2015-04-04 16:04:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ ፍቕሪ ኢየሱስ ኣባና ደረት ኣልቦ እዩ


ዕለት 2 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ ሓሙስ ናይ ጐይታ ናይ መኣዲ ስርዓት ቅዳሴ ፈጺሞም ድሕሪ ቐትሪ ንስርዓተ ሕጽበተ እግር ናብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ረቢቢያ እተሰምየ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኸዱን፣ ናይ ሽዱሽተ ደቂ ተባዕትዮን ሹድሽተ ደቂንስትዮን ዜጋታት ኢጣሊያን ወጻእተይናታትን ዝርከብዎም ን12 እሱራት ስርዓት ሕጽበተ እግር ከምዝፈጸሙ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ቤተ ማእሰርቲ ረቢቢያ ምስ በጽሑ በቶም ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ኣመሓደርትን ሓለዋ ጸጥታ ቤት ማእሰርትን እሱራትን  ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ቆሞስን ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሮም ንኹሎም ሰላም ቢሎም ናብቲ ናይቲ ቤተ ማእሰርቲ ኣቦና እተሰምየ ቤተ ጸሎት ኣትዮም ጸሎት ስርዓት ጸሎተ ሓሙስ መሪሖም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት ኣመርኵይዞም ስብከት ለጊሶምን ኣብ ቅድሚ እቶም ዓሰርተ ክልተ እሱራት ተንበርኪኾም ስርዓተ ሕጸበት እግር ከምዝፈጸሙ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ እስዒበን፦ “ኢየሱስ ኣፍቀሮም ኢየሱስ የፍቅረና እዩ፣ ፍቕሩ ኣባና ደረት ኣልቦ እዩ፣ ክሳብ መወዳእታ ሕይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ ክሳብ ምሃብ ድማ ኣፍቀረና” ቅዱስነቶም ነቶም ሕይወቶም ብዝተፈላለየ ሽግርን መከራን ዝተፈተነን ኣብ ገጾም ስምብራት ስቓይን መከራን ንዝረአዮም እሱራት ሓደ ብሓደ ናይቲ ስቓዮምን ሽግሮምን ተኻፋሊ ምዃኖም ብዘዘረገጻ አዕይንቶም እናጠመቱ፦ “ኢየሱስ የፍቅረናን የፍቅረኩምን እዩ፣ ፍቕሩ ድማ ዘየደናግር እዩ። ኣብኡ ተኣመኑ፣ ፍቕሩ ንኣና ደረት ኣልቦን ፍጹምን እዩ፣ ኣብ ምፍቃርና ዘይደክም ምእንታና እንኰ ሕይወቱ ይብጅው፣ ንኣይን ንዓኽን ንዓኻን ንኣናን ሕይወቱ ብምሕላፍ የፍቕረካን የፍቅረክን አፍቅረኩምን ኢሉና እዩ፣ ክሳብ መወዳእታ ኣፍቀረና” ቢሎም ኢየሱስ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ንኽርድእዎ ዘይተኽኣሎም ግዙእን ጊልያን ዝፍጽሞ እምበር ናይ ጐይቶት ዘይኰነ ዕዮ ምሕጻብ እግሪ ክፍጽም እንከሎ ይድንጽዎም፣ ጐይታ እግሪ ከሓጽብ ኣበይ ተራእዩ ይፈልጥ፦ ‘ሎሚ እውን ልክዕ ከምቲ እዋን ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ዓለም ከምእንርእዮ መገድታት ኵሉ ጽርጊያ ዘይነበሮ ብምዃኑ እግሪ ዝስከሞ ረስሓትን ደሮናን ሓመድን ምግማቱ ዘጸግም ኣይኰነን፣ እግሪ ዝሓጽብ ጊላ እዩ እንክብሉ ደቀ መዛሙርቱ የዕረምርሙ፣ ንሱ ግና እወ እቲ ንኣኻትኵም ዝፍጽሞ ዘለኹ ተግባር ጴጥሮስ ሕጂ ክትርድኦ ኣይከኣለካን እዩ፣ ድሓር ክትርድኦ ኢኻ፣ ኢየሱስ ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ ክሳብ ኣገልጋሊና ንኽኸውን ንኸሕውየናን ነኸንጽሓናን ደሪኽዎ እዩ። ጐይታ ኣእጋርና ክሓጽብ እንከሎ ኩለንተናናን እዩ። ዘንጽሕን ፍቕሪ ብቐረባ ከነስተማቕር ይብቅዓና። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ነቢይ ኢይሳያስ “ሰበይቲ ዶ ንፍረ ኸርሳ ክሳዕ ዘይትርሕርሓሉ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ክትርስዕ ይከኣላ እዩ፣ ምንም’ኳ ንሳ እንተረስዔት ኣነስ ኣይክርስዓካን እየ’ ዝብል ቃል ኣምላኽ ነንብብ፣ እምበአርከስ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ነኣና ከምኡ እዩ። ሎሚ ካባኻትኩም ውሽጢ ናይቶም ዓሰረተ ክልተ እግሪ ክሓጽብ እየ፣ ብኣኻትኩም ኣቢላ ድማ ናይ ኵላትኩም እግሪ እሓጽብ፣  ኩላትኩም ኣብቶም ዓሰርተ ክልተ ህልዋት ኢኹም፣ ሎሚ ኣነ እውን ብእግዚኣብሔር ክሕጸብ የድልየኒ፣ ምእንቲ’ዚ ጐይታ ካብ ኣበሳይ ኵሉ ከንጽሓኒ፣ ኣነ ከምቲ ኢየሱስ ዝዀኖኖ ዝነበሮም ባርያ ኰይነ ንኹሉ ሕዝቢ መታን ክገልግል ምእንታይ ጸልዩ ሓደራ” ከምዝበሉ ሓቢረን።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ዝነበረ ቃልን ዝፍጽምዎ ዝነበረ ስርዓት ሕጽበተ እግር ነቶም ተሳተፍቲ ኣዚዩ ልብሞ ከምዝተንከፎም ኣብ ገጾም ይረአይ ከምዝንበረ ሳባቲነሊ ሓቢረን፣ ቅዱስነቶም ተንበርኪኾም ናይቶም ዓሰርተ ክልተ እሱራት እግሪ እናሓጸቡን ስዒሞምን ጸሎት ኣዕሪጎምን ሓዋርያዊ ቡራኼ ሂቦም ካብቲ ቤት ጸሎት ምስ ወጹ ነቲ ናይቲ ቤተ ማእሰርቲ ቆሞስ ኣባ ሳንድሮ ስፕሪኣኖ ነዘቕረብሎም መቑጸርያን ቅዱሳት ኣሳልን ባሪኾም ምስ እሱራት ተሳኢሎም ንቶም እሱራት ሓደ ብሓደ ሓቝይፎምን ስዒሞምን ከምእተፋነዉ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.