2015-03-12 18:49:00

ሕቡራት መንግስታት ዓለም አብ ጂኔቭራ ናጽነት ሐይማኖትን አመለካከታ ተዘራርሪቦም


ሕቡራት መንግስታት ዓለም አብ ጂኔቭ ብዛዕባ ናጽነት ሃይማኖትን ተዘራርሪቦም፣  ሰብዓዊ መብቲ ሕልውና ተቁዋም ምክሪ ጉዳይ አብ ጂኔቭራ ዝርከብ ለም ዘመን ናይ እምነትን ሃይማንኖት ናጽነት ብዝመልከተ አኼባ ከምዝተገበረ ተገሊጺ።

አብ ሕብረተሰብና ብሽም አምላክን ሃይማኖትን ብዙህ አመጽ ይፍጸም ከምዘሎን  እዚ ኸዓ አብቲ ማኅበረ ሰብ ብዙh ጉድዓትን ጥቅዓትን ከምዝፈጥር ዜይነር ቢየልፊልደት ብዝሃቡዎ አስተንትኖ አገንዚቦም።

ሄነር ቢየለፈልደት ዘቅረብዎ መጽናቲ ሃሳብ ብፍላይ ን መዓከላይ ምስራቅን ሰሜን አፍሪካ ዝምልከት ጸገማትን ኸምዕውን ንፖለቲካ አመለካኽታ ይነቅፍ። ብሽመ ሃይማኖት ንዝግበር መጥቅዓቲ ብዙሃት መንግስታት አቡ አዶም እንተኮይኑ ሸለል ወይኸዓ ከመምሪሂ አዲ ይቅበልዎ።

 ንሱድ አረቢያ እንተወሰድና መብዛሕቱ ግዜ አቡ ፍሉይ እምነተ ሃይማኖት መጥቅዓቲ ከምዝፍጸምን መንግስቲ ሸለል ከምትብል የገንዝቡ::

አታሃሂዞም ብስመ ሃይማኖት ዝግበር መጥቅዓቲ አመጽ ክቅጻዕን እቲ ጸገም አብ መሠረተ ሃይማኖት ዘይኮነስ ግና ሃይማኖት ብዝተፈላለየ ዘይቁኑዕ አገባብ ምውሳድን መጥቅዓቲ ግቡእ ከምዘይኮነ ሃቢሮም:: መራሂ መንግስታትን ሃይማኖት ብመርበብ ዜናታት ንዝመሃላለፍ አመጽ ሸለልን ሱቅ ምባል ነቲ ይግበር ዘሎ አመጽ ከምዝተቀበልዎን ከምዝደገፍዎን ስለዝመስል ነቲኦም መሳሪያ ዝተዓጠቁ ከምድላዩም ክገብሩ የፍቅደሎም ይብሉ።

አብ ጂኔቭራ ንዝርከብ ናይ ሰብዓዊ መብቲ አክባሪ ናይ ቅንድስት መንበር ተዓዛቢ ብፁዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ይብሉ አብዚ ዝተገበረ ፍሉይ አኬባ ናጽነት ሃይማኖትን እምነትን ዘካተተ  እዚ ኸዓ ቅድስት መንበር ብፍላይ ንናጽነት ሃሳብ  ብሕሊናዊ ሃላፊነትን ጥንቃቄን ክግበርን ክውሰድን ከምዘለዎን እንተዘይኮነ ግና ጸገም ከስዕብ ከምዝክዕል ሃቢሮም። ንምሳሌ እንተወሰድና ሃደ ሰብ ናይ ዘረባን አተሃሳሰባ ናጽነት ስለዘለዎ ንናይ ካልዕ ሃይማኖትን ባሕልን ከምድላዩ ኽነቅፍ ከምዘይኽዕል ምክንያቱ ድሕሪ ሃይማኖትን ባሕሊን ሰባት ስለዘለው  ብዘረባና ከነሕዝንን ክንጎድዕ የብላን ኢሎም።

ከምዕውን ምስ ናይ ቅድስት መንበር ሃሳብ ካልዖት አድታት ከምዝሰማምዓን  ምስ ልዑካን ሕቡራት አውሮፓ ሊባኖስ ሩሲያን ፔሩ አብ ማዕከላይ ምስራቅ ንዝርከቡ ክርስቲያናት ምሕላውን ምክልኻል ከምዘደልይ ሃቢሮም።

ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ናጽነት ገለጻ ሃሳብ ቀዳምነት መብቲ ብሃባር ንምቅማጥን ምንባር ዝህግዙን አመልኪቶም። አብ ቀረባ ከዓ ቅድስት መንበር ምስ ማልታ ብሃባር ኮይኖም ነዚ ሃሳብ ብምድጋፍ ብፍላይ አብ ማዕከላይ ምስራቅ ንዝርከቡ ክርስቲያናት ቀስቀሳ ንክግበር አኸባ ከምዝግበር ተሃቢሩ።።     

 








All the contents on this site are copyrighted ©.