎም እዩ ኢሎም።

ብፁዕ ኣቡነ ካማራ ንፈለማ ጊዜ ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብን ክፍለ ዓለም ዘሎ ናይ መነባብሮን ናብራን ፍልልያትን ዘይማዕርነትን ብዓውታ ዝነቐፉን ዘውገዙን እዚ ሓሳቦም’ዚ ድማ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝተቓልሔ ምንባሩን እቲ ድኻታት ዜጋታት ደቡብ ዓለም ኣብ ድኽነትን ስቓይን ዛሕዚሑ ዝውንጨፍ ኤኮኖሚያውን እደ ጥበባዊ ምዕባለ ፍጻሜኡ እንታይ ከምዝመስል ከይፈርሑ ብዓንተውኡ ዝነገሩን ዘቓልሑን ነቲ ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጠንጢኑ ዝውንጨፍ ምዕብለ ዘይምዕባለ ቢሎም ዝገለጽዎ ከምዝነበሩ ሓቢሮም፣ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብፁዕ ኣቡነ ካማራ ናይቲ ቃል ኪዳን ካታኮምበ ዝብል ናይቶም ዝስደዱን ዝሳቐዩን ዝነበሩ ማሕበረ ክርስትያን ኣብ ትሕቲ መሬት ናይ ዝነብርዎ ዝነበረ ውዕዉዕን ሓቀይና እምነትን ዝገልጽ መንፈስ ዳግማይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክነቓቓሕን፣ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ እምነት ክትሕደስ ዝብል መንፈስ ዘነቓቕሑን፣ ከም ኣቡን መጠን ኣብ ክሳዶም ዘንጠልጥልዎ መስቀል ተራ ካብ ዕንጨይቲ ዝተጸርበን ብድኽነት ዝነበሩን እውን ምዃኖም ዘኪሮም እዚ ምርጫ’ዚ ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣዚዩ እዩ ዘመሳስሎም፣ መላእ ሕይወቶም ጨና ድኻ ክርስቶስ ዝሽትቱ ምንባሮምን እታ ዝቕመጡላ ዝነበሩ ገዛ ብሓቂ ናይቶም ዝተናዕቁ ድኻታት ቤት ተምሳል እያ ኔራ፣ ሕይወቶም ክርስቶስ ምምሳል እዩ። ነዚ ናቶም ምርጫ ናብ ፖለቲካዊ ርእየት ዓለም ብምቕያር ኣብ ላቲን ኣመሪካ ብዙሓት ካህናትን ደናግልን ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ኣፊሪሶም ኣብ ፖለቲካዊ ርእየት ዓለም ተጸንቢሮም ከምእተቓለሱን፣ ብፁዕ ኣቡነ ካማራ ግና ነቲ ዝመረጽዎ ሕይወት ክርስቶሳዊ ደኣ እምበር ፖለቲካዊ ርእየተ ዓለም ከምዘይኰነ ክሳብ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወለዱላ ዕለት ህያው ወንጌላዊ ምስክርነት ብምቕራብ ነቢሮምዎ እዮም። ብዙሓት ዴሳዊ ጳጳስ ቢሎም እንክሰምይዎም ብዙሓት ድማ ብፁዕ ኣቡነ ካማራ ንርእሰ ሊቃነ ጵጵስና ዝብሉ ከምዝነበሩ ተራእዩ እዩ፣ ብዙሓት ድማ ተምሳል ክርስቶስ ኣብ ምድሪ እንክብሉ ይገልጽዎን ከምዝነበሩ ሓቢሮም፣ ብፁዕ ኣቡነ ካማራ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝስምዕዎ ዝነበሩ ዘረባን ጽሑፋቶም ምልስ ቢልካ ክትርእዮ፣ ጸላይን ዓሚዩቕ መንፈሳውነት ዝነብሩን ምሱጥ ሰቂለ ሕሊና ዝነብሩን ወንጌላዊ ሕይወት ብቓልን ተግባርን ዘቃልሑን ምንባሮም ተረጋግጽ፣ ጸላይ ሕይወት ዝምዕዱን ጸልዩለይ ዝብሉን ምእንቲ ቤተ ክርስቲያንን ውሉደ ክህነት ዝጽልዩን ጸልዩ ዝብሉን መለኰታዊ ምሕረት ዝምስከሩን ዘበሰሩን ብብርሃን ቃል እግዚኣብሔር ዝምርሑን ኣብ መነባብርኦምን ኣገልግሎቶምን ክርስቶሳዊ ሕይወት ዘንጸባረቑ እዮም ኔሮም ቢሎም ይገልጽዎም።

ናይ ብፁዕ ኣቡነ ካማራ መንፈሳውነት ዘቓልሕን ናቶም ትምህርታትን መጽናዕትታትን ስበከታትን ዓይነት ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ዝጥርንፍ ኣብ ብራዚል ዝቖመ ተቛም ሄልደር ካማራ ከም ዝሕብሮ ካብቲ ሓዲግምዎ ዝሓለፉ ናይ ሕይወቶምን ቃሎምን ሰነዳት ናይ ጊዜ ምልክታ ብምልላይ በቲ ምልክታ ቅዱስ መጽሓፍን ቤተ ክርስቲያንን ዘንበቡን ምንባሮም ነረጋግጽ፣ እታ ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ሎሚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ንኽዓትር ዘብቕዐ ዝፈጸመቶን እትፍጽሞን ዘሎ ስሉጥ ወንጌላዊ ጉዕዞ ናይ ብፁዕ ካማራን ናይቶም ንኣኦም ዝኣመሰሉ ካህናትን ደናግል ብፁዓን ጳጳሳትን ጻዕርን ጸሎትን ውጽኢት እዩ እንተበልና ምግናን ኣይኰነን እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.