2015-03-28 15:24:00

ሕውነታውን ኣባታውን ኣኽብሮትን ፍቕርን ቅዱስ ኣቦና ንግዳም ሓደር ዜጋታት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ከባቢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነብሩ ልዕሊ 150 ግዳም ሓደር ዜጋታት ነቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተዋጽኡ ዜጋታት ዝብጻሕ ናይ ስነ ጥበብን ቅብእን ሓወልትን ሃብቲ ዝዀነ ኣብ ሃገረ ቫቲካን  ዝርከብ ታሪኻው ብካፐላ ሲስቲና ዝጽዋዕ ቤተ መዘክር ክበጽሑ ብናይ ጳጳሳዊ ናይ ምጽዋት ሓልዮ ኣቢሎም ዘቕረብዎ ዕድመ መሰረት ኣብቲ ቤተ መዘክር ምብጻሕ ኣካይዶምን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ከምእተራኸቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንግዳም ሓደር ዜጋታት ዘቕረብዎ ዕድመ ምብጻሕ ቤተ መዘክር ካፐላ ሲስቲና ብዓይነቱ ንፈለማ ጊዜ ክኸውን እንከሎ፣ እቶም ነቲ ቤተ መዘክር ናይ ምብጻሕ ዕድል ኰነ ናይ ኤኮኖሚ ዓቕሚ እውን ንዘይብሎም ከም ኩሉ ዜጋ ነቲ ታሪኻዊ ቤተ መዘክር ክበጽሑ ዕድል ምሃብን  ምስ ቅዱስ ኣቦና ፊት ንፊት ክራኸቡን ብሓቂ እቶም ግዳም ሓደር ዜጋታት ዝተስምዖም ሓጐስ ወሰን ዘይብሉ ከምዝነበረ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫትካን ካፐሊ ኣስዒበን፣ ቅዱስ ኣቦና ነቶም 150 ግዳም ሓደር ዜጋታት ኣብቲ ቤተ መዘክር ዝርከብ ናይ ኣጋይሽ መቐበሊ ብዙሕ ረኣዩለይን ስምዑለይን ብዘይብሉ ዓሚዩቕ መንፈሳውነት ብዝዓሰሎ ምስ ኵሎም ተራኺቦም እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል፣ ነቶም ምስ ቅዱስ ኣቦና ብምርኻቦም የዕይንቶም ብንብዓትን ልቦም ብሓጐዝ ዝተመልአ ግዳም ሓደር ዜጋታ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ካፐላ ሲስቲና ቤት ኵሉን ቤትኵምን ወትሩ መዓጸዉ ርሁው እዩ፣ ብጽሞናን ብስቓይን ትዕግስቲ ዝተመልኦ ምስክንርነትኩም ዝድነቕ እዩ። ብልቢ አፍቅረኵም፣ ናይቶም ከማዅም ናይ ዝኣመሰሉ ዜጋታት ጸሎት የድልየኒ እዩ እሞ፣ ምእንታይ ጸልዩ፣ ጸሎትኵም ነቲ ጸሎትና እነዕርገሉ ፈጣሪ ኣዚዩ ቀረባ እዩ፣ እግዚኣብሔር ይዓቅብኩም ይሓብሕበኵምን ንሱ ይባርኽኩም ኣብ ጉዕዞ ጐደና ሕይወትኩ የሰኒኹም ፍቕሩን ለውሃቱን ይጸግወኵም ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኼ ሂቦም ነቶም 150 ግዳም ሓደር ዜጋታት ሓደ ብሓደ ሰላም እናበሉ ብሓባር ድማ እታ ኢየሱስ ዘስተምሃረና ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት ብሓባር ደጊሞም ሰናይ ዑደት ኣብ ቤተ መዘክር ካፐላ ሲስቲና ተመንዮም ከምእተፋነዉ ካፐሊ ገሊጸን፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ቤተ ጳጳስ ምጽዋት ሓልዮ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኮንራድ ክራየውስኪ ነቶም 150 ግዳም ሓደር ዜጋታት መሪሖም ከምእተሳተፉ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.