2015-04-02 16:25:00

ብፁዕ ካርዲናል ፐል፦ ኢዮቤል ዓመት ዘምኅረት፣ ዕንቅፋት ብዓንተውኡ ንምውጋድ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ድኻታትን ሕዙናትን ንቤተ ክርስቲያን ኣማራጺ ዘይኰኑስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማእከል ምዃኖም ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ስልጣናዊ ምዕዳን እዩ። ኣብ ምሕደራ ቤተ ክርስቲያንን ምሕደራ ንብረት ቤተ ክርስትያንን ግልጽነት ክህሉ ቃልን ሕይወትን ቅዱስ ኣቦና ዘቃልሖ ምዃኑ እተረጋግጽ ፍራንቸስኮ ሎዙፖነ ኣሰናዳእነት፦

ኣብ ምሕደራ ንብረት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ሓላፍነትን ግልጽነትን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቤት ማሕተም ኣራችነ ዝተሓታመት መጽሓፍ ዕለት 1 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕንጻ ቫቲካን ረዲዮ ኣብ ዝርከብ ማርኰኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንንባብ ከምዝበቕዔት እንክሕበር፣ እታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ካብቶም ደረስቲ ናይታ መጽሓፍ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐልን ናይ ጉባኤ ካርዲናላት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማራቸሎ ሰመራሮ ዘረባ ከምዘስምዑ ነቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።

ግልጽነት ኣብ ምሕደራ ንብረት ቤተ ክርስቲያን ግቡእን ግድነትን ጥራሕ ዘይኰነስ  ግልጽነት ዓቢይ ሃብቲ እዩ። ብግልጽነት ዝዓሰሎ ምሕደራ ምንባር ሓቀይና ክርስትያናዊ ምስክርነት  የቕውምን ለጋስነት የበራብር። እዚ ድማ ናይታ መጽሓፍ ጽማሬ ሓሳብ ከምዝዀነ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይላኒ ኣስዒበን፦ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘበግስዎ መደብ ሕዳሴ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ዘማእከለት ምዃና ብፁዕ ካርዲናል ፐል ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝገልጹን፣ ንናይ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ዝዓዪ ቅዱስ ኣቦና ዘቖምዎ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ዘካይዶም ኣኼባታት ድሮ ከምዝወጠነ እውን ኣመልኪቶም ዝተበገሰ ጉዳና ሕዳሴ ቀዳማይ ውጽኢታቱ ይረአይ ኣሎ ከምበሉ ኣፍሊጠን።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎ ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘተኰረ ኢዮቤል ቅዱስ ዓመት ንገዛእ ርእሱ ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ ዝተተሓሓዘ እዩ። ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ዓመት እቲ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኩለ መደያዊ ጸብጻባት እውን ክቕርብ ከምዝኾነን እዚ ድማ ብፍላጥ ብዘይ ፍላጥ ንዝፍጠር ዕንቅፋት ብዓንተውኡ ከይህሉ ዝድግፍ ውሳኔ እዩ ከምዝበሉ ኣኵይላኒ ገሊጸን።

ብፁዕ ኣቡነ ሰመራሮ ብወገኖም፦ እቲ ናይ ሕዳሴ ጉዳይ ዝከታተል ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ቅድም ቀዳድም ዛዕባ ጉዳይ ኤኮኖምን ወጻእታትን ከምእተመልከተን ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራናቸስኮ ወዲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እዮም፣ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ከም መስራቲኣ ድኻን ድኻታት ዘማእከለት ምዃና ዘተሓሳስቡን፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል ድማ ብቓልን ሕይወትን ዝመርሑ እዮም። ቅዱስነቶም ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ምንባሮም ከምኡ እውን ካብቲ ሱታፌ ኣብ ኣፓረሲዳ ዝተኻየደ ሓምሻይ ሓፈሻዊ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ብፅዓን ጳጳሳት ጉባኤ፣ ድኻታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ስፍራ ኣለዎም ኣንክብል ዘነጸሮ ሓሳብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ፍቕሪ ስራሕ፣ ፍቕሪ ንእግዚኣብሔር ልዑል ምስክርነት ምዃኑ ዘንበሮ ሓሳብ ዘቓልሑ እዮም፣ ብሓፈሻኡ ወንጌላዊ ሕይወት ዘቃልሕ እዩ። እቲ ሕዳሴ ድማ ኣብዚ ዝተመስረተ እዩ ከምዝበሉ ኣኩይላኒ ገሊጸን።

ብፁዕ ካርዲናል ፐል ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘበገስዎ ሕዳሴ ኣቲ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝቕጽልሉ ዘለዉ መደብ እዩ፣ ስለዚህ በነዲክቶስ መበል 16 ጎደና ሕዳሴ ዘበገሱ እዮም፣ እንክብሉ ናይታ መጽሓፍ ኣሰናዳኢ ፍራንቸስኮ ሉዙፖነ ብወገኖም፦ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ግብረእዊ ምሕደራ ቤተ ክርስቲይንን ተቛማት ቤተ ክርስቲያንን ኣባይቲ ጽሕፈት ቤተ ክርስቲያን ቅድም ቀዳድም ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ምዃኑ እዮም ዘገንዝቡ፣ ስለዚህ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዘየማእክል ዓይነት ምሕደራ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክህሉ የብሉ፣ እንተድኣ’ሎ ድማ መንገዱ ዝሰሓተ ኣገልግሎት እዩ ዝኸውን፣ ናይ ፍቕሪ ስራሕን ኣስፍሆተ ወንጌል ዘማእከለ እዩ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣኵይላኒ ሓቢረን።  








All the contents on this site are copyrighted ©.