2015-03-17 17:24:00

ስለ እቶም አብ ፖኪስታን ዝተቀተሉ ክርስቲያን ጸሎተ ፍትሓት ተገሩ።


ስለ እቶም አብ ፖኪስታን ዝተቀተሉ ክርስቲያን ጸሎተ ፍትሓት ተገሩ።

ዝሓለፈ ሰንበት አብ ፓኪስታን ክፍለ ከተማ ላሆር አብ ቤተክርስቲያን ለኪምካን ምጥፋእ ብዝብል መጥቅዓቲ ዝሞቱ ክርስቲያን  አብ ቤተክርስቲያን ፓኪስታን  ግዜ ኅዘንን ጸሎትን ከምዝተአወጀ ትማሊ ፍሉይ ዕለተ ጸሎት ከምዝተፈጸመ ፊደስ ናይ ዜና አገልግሎት አመልኪቱ።

ናይ ከተማ ላሆር  ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ሴባስቲያን ሻው በቲ ሐደጋ ዝሞቱ ን ቤተክርስቲያን ሰማዕታት ከምዝባሃሉን ንሰላም ሃገር ከምዝጽልዩን ከምእውን ኩሎም ማኅበረ ክርስቲያን ነቲ ሽብር መጥቅዓቲ ክኹንንዎ ሓደራ ኢሎም።

እቲኦም በዚ ናይ ሐደጋዚ  ሕይወቶም ዝሰአኑ ንጹሐን ሰማዕታት ንካልኦት ከድሕኑ ስለዝኮነ  ደሞም ብከንቱ ከምዘይፈሰሰን ናቶም ሰማዕትነት ንሙሉእ ሕዝቢ ፓኪስታን ሰላም ከምዘምጽእን ብምግላፅ  ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ አውጊዞሞ::

  አታሓሒዞም ከአ  እቲ መጥቅዓቲ አብ ቤተክርስቲያን ካተሊክን ኬኒሻን ከምዝተፈጸመን በቲ ዞባ ዝቅመጡ ክርስቲያን ማኅበረሰባት ከምዝኮኑን 80 ናይ መቁሰልቲ ሃደጋ ከምዘጓነፎምን 15 ሰባት ከምዝሞቱን ሃቢሮም። መንግሥቲ ፓኪስታን ንክርስቲያን ማኅበረሰባት ሓለዋ ክገብር አድሚፆም።

ናይ ፓኪስታን ረኺበ ጳጳሳት ጉባኤ ላዕላይ ሓላፋይ  ናይ ካራቺ ጳጳስ ብፅዕ አቡነ ጆሴፍ ኮቱስ ነቲ  አብ ላሆር ማኅበረሰብ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቅዓቲ  ካተሊካዊት ቤተክርስቲያን  ከምተውግዝን ከምእውን አብቲ ዓዲ ንዝርከቡ ንዑሳን ማኅበረ ሃይማኖት ቤተክርስቲያን፤ ምምህዳር መንግስቲ ፓንጃብን ፓኪስታንን ሓለዋ ክገብሩ ሐደራ ኢሎም። ምእመናን ክርስቲያን ነቲ ዝክሰት ዓመጽ ከይምልሱን ምስ ፖሊስ ሓቢሮም ክሰርሑን ከበረታትዑን ጎይቶና እየሱስ ክርስቶስ ከኣ ንዝሞቱን ንዝቆሰሉን ስድራ ቀልጢፉ ከሕውዮም ከምጽልዩን ፊደስ ዜና ሓቢሩ።

በዚ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዓቲ ሕዝቢ ፓኪስታን ብሓባር ኸኸውንን ነቲ ዓመጽ ክነጽግን መንግሥቲ ንንዑሳን ማኅበረ ሃይማኖት መሰሎም ክሕለው ክገብር ከምዘለዎን ይገልፅ።    

  








All the contents on this site are copyrighted ©.