2015-03-14 17:21:00

ቅድሚ ክልተ ዓመት መጋቢት 13 20013 ብጹዕ ካርዲናል በርጎልዮ ብConclave ተመሪጾም።


ቅድሚ  ክልተ ዓመት  መጋቢት 13  20013 ብጹዕ ካርዲናል ኾርኸ ማርዮ በርጎልዮ ብConclave  ብጉባኤ ካርዲናላት  ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተሰየምሉ ዕለት ከም ዝነበረ ይዝከር ።

ካብቲ ጉባኤ ካርዲናላት አብ መበል ካልአይ መዓልቲ  ንመንበረ ሐዋርያ ተሐርዮም ዝወጹ ብጹዕ ካርዲናል ኾርኸ ማርዮ በርጎልዮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ፍራንቸስኮ ተባሂሎም ክጽውዑ ከም ዝመረጹ ክዝከር ከሎ  እዚ ስም”ዚ  አብ ታሪክ  ቤተ ክርስትያን  ናይ መጀመርያ ግዜ ከም ዝኾነ  አብ ልዕሊኡ ናይ መጀመርያ ግዜ ላቲን አመሪካዊ  እንደገና ናይ መጀመርያ ግዜ  አባል ኢየሱሳውያን ማሕበር ከም ዝኾኑ ዝተመዝገበሉ እዋን ከም ዝነበረ  ይፍለጥ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵዓሳት ፍራንቸስኮ  አብዘን ዝሐለፋ ክልተ ዓመታት  ርእሰ ሊቃነ ጵጵስንኦም ንኩላዊት  ቅድስቲ   ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን  ክብ ዝበለ ሐዋርያዊ አገልግሎት ከም ዘበርከቱ ነቲ ናይ ክልተ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጵጵስና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፋንቸስኮስ ዝገምገሙ ናይ ክፍሊ ማሕተምን ናይ ራድዮ ቫቲካንን ዳይረክተርን  አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዝሀብብዎ ጸብጻብ  አገንዚቡ አሎ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ  ካብቶም  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት   ዘተኩሩሎም ዓበይቲ ነጥብታት ፍጥረት ሰብ አብ ትሕቲ ጽላል ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር ክኾኑ ሕሙማት ክእለዩ ጽጉማት ክሕገዙ ቃለ ወንጌል ዘይሰምዑ ክብሰሩ ፍጥረት ሰብ ካብ ዓይኒ እግዚአብሔር ክኽወል  ከምዘይብሉ  ካብቲ ደጋጊሞም  ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝኾነ ይዝከር።

 

ጐይታና መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሕማም ንዝተጥቅዑ ይፍውስ  ንሐጢአተኛታት ምሕረት ይህብ ከም ዝነበረ ንእኩይ ነገር ናብ ሰናይ ዝቀየረ ንወዲ አዳም ከድሕን ዝተሳቀየ ዝሞት ዝተንስኤ ኢዩ”ሞ ቤተ ክርስትያን  ነዚ ስራሕ መድኅን ክትክተል ከም ዘለዋ የገንዝቡ ዝሕለፈ ወርሒ  ለካቲት ምስቶም ሐደስቲ ካርዲናላት ዝተሰየሙ ብጹዓን አብ ካተድራል ቅዱስ ጰጥሮስ ብሐባር  መስዋዕተ ቅዳሴ  አብ ዘዕረግሉ ግዜ መንገዲ ቤተ ክርስትያን መንገዲ ኢየሱስ  ክርስቶስ ኢዩ እዚ ክአ መንገዲ ምሕረትን መንገዲ ውህደትን ከም ዝኾነ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዘገንዘቡ ይዝከር ።

ስለዚ ብጹዓን ካርዲናላት አገልገልቲን ምስክራትን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምኳን አብነቱ ተኸቲሎም ክነብሩ  ቅዱስ ወንጌል ከበስሩ አብ ታሕቲ ወሪዶም ንሕሙማት ክአልዩ ንጽጉማት ክረድኡ ሐዋርያዊ አገልግሎቶም ብብቅዓት አካይዶም ዑዉታት ክኾኑ ከም ዘተሐሳሰብዎም ይፍለጥ ።

አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ ስድራ ቤት  ዘማእከለ ጳጳሳዊ ሲኖዶስ ተኸይዱ ከም ዝነበረ ክዝከር ከሎ ፡ ቤተ ክርስትያን  ህያው  ሐላዊትን  ተኸናኻኒትን  ህዝበ ክርትያን ንዘለዓለማዊ ሕይወት ትምርሕ ድአምበር  depositum  fidei   መኽዘን እምነት  ከም ዘይኮነትን  ዓቃባውያን  ውሉደ ክህነት ሐዲሽ ሐዋርያዊ   ጉስነት  ክኸተሉን  ከም ዘተሐሳሰቡ  ይዝከር።

አብ ስትራበርግ ፓርላማን ቤት ምኽሪን ኤውሮጳ አብ ዝበጽሕሉ ግዜ  ፖሊቲካ ኤውሮጳ ወዲ ሰብ ማእከል ዝገበረ ክብርን ግርማን ሰብ ልዕሊ  ንዋታውያን ነገራት ክስራዕ  መሰል ሰብ ዝተዓቀበ ክኸውን  ሸለልትነት ክውገድ  አጽኒዖም  ከም ዘተሐሳሰቡ “ 

 

ዝሐለፈ ዓመት ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም አብ ዝበጽሕሉ ግዜ አብቲ    መንደቅ ብኽያት  ዝጽዋዕ መካን ምስ  ራቢንን  ምስ ናይ ምስልምና  ሃይማኖት  አብ ማእከላይ ምብራቅ ምእንቲ  ዕርቀ ሰላም ክወርድ  ምጽላዮም ንናይ እስራኤል ርእሰ ብሔር ዝነበሩ ሺሞን ፐረስን ናይ ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስን ንቫቲካን ዓዲሞም አብ መካነ አታኽልቲ ቫቲካን ምእንቲ ሰላም ምጽላዮም  አብ ቁስጢንጢንያ ኢስጣምቡል ሐዋርያዊ ዑደት አብ ዘካየድሉ ግዜ  አብ ቤተ ክርስትያን ኦሮዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝተኻየደ ቅዳሴ ምስታፎምን ድሕሪ ፍጻሜ ቅዳሴ ተምበርኺኮም ካብ ፓትርያርክ ባሮሎሎሞዮ  ቀዳማይ ቡራኼ ምሕታቶም ይዝከር ።

እዚ አብ ቦትኡ ኾይኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብውሉደ ክህነት አብ ልዕሊ ሕጻናት

ዝተፈጸመ ጾታዊ በደል አዝዩ ከም ዘሕዘኖምን ነቲ እኩይ ተግባር ዝፈጸሙ አብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ዘድሊ መቅጻዕቲ ክቅበሉ ከም ዝደልዩ  ከም ዝገለጹን ይፍለጥ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ቅድሚ ትማሊ ምስ ናይ መክሲኮ ተለቪዥን አብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናይ ሐጺር ግዜ ኮይኑ ይስምዓኒ ብማለት  መግለጺ ሂቦም  ኔሮም ዝኾነ  ኾይኑ   ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር ምሉእ  ጥዕና ክህቦም በዚ አጋጣሚ”ዚ   ንምነየሎም።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.