2015-03-19 16:44:00

ብፁዕ ኣቡነ ቶማዚ፦ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ሰብኣው መሰልን ክብርን ሕጻናት ምርግጋጽ ኣብ ሶሪያ


ኣብ ሶሪያ ግጭት ካብ ዝተባርዓሉ ዓርባዕተ ዓመት ንነጀው ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ዝግመቱ ሕጻናት ከምእተመዛበሉን ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዝግመቱ ሕጻናት ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሚሊዮን ሶሪያውያን ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሶሪያ ከምእተሰዱን ልዕሊ 10 ሺሕ ዝግመቱ ድማ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን፣ ብዝሒ ትምህርቲ ዝከታተሉ ሕጻናት ኣዚዩ ከምዝጐደለ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕጻናት ሓልዮ ማሕበር ዝሃቦ ጸብጻብ እንከመልክት፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ሶሪያ ኣጓኒፉ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኢሰብኣዊ ተግባር ኣመልኪቶም ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣውን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦

ኵነታት ማእከላይ ምብራቕ ቀጻሊ ዘተሓሳስብ ዓመጽ ዝተመልኤን ናይቲ ከባቢ ቀጻሊ ተመክሮ ጥራሕ ዘይኰነስ እናገደደን መፍትሒ ዝተሳእኖ እናተመሰለ ማእለያ ንዘይብሎም ንጹሓን ዜጋታት ንሞትን ማህሰይትን ይዳርግ ከምዘሎ ገሊጾም፣ ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጭካኔ ዝተመልኦ ክትግምቶ ዘይከኣል ዓይነት ዓመጽን መቕተልትን ኢሰብኣዊ ተግባራትን የስፍሕ ኣሎ ኢሎም።

ናይቲ ውግእ ኣደዳ ኣባይቲ ስድራ እያቶም። ኣባላት ስድራ ቤት ፋሕ ክብሉን፣ ሕጻናት ብዘይ ወለዲ ክተርፉን፣ ብዘይ ወለዲ ክስደዱን ብናይ ውግእ ሓይልታት እናተጨውዩ ናይ ውግእን ግጭትን ለኪምካ ምጥፋእን መጋበሪያ እናዀኑ ንሞትን ሓደጋን ተቓሊዖም ኣለዉ። ነቲ ናይ ሓንቲ ሃገር መጻኢ ዝዀነ ትውልዲ ገና ብዓንተውኡ ኩለ መዳያዊ ስንክልና ከተስዕበሉ እንከለኻ ንመላእ ሃገርን ሕዝብን ንጥፍኣት ትዳርግ ኣልቦ ብሩህ መጻእን ተትርፍ። ካብተን ውግእ ዝካየደለን ዘለዋ ሃገራት ዝስደዱ ማእለያ ዘይብሎም ሕጻናት ኣብ ዝዑቆብለን ሃገራት ብዝሖም ክፍለጥን ሓለዋ ክረኽቡን ይግባእ፣ ምምዝጋቦም ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ዘበለ ኩሉ ክሕለወሎም ኣለዎ፣ እዚ ድማ ናይ መላእ ዓለም ማሕበረሰብ ብፍላይ ድማ ናይ መላእ ዓለም መንግስታትን ፖሊቲካን ሓላፍነት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.