2015-04-02 16:08:00

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ፦ ቅዱስ ዎይትይላ ዋላ ኣብ ስቓይን ንሕይወትን ናይ ሕይወትን ማህሌት


ዕለት 2 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ትሽዓተን ሰላሳን ሸውዓተን ደቓይቕ፦ “ፍቑር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ልክዕ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ምድራዊ ሕይወቶም ፈጺሞም ናብ ቤት ፈጣሬ ኵሉ ተመሊሶም፣ ምእንትኦም ንጸልይ

እንክብሉ ዜና ዕረፍት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ንዝነበሩን ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ከባቢ ሃገረ ቫቲካን ንዝርከቡ ዝነበሩ ናይ መላእ ዓለም ዝተፈላለያ መራኸቢ ቡዝሃንን ከምዘገለጹ እንክዝከር፣ ብፁዕነቶም ንዝኽሪ መበል 10 ዓመት ምውላድ ኣብ ሰማያዊ ቤት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ “ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንሕዝቢ ቀረባ ዝዀኑ ጓሳ” ቢሎም ንቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ መወዳእታ ናይ ሕይወቶም ዓመታት ማለት ኣብ ድኻሞምን ሕማሞምን ብቐረባ ከምዘሰነይዎምን ብፍላይ ድማ ኣብቲ እዋን ኣብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሉርድ ኣብ ዘካይድዎ መንፈሳዊ ንግደት ከምዘሰነይዎምን ዘኪሮም፣ እዚ ድማ ህያዊ ናይ ሕይወት ምስክርነት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ልቦም ሒዞም ክጓዓዙን ክምስክርዎን ጸጋ ከምዝዀኖም ገሊጾም፣ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምሁር ዓቢይ ሊቅ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ጓሳ እዚ ኹሉ ኣብ ሕይወቶም ኣውሃሂዶም በቲ ዝነበሮም ዓቢይ እምነት ኣሰንዮም ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ስልጣኖም ንዓለም ክልውጥ ብዝኽእል ራእይ ዝምረሑ እዮም። እዚ ለውጢ ኣብ ዓለም ክረጋገጽ ዝገበሩ ድማ ብጽሑፋቶምን ምዕዳኖምን ስብከታቶምን ስልጣናዊ ትምህርትታቶምን ዓዋዲ መልእኽትታቶምን ሓዋርያዊ ጽሑፋቶምን ኣቢሎም ንምእመናን ብዘቕርብዎ ዝነበሩ ኣስተምህሮ ኣቢሎም እዮም፣ ኢኣማንያን እውን ብኣኦም ዝማረኹ ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም፣ ፍቕሪ ክርስቶስ ኣብ ፍትሕን ነጻነትን ምትሕብባርን ክንበርን ክግለጽን ዝመሩሑ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዮም ቢሎም እዚ ትምህርቲ’ዚ ድማ ብቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ሎሚ ድማ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብግብሪ ይምስከር ከምዘሎ ሓቢሮም።

“ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ትብዓት”

ድሕሪ 10 ዓመት ምውላዶም ኣብ ሰማያዊ ቤት ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለምን ብዝተፈላለየ መልክዕን መገድን እቲ ፍሉዩ ትብዓቶም ይዝከረ ኣሎ፣ ኩሉ ከምዝፈልጦ ድማ ቅዱስ ዎይትይላ ዘካየድዎ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሓዋርያዊ ዑደትን ትምህርቶምን ምስክርነቶምን ኣቢሎም ኣብ ልቢ ቤት ኩሉ ኣትዮም እዮም። ስለዚህ ልቢ ኩሉ ሰብ ይዝከሮም። እቲ ኩሉ ዝሓስብዎን ዝብልዎን ዘስተምህርዎን ዝነበረ ዝንበሩ እዮም። ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ክፍልታት ኣብ ዘገልገልሉ ዓመታትን ዎይትይላ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓረዩ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ካሳሮሊ እቲ ዎይትይላ ዝመረጸ ጉባኤ ካርዲናላት ዓቢይ ትብዓት መስኪሩ ቢሎም ከምዝገለጽዎ ዘኪሮም፣ እቲ ትብዓትን ቆራጽነትን ድማ ኣብ ሕይወት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተመስኪሩ እዩ። እቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘጓነፎም ፈተነ መቕተልቲ ኰታ ኩሉ ሕይወቶም ኢየሱስ ክርስቶሳዊ ምዃኑ የረጋግጾ። ስቓይ ኢየሱስ ዓለም ኣድሒኑ እዩ ዝብል ሕይወት ዝነበሩ እዮም ኢሎም።

“ምስክርነት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ሕይወትን ኣብ ሕይወትን ማህሌት እዩ”

ውርሻ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማህሌት ሕይወት እዩ፣ እዚ እቲ ዓቢይ መንፈሳውን ሰብኣውን ውርሻ እዩ። መላእ ሕይወቶም ኩለ መደያዊ ሕይወቶም ናይ ሕይወትን ኣብ ሕይወትን ማህሌት እዮም። እንታይነትን ክብሪ ሕይወትን ኣማኒ ድማ ኣብ ክርስቶስ ዘማእከለ ክብሪ ሕይወት ክነብርን ሰብ ክብሪ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዝገልጾ ኣብኡ ዝተሓትመ ኣርአያን ኣምሳልን ቅዱስቲ ስላሴ ማለት ምዃኑ ዘስስተምሃሩን እዚ ክብሪ’ዚ ድማ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ዘይፍጹምነቱ ብዘየገድስ ዝተዓደሎ ጸጋ እዩ። ኣብ ናይ መወዳእታ ኣብዚ ዓለም ሕይወቶም ኣብ ሰናብቲ ጸሎት መልኣከ እግዝኣብሔር ኣብ ሰንበት ፋሲካን ኣብ ፊት ምእመናን ተረኺቦም ካብ ኣፎም ቃል ምውጻእ እውን ይኣብዮም እንተነበረ የዕይንቶምን ህላዌኦምን ካብ ቃላት ንላዕሊ ይዛረብ ኔሩ እዩ። ሽዑኡ ብሓቂ እግዚኣብሔር ብኣኦም ኣቢሉ ኣባና ከምዝዓዪ ኣስተውዒልናን እዚ ናይ ሕይወት ሓቂ’ዚ ዮሓንስ ጳውሎስ መስኪረምዎ እዮም፣ ምውዳቕ መንደቕ በርሊን ምቛም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን ዝኣመሰሉ ሳላኦም ዝተረጋገጹ ፍጻሜታትን ካልእ ብዙሕ እውን ምዝካር ዝክኣል እዩ፣ ታሪኽ ሓደ እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዘለዎ እምነት ብምልኣት ዝነብረ ቅዱስ ኩሉ ክትገልጾ ግዜ እውን ኣይኣክልን እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.