2015-03-31 16:03:00

ንግድ ሰብ ንምውጋድ ኣገዳስነት ጻዕሪ ኵሉ


ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ሕዝባዊ ባይቶ ጸረ ኢሰብኣዊ ተግባር ብዝብል ውሳኔ መሰረት እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዝረአይ ሓዲስ ጊልያነት ተባሂል ዝግለጹ ወዲ ሰብ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ካብ ቦታ ቦታ ምንቅስቓስን፣ ነቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝግህስ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራትን ፍጥረት ሰብ ንዝተፈላለዩ ጸያፍ ተግባራት መሳለጢ ክኸውን ዝዳርግ ብጠቕላል ንግድስ ዝኣመሰሉ ገበናት ብሕጊ ዘቕጽዕ ጸረ ሓደስቲ ጊልያነት ሕጊ ከምዘጽደቐን ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ነቲ ጸያፍ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንምውጋድ ንዝግበር ጻዕርን ንናይ ሕግን ፍትሕን ኣባይትን ሓይሊ ጸጥታን ኣብ ጸረ ሓደስቲ ጊልያነት ኣብ ዘካይድዎ ጻዕሪ ዓቢይ ድጋፍ ከምዝዀነን  ነዚ ናይ ጸረ ሓደስቲ ጊሊያነት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ገዛእ ርእሱ ድርገት እውን ክቐውም ውሳኔ ከምዘመሓላለፈ ናይ ዓባይ ብሪጣኒያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ተረሳ መይ ኣፍሊጠን።

ናይ እንግሊጣርን ወይለስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ወስትሚኒስተር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮልስ እቲ ሓድሽ ጸረ ሓደስቲ ጊሊያነት ሕጊ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝፍጸም ዝዀነ ይዅን ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተግባር ንምውጋድ ንዝግበር ጻዕሪ ዘተባብዕን ዝድግፍን እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ናይ እንግልጣርን ወይልስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝጸደቐ ሓድሽ ጸረ ንግድ ሰብ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ዝፍጸም ዓመጽ ዝኹንን በቲ ገበን ተሓታቲ ፍጻሜኡ እንታይ ከምዝዀነ ዝሕብር ክኸውን እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ግብረ ሓዲስ ጊልያነት ጸረ ሰብኣውን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣካል ዘድምይን እንክብሉ ከምዝገለጽዎን ብሓፈሻኡ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ ኣብ እተካይዶ ጻዕሪ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ንእትህቦ ኣገልግሎት ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ኒኰልስ ገሊጾም እቶም ጸረ ንግድ ሰብ ዝቃለሱን ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት ዝህቡ ዝተፈላለዩ ጉጅለታትን ማሕበራትን ዝጥርንፍ ብናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ጸረ ሰብኣዊ ንግድ ዝከታተል ሓይሊ ጸጥታ ዝመሓደር ናይቲ ቅድስቲ ማርታ እተሰምየ ማሕበር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባል ከምዝዀነት ድማ ሓቢሮም፣ እዚ  ቅድስቲ ማርታ ማሕበር ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን “ብሓባር ጸረ ሰብኣዊ ንግድ ምቅላስ፦ ምትሕብባር ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ሓይሊ ጸጥታን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ካልኣይ ዓውደ ጉባኤ ከምእተኻየደ እውን ዘኪሮም፣ ኣብ ቃልሲ ጸረ ሰብኣዊ ንግድ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣገልግሎት ከምእትህብ ከምዘረጋገጹ ናይ እንግልጣርን ወልስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጸውጽኦ መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.