2015-04-04 16:08:00

እሱራት ረቢቢያ፦ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጐና ምርኻቦም ንኣና ምልክታ ተስፋ እዩ


ቅዱስ ኣቦና ኣብ ርማ ቤተ ማእሰርቲ ዝፈጸምዎ ሓውጾት ኖልዎን ሕጽበተ እግርን ነቶም ኣብቲ ቤተ ማእሰርቲ ንዝርከቡ ዜጋታት ዓቢይ ትእምርቲ ተስፋን ምልክት ሓጐስን ቅርበት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምዃኑ እቶም እሱራት ይምስክርዎ።

ቅዱስ ኣቦና ናይቶም ዓሰርተ ክልተ እሱራት እግሪ እንክሓጽቡ፦ “ብኣኻትኵም ኣቢለ ናይቶም ኩሎም ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ረቢቢያ ዝርከቡ እሱራት እግሪ እሓጽብ” እንክብሉ ንዅሎም ዝገለጽዎ ደረት ኣልቦ ፍቕሪ ናይ ኩሎም እሱራትን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝሰርሑን ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ቤት ማእሰርትን ኣመሓደርትን ልቢ ከምዝተንከፈን እቲ ተስፋኣዊ ቃሎም ልቢ ኩሉ ዝተንከፈ ጥራሕ ዘይኰነስ ክብሪ ሰብ ዘማእከለ ብምንባሩ ኩሉ ነዚ ክቡር ዋጋ ሰብኣውነት ክዓይን ኣብ ኩሉ ሰብኣዊ ክብሪ ዘማእከለ ከይዲ ክጸንዕ ዘተሓሳስብ ምንባሩ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘገልግላ ኣባል ማሕበረ ደናግል ደቂ ቅዱስ መስቀል እናቴ ሉቺያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን፣ እቲ ኢየሱስ ተንበርኪኹ ትሕት ቢሉ ገዛእ ርእሱ ኣገልጋሊ ኵሉ ኰይኑ እግሪ እንክሓጽብ ዝገለጾ ፍቕሪ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተረኺቦም ክነብርዎን ክሰርዕዎን ብሓቂ ኣብነታዊ እዩ እንክብላ እቶም እሱራት ብወገኖም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ረቢቢያ ምራኻብ ቅዱስ ኣቦና ብፍላይ ኣብ እዋን ሰሙነ ሕማማት ብሓቂ ኩሉ ብፍቕሪ ክምራሕ ከምዘለዎን እግዚኣብሔር መሓሪ ምዃኑ ዘነጽርን ክትገልጾ ዘይከኣለካ ፍቕሪ ኣብ ውሽጥኻ ዘበራብር ከምዝነበረ ይገልጹ።

ቅዱስ ኣቦና ብዙሕ እዋን ንእሱራት ከምዝሓስቡን እዚ ቅርበቶም’ዚ ድማ ቅርበት እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ እሱር ዘረጋግጽ ምዃኑን፣ ዝተሰምዖም ሓጎስ እውን ዘይርሳዕን ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ዘሰንዮም ተስፋ ከምዝዀነ ይምስክሩ።

ቤት ማእሰርቲ ዘለዎ ጥቕሚ እቲ ዝኣበሰ ገበነይና ንኽሕደስ ዝብል እዩ፣ ቤት ማእሰርቲ ይጠቕም ቢልካ ክትሓስቦ ዘሸግር እውን እንተዀነ እቲ ሕዳሴ ዘነቓቕሕን ንኽትልወጥ ዝድርኽ መርሃ ግብሪ ዝካየደሉ እዩ፣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምርኻብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቲ ዝዓበየ ሕዳሴ ዘጸግው ምዃኑ እቶም እሱራት ድሕሪ ርክብ ምስ ቅዱስነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.