2015-03-10 17:12:00

ር.ሊ.ጳ ንንጉሥርን ንግሥትን በልጅዩም ተቀቢሎም፤


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንናይ በልጅዩም ንጉስ ፍሊፐን ንንግስቲ ማቲልደን አብ ሐዋርያዊ አዳራሽ ቫቲካን ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎ ብቅድስቲ መንበር ዝተዋህብበ መግለጺ አፍሊጡ አሎ፣

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ንጉሳውያን ቤተ ሰብ በልጅዩምን ወቃታዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ በልጅዩምን ከምኡ ክአ ህሉው ኩአነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን በልጅዩም ማሕበራዊ ጉዳይ መንእሰያትን ትምህርትን  ብዝምልከት ሐሳብ ንሐሳብ ከም ዝተለዋወጡ እቲ ብቅድስቲ መንበር ዝተዋህበ መግለጺ  አመልኪቱ፣

አብ ልዕሊ”ዚ መጻኢ ዕድል ኤውሮጳ ከም ዝተዘተየሉ ዘምለከተ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ንጉሳውያን ቤተ ሰብ በልጅዩም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ምስ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን አብ ቅድስቲ መንበር ምስ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ዋና ጽሐፊ ምስ ብጹዕ አቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ተራኺቦም ብተመሳሳሊ ከም ዝተዘራረቡ እቲ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.