2015-04-09 16:02:00

ኣባ ኪየራ፦ ምእንቲ ዝሳቐዩ ሕጻናት ሓልዮ ምዕዶ ቅዱስ ኣቦና ጽን ምባል


ዕለት 8 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዘቕርብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትርምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ብጠንቂ እቲ ንዓቕሚ ኣዳም ዚበጽሔ ዓቢይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ንዝተፈላለየ ጸገም መከራን ዝተቓልዔ ንዓቕመ ኣዳምን ዓቕመ ሔዋንን ዘይበጽሔ ክፍሊ ሕብረተሰብ

ኣማእኪሉም፣ ምእንቲ እዞም ንስቓይን ሓሳርን መከራን ዝዳረጉ ዘለዉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኩሉ ክቃለስን ኣብ ጎድኖም ክኸውን ዘቕረብዎ ምዕዳን ኣማእኪሎም ኣብ ጎድኒ ትሕት ዕድመ ዜጋታት ዝቖሙን ነዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ምግልጋሎም ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ዝተጸምዱ ወንጌላዊ ልኡክ ኣብ ብራዚል ሪዮ ደጃነይሮ ከተማ መዕቆቢ ትሕቲ ዕድመ መስራቲ ካህን ኣባ ረናቶ ኪየራ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ “እቲ ቃልን ምዕዳንን ቅዱስ ኣቦና ምስ ስማዕኵ ብሕቂ ኣብ ልበይ ዝተሰምዓኒ ሓጐስ ምግላጹ የሸግረኒ፣ ‘ተመስገን ኣምላኸይ፣ ብቅዱስ ኣቦና ኣቢልካ እቲ መላእ ዘርኢ ሰብ ክሰምዖ ዝግብኦ መላእ ዓለም ከሰምዖ ዝግብኦ ቃል ተዛረብካ’ ከምዝበሉን ቅዱስ ኣቦና ናይ ካልእ ስቓይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገርካ ምስቲ ዝሳቐ ኰይንካ ካብቲ ስቓዩ ምልቓቕ ዝብል ክርስቶስ ንኣና መሲሉ ዝፈጸሞ ምድሓንና ኣብነት ብዝገበረ ተግባር ምድሓን እወ እዚ እዩ ጸዋዕታና፣ ናብ ናይ ክርስቶስ ስቓይ በቲ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ዝሳቐን ዝተናዕቀን ዝተነጸለን ኣብ ዝነብሮ ከቢድ ኩነት ሕይወት ኣቢልካ ምእታው፣ በቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ክርስቶስ ኣቢልካ ናብ ክርስቶስ ምእታው እዩ እቲ ሓቀይና ርክብ ምስ ሰብ፣ ናይቶም ኣብ ዓለም ብዝተፈላለየ መዳይ ነዘስካሕክሕ ዓመጽ ዝተዳርጉን ዝዳረጉን ዘለዉ ዘይተፈቕሩን ዝተረስዑን ብድኽነት ዝተጠቕዑን ህላዌ ሰብኣዊ ፍቕሪ ዝተሓርሞም ሕጻናት ኣቢልካ ቀረባ ምዃን ናይ ኩሉ ዘርኢ ሰብ ጸዋዕታ ምዃኑ እዮም ቅዱስ ኣቦና ዝተሓሳሰቡ” ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፦ “ሓደ ሕጻን ጌጋ ወይ ድማ ናይ ጌጋ ውጽኢት ኢዩ ምባል ወይ ድማ ምሕሳብ ዘሕፍርን ዘስካሕክሕን ተግባር እዩ፣ ሕፃን ፍቅርን ናይ ፍቕሪ መግለጺ ድኣ እምበር ጌጋ ኣይኰነን” ዝበልዎ ናይ ሕይወት ባህሊ ዘረጋግጽ ሓሳብ ድማ ጠቒሶም፣ እቲ ንዓቕመ ኣዳምን ሔዋንን ዝበጽሔ ክፍሊ ሕብረተብ ንዝፍጽሞ በደል ተሓታቲ ገርካ ሕጻናት ምውቃስን ምኽሳስን ዘሕፍር እዩ። እተን ዝበልጸጋ ሃገራት ብሕሉፍ ርእሰ ፈታውነትን ብንኣይነትን ዝተወራ ብምዃነን ዳርጋ መኺነን ኣለዋ። ሕጻናትን ዝውለዱ ቆላዑ ጸጋ እግዚኣብሔር እያቶም፣ ነዚ ጸጋ’ዚ ማዕጾኻ ምዕጻው ገዛእ ርእስኻ ንሞት ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ፣ ክርስቶስ ግና ምእንቲ ፍቕሪ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ካብ ምሃብ ዝዓበየ ፍቕሪ የሎን ቢሉ እዩ ብቓልን ሕይወትን ዘስተምሃረና፣ ንጸጋ ሕይወት ኣይፋል ምባል ገዛእ ርእስኻ ምጽላእ ደኣ እምበር ገዛእ ርስኻ ምፍታው ማለት ኣይኰነን ኢሎም።

ሓደ ሕጻን ጌጋ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ መሰረት ናይ ሞት ባህሊ እዩ። ጽንሲ ምንጻል ድማ ናይቲ ሕጻን ጌጋ እዩ ዝብል ዓይነት ባህሊ ውጽኢት እዩ፣ ናይ ሞት ፍርዲ እውን ንገዛ ርእሱ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ምርጫ እዩ። እንነበረሉ ዘሎና ዓለም ሕጻን ከም ጸጋ ዘይኰነስ ከም ስግኣት እዩ ዝርእዮ፣ እዚ ድማ ትርጉም ኣልቦ ሰብኣውነት ምዃኑ ገሊጾም፣ ሕጻናት ኣሻንጕሊት ኣይኰኑን ብዙሕ ጊዜ ግና ከም ኣሻንጕሊት ኢና እንርእዮምን እንሓስቦምን ንገዛእ ርእስና እምበር ንገዛ ርእሶም ኣይኰናን እንደልዮም፣ ንናይ ውልቅና ረብሓን ድላይን መጋበርያ ገርና ኢና እንሓስቦም፣ ሕጻን ተስፋ እዩ፣ ተስፋ ሰኒቖም ተስፋ እዮም ዘዕድሉና፣ ብዘይ ሕጻናት መጻኢ ሰብኣውነት ክህሉ ቢልካ ምሕሳብ ኣብ ሕልሚ ምንባር ማለት እዩ ኢሎም። እግዚኣብሔር ኣፍቀረና ኣብ ጥቓና ክሓልፍ እንከሎ ደው ቢሉ ፍቕሪ ገለጸልና፣ ኣንሕና ብጥቓ ድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተንጸሉን ሕጻናት እንክንሓልፍ ቆም ቢልና ፍቕሪ ዶ ንልግሰሎም ድላዮም ዶ ነርውየሎም ምእንቲ ሰብኣዊ መሰልን ክብሮም ዶ ንሕለቕ? ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ኣብ ቅድሚ ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ብድኽነት ዝተጠቕዑን ዜጋታት ብፍላይ ድማ ኣብ ሕጻናት ፊት ቆም ቢላ ፍቕሪ ትጽግው ኣንሕና ናይዚ ፍቕሪ መጋበርያ ኢና እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.