2015-03-28 15:35:00

ኣባ ካንታላመሳ፦ ጸጋ ድሕነት ኣብ ምዕራብን ምስራቕን ቤተ ክርስቲያን


ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ክቡር ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ንቅዱስ ኣቦናን ናይ ቅዱስነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ ምድሃኔ ዓለም ኣብታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ወንጌላዊ ሃሴት እተሰምየት ሓዋርያዊ ምዕዳን ተመስሪቶም ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ትንተና ዛዕባ ምስጢረ ድሕነት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝጀመርዎ ስብከት ምስጢረ ድሕነት ኣብ ምስራቕን ምዕራብን ቤተ ክርስቲያን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዕለት 27 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ብዘቕረብው ስብከት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ መንጐ ምዕራብን ምስራቕን ቤተ ክርስቲያን ብቐጻሊ ኣብ ታሪኽ ዝተኻየደ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ዘተ ምኽንያት፣ ምዕራብ ኰነ ምስርቕ ኣብ ልዕሊ ክርስትና ዘለዎም ግንዛበ ክመዓራረይ ከምዝገበረን ብፍላይ፣ ኣቃልቦ ጐዳና ክርስትና ድሕነት ካብ ሓጢኣት ማለት እዩ ኣብ ዝብል ሰረተ እምነት ዝቖመ ምዃኑ ዝገለጹ ኣባ ካንታላመሳ ኣስዒቦም እዚ ድሕነት ካብ ሓጢኣትን ቀንዲ ትርጉም ክርስትና ድማ ውህበትን ውበትን ፍስሃን ምዃኑ ከምዝገለጹ ዝሓበረ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣስዒቡ፦ ክቡር ኣባ ካንታላሜሳ ክርስትና እንታይን ማለት እዩ? እንታይከ እዩ? ጐደና ምልኣት ጸጋ ወይ ከኣ ካብ ሓጢኣት ዘንጽሕ መስዋእቲ ማለት እዩ? ናይ ኢየሱስ ድሕነት ንፍጥረት ሰብ እንታይ ኣምጺኡ? ጸጋ መንፈስ ወይ ከኣ ምንጻሕ ካብ ሓጢኣት? እወ ክርስትና ማለት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እዩ። ድሕነትን ምንጻሕን ካብ ሓጢኣትን እዩ። እዚ ሎሚ ቀሊል ዝመስል ቲዮሎጊያዊ ዓሚዪቕ ጽምሬ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዘመናት ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያንን ዝተበጽሔ ምዃኑ ገሊጾም፦ ምስጢረ ድሕነት ብመንጽር ምስራቓዊትን ምዕራባዊትን ቤት ክርስቲያን እንታይ ማለት ምዃኑ እቲ ናይ ሓባር ቲዮሎጊያዊ ጽማሬኡ ፈረንሳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ባርድይ፦ “ንግሪካውያን ጎዳና ክርስትና ጐዳና መለኰታውነት፣ ንምዕራባውያን ድማ ጐዳና ርኽበት ቅድስና እዩ … ቃል ስጋ ኰነ ዝብል ቃል ንግሪካውያን ወዲ ሰብ እቲ ብኣዳምን ኣብ ኣዳምን ዝሰኣኖ ኣርአያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ምዃኑ፣ ምእንቲ ዳግም ንምርካብን መልኮታውነት ዳግም ከልብሶን እዩ። ንላቲናውያን ድማ ቃል ስጋ ኰነ ዝብል ቃል ሰብኣውነት ሰብ ንምድሓን ንፍትሒ እግዚኣብሔር ዝተኸፍለ ብቑዕ ዋጋ እዩ። እቲ ዋጋ ድማ ትስብእት እዩ። ቃል ስጋ ኰነ ማለት እዩ” እንክብል ብዝገለጾ ሓሳብ ተንቲኖም ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ቃል ስጋ ኰነ ምስጢረ ትስብእቲ፦ ተኽእሎን ኣገዳስን እዩ፦ ኣብ ወንጌልን ኣብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስን ቃል እቲ ናይ እግዚኣብሔር ብርሃን ዘምጽእን እቲ በጊዕ (ናይ እግዚኣብሔር በጊዕ) ድማ ናይ ዓለም ሓጢኣት ዝድምስስ ዝብል ህላዌ ሓቅነት እዩ፣ እዚ ሓቂ’ዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣበው ብዝህብዎ ብዝነበረ ትንተና ናብ ፍልልይ ገጹ ኣምርሔ፣ ኣብ መንጐ ምዕራብን ምስራቕን ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለየ ናይ ድሕነት ህልዮ ክቐውም ገይሩ፣ ንኣብነት ብዛዕባ ምስጢረ ጥምቀት ክንሓስብ እንከለና፣ ንምስራቕ ቤተ ክርስቲያን ምስጢረ ጥምቀት፣ ነቲ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ዘጥፍእ ጸጋ ካብ ዝብል ትርጉሙ ንላዕሊ፣ ንሱ ድማ እቲ ወዲ ሰብ ብሳዕቤን ሓጢኣት ኣዳም ኣጥፊእዎ ዝነበረ ናይ እግዚኣብሔር ኣርኣያነቱን ኣምሳልነቱን ዳግም ዘጸግው ዝብል ትርጉም ዘለዎ እዩ፣ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ንፐላስጃንሳውነት ማለት ናይ ኣዳም ሓጢኣት ንወዲ ሰብ ሰናይን ክፉእን ናይ ምሕራይ ድላዩ ኣይተንከፎን፣ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ናብ መገዲ ጌጋ ዝመርሕ ኣብነት እዩ ቢሉ ንዝግለጽ ሓሳብ መልሲ እንክህብ ‘ሕልውነትን ምድሓንን ካብ ሓጢኣት’ ቢሉ ብዘቕርቦ ቲዮሎጊያዊ ትንተና ይገልጽዎ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ መንጐ ምዕራብን ምስራቕን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስጢረ ትስብእቲ ዙሪያ ዘሎ ፍልልይ፦ “ምስራቓዊት ቤተ ክርስቲያን፣ ናይ ምስራቕ ሰረተ እምነት እቲ ዓቢይን ልዑን ዝዀነ ክብሪ ሰብ ንሱ ድማ ኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝብል ትንተና ዘዕዝዝ እዩ። ናይ ምዕራብ ሰረተ እምነት ድማ ናይቲ ሓጢኣት ዕብየቱን ጥልቀቱን ብምዕዛዝ ዑዝዝነት ጸጋ እግዚኣብሔር ዘነጽር እዩ። እዚ ድማ ኣብ ሓጢኣትን ምስኪንነትን ሰብ ብምትኳር ኣብ ዘይተርፍ ኣድላይነት ሓሳብ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፣ ቅዱስ ኣንሰልሞን ከምኡ እውን ሉተር ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተኸፍለ ድሕነት ንምቅላሕ ኣንክብሉ ኣብ ዝህብዎ ትንተና ዝቖመ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ ናይዚ ጸጋ’ዚ ብዝተፈላለየ ኵርናዕ ዘቃልሑ ዝተፈላለዩ መንፍፈሳዊ ማሕበራት ብመንፈስ ቅዱስ ተነቓቒሖም ብቤተ ክርስቲያን ፍቓድ ዝቖሙ ንኣብነት ከም ካቶሊካዊት ማሕበር ተሓድሶ ዝኣመስሉ ካቶሊካዊያን ምንቅስቓሳት ጠቒሶም፣ እዞም ዓይነት ማሕበራት ድማ መስራቲ ኰነ መምርሒ ሕጊ ኮነ ፍልዩ መንፈሳዊ ዓላማን ናይ ምሕደራ መዋቕር እውን ዘይብሎም ኰይኖም ኣብ ኣወሃሃድንትን ኣገልግሎትን ዝጸንዑ እያቶም፣ ብርታዔ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ማሕበረ ክርስቲያን ዘፈንጽጎም መቓልሕ ጸጋ ድሕነት ምዃኖም ገሊጾም። “ክርስትና ሕጉስን ተመሓላላፍን እዩ፦ ናይ ቀረባ ዓመታት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣብነት ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ እቶም ዝቖሙ ካቶሊካውና መንፈሳዊ ምንቅስቓሳት ንቤተ ክርስቲያንን ዓለም ዕድል እያቶም ቢሎም ይገልጽዎም፣ ሓቀይና ክርስትና ሕጉስ እዩ፣ እቲ ሓጐሱ ድማ ብቐጻሊ ክትዓብጦ ዘይከኣል እዩ። ፈንጢዙ ዝወጽእን ተመሓላላፍን እዩ። ሕጉስን ተምሓላላፍን ክርስትና ብኃሴት ዝንበርን ብምልኣትን ብቅብኣት መንፈስ ቅዱስ ዝንበር እዩ። ተበግሶታት እግዚኣብሔር እያቶም ንቤተ ክርስቲያን ድማ ዕድላት ደኣ እምበር መተካእታ ንቤተ ክርስቲያንን ንካቶሊካውነትን ኣይኰኑን ስግኣት ንካቶሊካውነትን ንክርስትናን ንቤተ ክርስቲያንን ኣማራጺ ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካውነትን ኣይኰኑን” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣባ ካንታላሜሳ ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት ንስራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ኣመስጊኖም፦ ካቶሊካዊት ቤተ ክስቲያን እቲ ከቢድ ውድቀትን ምስኪንነትን ፍጥረት ሰብን ጸጋ ዕብየት ምሕረት ኣማላኽን ዝብል ትንተና ምስጢረ ድሕነት በቲ ህያብ መንፈስ ቅዱስ እዩ ብዝብል ኣመለኻኽታ ብምምላእ እቲ ጸጋ ዝህቦ ፍስሃ ከተድምዕ ሓደራ፣ መለኰታውነትን ቅድስናን ክራኸቡ ኣለዎም ምስ በሉ፣ ኣብ ጉዕዞ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተኸወነ ታሪኽ ውበትን ውህበትን ድና ንሱ እዩ፣ ንመላእ ክርስትና መኽሰብ እዩ ቢሎም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ወንጌላዊ ሃሴት እተሰምየት ሓዋርይዊት ምዕዳን ዝብልዎ ሓሳብ ድማ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ክርስትና ወንጌላዊ ሃሴትን ፍስሃን ውበትን ውህበት እዩ እንክብሉ ኣጠቓሊሎም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.