2015-04-02 17:48:00

Papa: don Santoro e i martiri di oggi,


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ወትሩ አብ ሰሙን ሐደ ግዜ ትማሊ ሮቡዕ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናን ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ  ሂቦም።አብዚ ትማሊ ንምእመናን ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ አብዚ ቅንያት”ዚ ዝውዕል ናይ ሥርዓተ አምልኾ ማእከል ዝኾኑ  ስቅለት ሞትን ትንሳኤን  ኢየሱስ ክርስቶስ  ዘተክረ ኢዩ ኔሩ ።  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቶም ንኢየሱስ ክርስቶስ  ክምስክሩ  ንፍቅሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘንጸባረቁ ንዘክር ተሳተፍቲ  መወዳእታ ምድራዊ ሕይወት ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹን ብምሉእ ልብና ስቃይ ሞትን ትንሳኤን ኢየሱስ ክርስቶስ  ነስተንትን  ብማለት ንምእመናን አተሐሳሲቦም።

በዚ አገባብ”ዚ ክአ  ሰናይ  ትንሳኤ ክርስቶስ ነኽብር ኢሎም አተሐሒዞም እዚ አብ  ውሽጢ ሰለሰተ  መዓልቲ  ብቅድስቲ  ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝዝከርን ዝኽበርን ስጋኡ ወደሙ ስግኡን ደሙን ዝሰርዓሉን  ንሐዋርያቱ ዝሀበሉን ምእንቲ ዝኽሩ ክኸውን ዝሐተተሉን ግዜ ከም ዝጅምር ጠቂሶም ፡  ቅዱስ መጽሐፍፍ ከም ዘገንዝበና ክአ አእጋር ሐዋርያቱ ዝሐጸበሉን  ዕለት  ጸሎተ ሐሙስ ከም ዝኾነ  አገንዚቦም።ህጽበተ እግር ሚስጢር  ምድራዊ ሕይወቱን  ስቃዩን  ንእግዚአብሔርን  ንሰብአውነትን ዘወፈዮ አገልግሎት ከም ዝኾነ  ጠቂሶም እዚ ሚስጢረ ጥምቀት ክንቅበል እንከሎና ዝድገም ከም ዝኾነ  አተሐሳሲቦም ክአ ሚስጢረ ጥምቀት  ንሐጢአትና ሐጺቡ አጽርዩን ክርስቶሳውያን  ከም ንኸውን ዝገበረና ሚስጢር ከም ዝኾነ  ነቶም ትማሊ ሮቡዕ ባሕቲ ሚያዝያ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ  ተሳተፍቲ ትምህርተ ክርስቶስ ዝነበሩ   በሽሕት  ዝቁጸሩ ምእመናን  ነጊሮም።አተሐሒዞም ክአ ጐይታና መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ቁርባን ዝሰርዓሉ ግዜ ከም ዝኾነ አዘኻኺሮም  ክአ እዚ ምስጢር””ዚ  ምስኡ  ዘወሀህደና ከም ዝኾነ ጠቂሶም ከምቲ ንሱ ዘፍቅረና ንሕና ክአ ነንሐድሕድና ክንፋቀር ይግባእ  ኢሎም ቀጺሎም ፡ ቅዱስ ቁርባን አብ ንቅበለሉ ግዜ  ነንሐድሕድና አእጋርና ክንተሓጻጸብ  ስንዱዋት እንተዘይኮይና ስጋ ክርስቶስ አይፈለጥናዮን ምክንቱ”ሲ ንሱ ምእንታና  ኩልንትንኡ  ዘወፈየ ስለ ዝኾን  ክብሉ ገሊጾም።ጽባሕ ሰለስተ ሚያዝያ  ብሥርዓተ አምልኾ ላቲን  ዓርቢ ስቅለት ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብዚ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንምእመናን ዝሀብዎ ትምህርተ  ክርስቶስ   አተሐሒዞም  ብዕለተ ዓርቢ ስቅለት ምስጢረ ሞት ኢየሱስ ክርስቶስ ነስተንትነሉ ዕለት ከም ዝኾነ   አዘኻኺሮም  ንመስቀል  ነምልኸሉን ንስገደሉን  ዕለት ከም ዝኾነን  ኢየሱስ ክርስቶስ ነፍሱ ንእግዚአብሔር ቅድሚ ምርካቡ ፡ ተፈጸመ ከም ዝበለ  አመልኪቶም ክአ እዚ ማለት ተልእኾ ድሕነት ከም  ዝተፈጸመ  የርድአና ኢሎ።ስቃይ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሐጢአትን ክፍአተን ዝስዓረሉ  መለኮታዊ ተልእኾ ከም ዝኾነ ክአ አተሐሒዞም  አመልኪቶም።አብዚ ግዜ”ዚ ከይተረፈ አሰር ክርስቶስ ተኸቲሎም  ምእንቲ እምነቶም ሕይወቶም አሕሊፎም ዝህቡ ሰማዕታ ከም ዘለዉ ዘኪሮም ብጹዓንን ቅዱሳን ከም ዝኾኑ  ገሊጾም።ምእንቲ እምነቶም  ብሰማዕትነት ዝሕለፉ ብዙሐት ከም ዝኾኑ ጠቂሶም ክአ  ብኸፊል ብ2006 አብ ቱርኪ ትረቢሶን  ዝተቀትሉ አባል ሰበካ ሮማ ልኡከ ቅዱስ ወንጌል ንአባ አንድረአ ሳንቶሮ  ዘኪሮም ። ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ  ነቲ ድሕሪ ጽባሕ ዝውዕል ቀዳም ስዑር  ዘኪሮም ክአ  እዚ ዕለት”ዚ ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መቃብሩ ዘዕረፈሉ መዓልቲ ንዝክርን  ነስተንትንን  ኢሎም ።ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳቀ ክስቀል ክቅተል  ክትንስእ ከሎ እታ ፍጽምቲ አማኒትን ሐዋርያን ዝኾነት አድኡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላክ  ምስኡ አብ  ጐድኑ ከም ዝነበረት እዘኻኺሮም። መጽእ  ዘሎ ሰንበት  ንጸልማት ቀንጢጡ ብርሃን ዝሀበ ድሕነት ፍጥረት ሰብ ዘረጋጋጸ ዕለተ ትንሳኤ ከም  ዝኽበር ክአ  ንምእመናን አዘኻኺሮምን ነጊሮምን ። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ወትሩ አብ ሰሙን ሐደ ግዜ ትማሊ ሮቡዕ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናን ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ  ሂቦም።አብዚ ትማሊ ንምእመናን ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ አብዚ ቅንያት”ዚ ዝውዕል ናይ ሥርዓተ አምልኾ ማእከል ዝኾኑ  ስቅለት ሞትን ትንሳኤን  ኢየሱስ ክርስቶስ  ዘተክረ ኢዩ ኔሩ ።  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቶም ንኢየሱስ ክርስቶስ  ክምስክሩ  ንፍቅሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘንጸባረቁ ንዘክር ተሳተፍቲ  መወዳእታ ምድራዊ ሕይወት ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹን ብምሉእ ልብና ስቃይ ሞትን ትንሳኤን ኢየሱስ ክርስቶስ  ነስተንትን  ብማለት ንምእመናን አተሐሳሲቦም።በዚ አገባብ”ዚ ክአ  ሰናይ  ትንሳኤ ክርስቶስ ነኽብር ኢሎም አተሐሒዞም እዚ አብ  ውሽጢ ሰለሰተ  መዓልቲ  ብቅድስቲ  ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝዝከርን ዝኽበርን ስጋኡ ወደሙ ስግኡን ደሙን ዝሰርዓሉን  ንሐዋርያቱ ዝሀበሉን ምእንቲ ዝኽሩ ክኸውን ዝሐተተሉን ግዜ ከም ዝጅምር ጠቂሶም ፡  ቅዱስ መጽሐፍፍ ከም ዘገንዝበና ክአ አእጋር ሐዋርያቱ ዝሐጸበሉን  ዕለት  ጸሎተ ሐሙስ ከም ዝኾነ  አገንዚቦም።ህጽበተ እግር ሚስጢር  ምድራዊ ሕይወቱን  ስቃዩን  ንእግዚአብሔርን  ንሰብአውነትን ዘወፈዮ አገልግሎት ከም ዝኾነ  ጠቂሶም እዚ ሚስጢረ ጥምቀት ክንቅበል እንከሎና ዝድገም ከም ዝኾነ  አተሐሳሲቦም ክአ ሚስጢረ ጥምቀት  ንሐጢአትና ሐጺቡ አጽርዩን ክርስቶሳውያን  ከም ንኸውን ዝገበረና ሚስጢር ከም ዝኾነ  ነቶም ትማሊ ሮቡዕ ባሕቲ ሚያዝያ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ  ተሳተፍቲ ትምህርተ ክርስቶስ ዝነበሩ   በሽሕት  ዝቁጸሩ ምእመናን  ነጊሮም።አተሐሒዞም ክአ ጐይታና መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ቁርባን ዝሰርዓሉ ግዜ ከም ዝኾነ አዘኻኺሮም  ክአ እዚ ምስጢር””ዚ  ምስኡ  ዘወሀህደና ከም ዝኾነ ጠቂሶም ከምቲ ንሱ ዘፍቅረና ንሕና ክአ ነንሐድሕድና ክንፋቀር ይግባእ  ኢሎም ቀጺሎም ፡ ቅዱስ ቁርባን አብ ንቅበለሉ ግዜ  ነንሐድሕድና አእጋርና ክንተሓጻጸብ  ስንዱዋት እንተዘይኮይና ስጋ ክርስቶስ አይፈለጥናዮን ምክንቱ”ሲ ንሱ ምእንታና  ኩልንትንኡ  ዘወፈየ ስለ ዝኾን  ክብሉ ገሊጾም።ጽባሕ ሰለስተ ሚያዝያ  ብሥርዓተ አምልኾ ላቲን  ዓርቢ ስቅለት ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብዚ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንምእመናን ዝሀብዎ ትምህርተ  ክርስቶስ   አተሐሒዞም  ብዕለተ ዓርቢ ስቅለት ምስጢረ ሞት ኢየሱስ ክርስቶስ ነስተንትነሉ ዕለት ከም ዝኾነ   አዘኻኺሮም  ንመስቀል  ነምልኸሉን ንስገደሉን  ዕለት ከም ዝኾነን  ኢየሱስ ክርስቶስ ነፍሱ ንእግዚአብሔር ቅድሚ ምርካቡ ፡ ተፈጸመ ከም ዝበለ  አመልኪቶም ክአ እዚ ማለት ተልእኾ ድሕነት ከም  ዝተፈጸመ  የርድአና ኢሎ።ስቃይ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሐጢአትን ክፍአተን ዝስዓረሉ  መለኮታዊ ተልእኾ ከም ዝኾነ ክአ አተሐሒዞም  አመልኪቶም።አብዚ ግዜ”ዚ ከይተረፈ አሰር ክርስቶስ ተኸቲሎም  ምእንቲ እምነቶም ሕይወቶም አሕሊፎም ዝህቡ ሰማዕታ ከም ዘለዉ ዘኪሮም ብጹዓንን ቅዱሳን ከም ዝኾኑ  ገሊጾም።ምእንቲ እምነቶም  ብሰማዕትነት ዝሕለፉ ብዙሐት ከም ዝኾኑ ጠቂሶም ክአ  ብኸፊል ብ2006 አብ ቱርኪ ትረቢሶን  ዝተቀትሉ አባል ሰበካ ሮማ ልኡከ ቅዱስ ወንጌል ንአባ አንድረአ ሳንቶሮ  ዘኪሮም ። ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ  ነቲ ድሕሪ ጽባሕ ዝውዕል ቀዳም ስዑር  ዘኪሮም ክአ  እዚ ዕለት”ዚ ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መቃብሩ ዘዕረፈሉ መዓልቲ ንዝክርን  ነስተንትንን  ኢሎም ።ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳቀ ክስቀል ክቅተል  ክትንስእ ከሎ እታ ፍጽምቲ አማኒትን ሐዋርያን ዝኾነት አድኡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላክ  ምስኡ አብ  ጐድኑ ከም ዝነበረት እዘኻኺሮም። መጽእ  ዘሎ ሰንበት  ንጸልማት ቀንጢጡ ብርሃን ዝሀበ ድሕነት ፍጥረት ሰብ ዘረጋጋጸ ዕለተ ትንሳኤ ከም  ዝኽበር ክአ  ንምእመናን አዘኻኺሮምን ነጊሮምን ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.