2015-03-10 15:46:00

አገባብ እግዚአብሔር ትርኢታዊ ርኤዩለይ ስምዑለይ ዘይኮነስ አብ ትሕትናን ዝተመርኮሰ ከም ዝኾነ


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ወትሩ ንግሆ አብ ቅድስቲ ማርታ ቤተ ጸሎት ሥርዓተ ቅዳሴ ከም ዘዕርጉ ክፍለጥ እንከሎ ትማሊ ንግሆ ብርክት ዝበሉ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን አብ ዝተረኽብሉ ሥርዓተ ቅዳሴ አዕሪጎም፣ አብዚ አብ ቤተ ጸሎት ቅድስቲ ማርታ አብ ዘዕረግዎ ሥርዓተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት እግዚአብሔር ብትሕትናን ብስቅታን ከም ዝሰርሕ ጠቂሶም፤ አገባብ እግዚአብሔር ንረአዩለይ ስምዑለይ ዝግበር ምርኢት ከም ዘይኮነ አገንዚቦም፣

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተወኪሶም ክአ ጐይታና መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንተቀማጦ ቅድስቲ መካን ናዝሬት እምነት ስለ ዘጕደሉ ከም ዝተቋየቆም አዘኻኺሮም፣ ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ናዝሬት ክዛረብ እንከሎ ብዙሐት ይሰምዕዎ ከም ዝነበሩን ገለ ካብአቶም ብዛዕባ መን፤ ብዛዕባ ምንታይ ኢዩ ዝነግረና ዘሎ ብማለት ከም ዝሐተቱ ጠቂሶም ክአ  እዚ ድአ ወዲ”ቲ ጸራባይ እንድዩ ንፈልጦ እንዲና ይብሉ ከም ዝነበሩን ብድሕሪ”ዚ ህውከትን ዕግርግርን ከም ዝኾነን  ንኢየሱስ ካብ ናዝሬት ከም ዝሰጐጉዎን ካብ ሕደ ኮረብታ ከጽድፍዎ ከም ዝሀቀኑን አዘኻኺሮም፤ ስብከቶም ብምቅጻል አብ ኦሪት ነቢይ ኤልሳዕ ብለምጺ ዚሳቀ ንዝነበረ ንእማን ሶርያዊ ካብ ለምጺ ክትሐዊ  አብ ሩባ ዮርዳኖስ ሽወዓተ ግዜ ተሐጸብ ከም ዝበሎን መጀመርያ ከም ዘዕጠጠየ ድሐር ግን ምክሪ ናይ ነቢይ ኤልሳዕ ተቀቢሉ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ሸውዓተ  ግዜ ከም ዝተሐጽበን ካብ ለምጺ ከም ዝሐውየን  አዘኻኺሮም፣  

ስለዚ አገባብ እግዚአብሔር ትርኢታዊ ርኤዩለይ ስምዑለይ ዘይኮነስ አብ ትሕትናን አስተንትኖን አብ ስቅታን ዝተመርኮሰ ከም ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አተሐሒዞም ሰቢኾም፣ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኩሉ ዝክአሎ እግዚአብሔር ንወዲ ሰብ ብጭቃ ከም ዝፈጠሮን እዚ አገባብ”ዚ ንድሕነት ወዲ ሰብ ዘርአየ ቅዱስ ታሪኽ ከም ዝኾነ አገንዚቦም፣ 

እግዚአብሔር ንህዝቡ ከድሕን ከሎ ብእምነት ሙሴ ከም ዘድሐኖ ነታ ሐያል ከተማ ኢያሪኮ ከውድቃ ከሎ ነቶም ሰለይቲ ዝሓብአብት ዝሐገዘተን ሓንቲ ዘማዊት ሰበይቲ ጌሩ ከም ዝኾነ ትሕትናዊ አገባብ እግዚአብሔር ብዙሕን ሰፊሕን ከም ዝኾነ ንዳዊት ዳርጋ ጥራሕ ኢዱ ምስ ጉራደ ዝተዓጥቀ  ምስ ጎልያድ ክቃለስ ክሰዶ እንከሎ ዳዊት ዓቅሚ ከም ዘይነበሮ፡  ሰብአ ስገል ንጉስ ከ ዝተወልደ ምስ ሰምዑ ካብ ምብራቅ ብኾኸብ ተመሪሖም ቤተ ልሔም ምስ በጽሑ ሕጻን  አብ መብልዒ ሐሰር ከም ዝርአዩ  ስራሕ እግዚአብሔር  መለኮታዊ ድአምበር ትርኢታዊ ከም ዘይኮነ  ክንርዳእ ንኽእል ብማለት ከም ዝሰበኹ  ይምልከት፣ 

እምብአር ከስ ዝተፈተኹም ህዝበ ክርስትያን አብ ግዜ ዓቢ ጸመ አርብዓ ንርከብ አለና እሞ ከምቲ ምእንቲ ንዓና ከድሕን ሕይወቱ አሕሊፉ ዝሀበ ጐይታና መድኀኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድረ በዳ ነርብዓ መዓልቲ ቀትርን ለይትን ዝጾመ  እንዘከርናን እና ሐስብናን  መንፈሳዊ ሕይውትና ከነማዕብል ክንጽሊ ክነስተንትን ይግብአና፣ አብ ግዜ ጾም ምስቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት አብ ሽግር ዝርከብ ህዝቢ ክነተሐባበር ሰናይ ተግባር ክንሰርሕ ከተሐሳስብከኡም ይደሊ  ሰናይ መዓልቲ ብማለት ስብከቶም ዛዚሞም፣   








All the contents on this site are copyrighted ©.