2015-03-12 17:37:00

እርጋን ጸዋዕታ ኢዩ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናንቸስኮስ ትማል ሮቡዕ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ሽምግልና አብ ዘቅረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ “ነዊሕ ዕድመ ተዓዲልካ ምንባር ጥዑም እኳ እንተኾነ ኅብረተሰብና ሸለል ዝብሎ ይመስል ኮይኑ ግን እግዚአብሔር ንማንም ሸለል አይብልን አብ ዝኾነ ክሊ ዕድመ ሕይወትና ክንክተሎ ስለዝጽዋዓና እርጋን ተሓጕስካ ክትነብሮ ዘሎካ ጸዋዕታ ሕይወት ኢዩ፣” እንክብሉ አስተምሂሮም፣

ሥድራቤታት ንዝሸምገሉ ወለዲ ብምስጋናን ክብርን ክሕዞም ምናዳ ከአ እቲ ብቍሩብ ዝርብርብን ዝደክምን ንኡስ ወልዶ ብዙሕ ተመኵሮ ናብራን ሓዳርን ካብኦም ክመሃር ስለዝኽእል ንጥበቦም ክወርሶ ይግብኦ ዝበሉ ቅዱስነቶም ንርእሶም እውን ካብ ናይ አቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ክሊ ከየውጽኡ አነውን አብ ክሊ እዚ ዕድመዚ ስለዝኾንኩ እንኮላይ ተመኵሮይ ከካብፍል ይብሉ እሞ አብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናብ ፊሊፒንስ ሓዋርያዊ ምብጻሕ አብ ዝገበሩሉ ጊዜ ሎሎ ኪኮ ማለት አባሓጎና ፍራንቸስኮስ ክብሉ ሰላምታ ምስ አቅረቡሎም ብጣዕሚ ከምተሓጐሱ ገሊጾም፣

እቲ ቀንዲ አብዚ ዘመንና ስግአት ዘሕድር አብ ዝሸምገሉ ዘሎ አመለኻኽታ ምንም ከምዘይጠቅሙን ከምዘየፍርዩን ተመልኪትካ ከም ሸኸም ኅብረተሰብ ምግማቶምን እንክኸውን በንጻሩ እግዚአብሔር ግን ንኩሉ ከምዝሓቍፍን እኳ ደአ ነቶም ዝተረስዑን አብ ወሰን ዝተሓድጉን ከምዝረድእ ዘረድኡ ቅዱስነቶም ሸሚግልካ ነዊሕ ዕድመ ዝወሃብ ንክትጽልን ንክትሓልን ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ሽማግለታት አቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ዓቢይ ጸጋ ኮይኖም እቶም ንሶም ዘዕርግዎ ጸሎት ከአ ንማኅብረሰብ ዓቢ ግንዖ ኢዩ ቢሎም፣

ነዙይ አብነት ዝኾኖ ድማ ከምቲ ሉቃስ ወንጌላዊ ብዛዕባ ሕጻንነት ኢየሱስ አብ ዘስፈሮ ወንጌሉ ስም ዖንን ሃናን ዝተበሃሉ ክልተ አረጋውያን ንመጺሕ ክር እዩ ዝበቅዑሉ ቀንዲ ምኽንያት ብጸሎቶምን ድሕነት እስራኤል ንም ር አይ ብዝነበሮም ሠናይ ሃረርታን ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ሎሚ እውን እንተኾነ አብነት ዝኾኑና ከም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ ከምዘለው ብምጥቃስ ናይ ሕይወቶም መጨረሽታ ሰዓታት አብ ጸሎትን ን እግዚአብሔር ጽን ቢልካ ንምስማዕ አብ አስተንትኖን ከሕልፍዎ ምውሳኖምን ብገዛእ ፍቃዶም ካብዚ ዓቢ ኃላፍነት ምውራዶምን ዓቢ ት እምርትን ትምህርትን ከምዝኾነ አዘኻኺሮም፣ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ብዙኃት አረጋውያን አብነት ናይ ጽን ዓት ቃል ኪዳን ከምዘውለው እውን ገሊጾም፣ ዓሚ አብ ዝተገብረ ናይ ዓለም ለኸ አረጋውያን ዕለት አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጎፍ ካብ ዝበልዎም ብዙኃት ብጽምዲ ከምዝነበሩን ገሊኦም ሓምሳ ዓመት ናይ ቃል ኪዳኖም ገሊኦም ስሳ ዓመት ናይ ቃል ኪዳኖም ከምዝዝክሩ ምስ ነገርዎም ነዞም ናይ ዘመንና መንእሰያት ምናዳ ንቃል ኪዳን ሥርሕ ፍንጥሕ አብ ምባልን ብቅልጡፍ አብ ምስልቻውን ዝርከቡ ካብ ናይዚኦም ተመኵሮ ክማሃሩ ሓደራ ብማለት ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.