2015-03-17 16:32:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ እግዚኣብሔር ምሳና ፍቕሪ ሒዝዎ፣ ኣብ ልዕሌላ ናይ ፍቕሪ ራእይ ኣለዎ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ወትሩ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጽሎት ዘነግህ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምቕጻል ዕለት 16 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እግዚኣብሔር ምሳና ፍቕሪ ዝሓዞን ንሕና ናይ ፍቕሪ ራእይ ኢና፣ ብሓጐስ ተመሊእና ክንነብዕ እንተዘይኰነ እዚ ሓቂ’ዚ ማንም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ክትንትንትኖ ዘይከኣሎ እዩ፣ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ትንቢተ ኢሳያስ ምዕ. 65 ካብ ፍቕዲ 17-21 ዘሎ ጠቒሶም፦ እግዚኣብሔር ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ በለ፣ እዚ ሓድሽ ፍጥረት’ዚ ካብቲ ቀዳማይ ፍጥረት ኣዚዩ ዘደንቕ እዩ፣ ፍጥረት ሰብ ብሓጢኣቱ ነቲ ቀዳማይ ፍጥረት ስለ ዘዕነወ እግዚኣብሔር ዳግም ይፈጥር፣ ዳግም ምፍጣርን ምስራሕን እግዚኣብሔር ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ፣ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ሓድሽ ይኸውንን ምልኣት ሓጐሱ ይረግክብ፣ ንኹሉ ይሕድስ፣ ኣብዚ ምንባብ’ዚ እግዚኣብሔር ብሓጐስ ተመሊኡ ንርእይ፣ ‘ብሕዝበይ ባህ ክብለኒ እዩ፣ ብሕዝበይ ሕጉስ ብምዃነይ ነዚ ሓጎስ ክረውዮ እየ፣ ኣብቲ ናይ ሕዝቡ ሓጐስ ናቱ ሓጐስ፣ ኣብቲ ናቱ ሓጐስ ናይ ሕዝቡ ሓጐስ ኣሎ፣ እግዚኣብሔር ብሕዝበይ ባህ ክብለኒ እዩ ዝብል ራእይ ኣለዎ፣ ሕልሚ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሌና፣ ኩላትና ኣብ ቅድሚኡ ምሳኡ ክንራኸብን ንሓድ ሕድና ክንራኸብን ዘረጋግጽ እዩ፣ ክንደይ ባህ የብል፣ እቲ ኩነት ርውየት፣ ልክዕ ከምቲ ክልተ ሕጹያት ዝነብርዎ ባህታ ሕድ ሕድ፣ እግዚኣብሔር ድማ ከምኡ፣ ሕልሚ እግዚኣብሔር ፊት ንፊት ምሳኡ ሓቢርና ንኽንራኸብ እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።

“ኣብ ቀልብን ልብን እግዚኣብሔር ኢና” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ብምቕጻል፦ “እግዚኣብሔር ስሌና ሰናይ ይሓስብ፣ ይፈትወናን፣ ስሌና ባህ ዘብል ራእይ የማዕድው፣ ምሳና ሓቢሩ ዘስተማቕሮ ሓጐስ የማዕድው፣ ስለዚ እዩ ድማ ዳግም ክፈጥረና ዝደለየ፣ ልብናን ቀልብናን ክሕድስ ዝፈቐደ፣ ኣብ ልባትና ሓጐስ ከዐውት ዳግም ይፈጥረና፣ ጐይታ ሕይወት ዝልወጥ እዩ፣ ቤት ክንሓንጽ ኣታኽልቶ ወይኒ ክንተክል ብሓባር ኣብ መኣዲ ክንሓብር ኢና ይብል፣ እግዚኣብሔር ዝሓልሞ፣ እዚ ድማ ምስ ሕዝቡ ዝሓዞ ፍቕሪ ዝገልጽ እዩ። እግዚኣብሔር ብርቱዕ ሓያል ዓቢይ ስለ ዝዀናክ ዘይኰነስ፣ ካብ ኩሉ ዝነኣስካ  ዝደኸኻን ብምዃንካ ሓረኹኻ ይብል፣ እዚ እዩ ፍቕሪ ዝበሃል” ኢሎም።

“ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣባናን ስለኔናን ማንም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ክገልጾን ክትንትኖን ዘይከኣሎ ሓቂ እዩ። እግዚኣብሔር ምሳና ፍቕሪ ሒዝዎ” ቢሎም ናይ ዕለቱ ወንጌል ጠቒሶም፦ “ኢየሱስ ንወዲ ኣገልጋሊ ንጉስ ይፍወስ፣ ኣብቲ ምፍዋስ ዘሎ ሓጐስ ማንም ክገልጾ ኣይክእልን እዩ። ብሓጐስ ምንባዕ ጥራሕ እንተዘይኰይኑ፣ ኢየሱስ ኩሉ ዝልውጥን ሓድሽ ዝገብርን ዳግም ዝፈጥርን እዩ። ንሱ ሓያል እዩ፣ ‘ጐይታ ወደይ ቅድሚ ምማቱ ነዓ ናብ ቤተይ ውረድ… ወድኻ ሓውዩልካ እዩ፣ ንቤትካ ኪድ በሎ፣ እቲ ኣገልጋሊ ንጉስ ኣብ ቃል ኢየሱስ ተኣሚኑ ድማ ናብ ቤቱ ከደ፣ እምነት ክንደይ ብርቱዕ ምዃኑ ረአዩ፣ እምነት ንፍቕሪ እግዚኣብሔር ባይታ ይፈጥር፣ ንሓይሊ እግዚኣብሔር ባይታ ይፈጥር ኣብ ፍቕሪ ዘሎ ሓይሊ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓይሊ እዩ፣ እግዚኣብሔር ምሳይ ፍቕሪ ሒዝዎ እዩ፣ እዚ እዩ እምነት ማለት፣ ጐይታ ናባይ መታን ክመጽእ ባይታ ክፈጥረሉን ክልወጥን እኣምን” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.