2015-03-07 16:29:00

ቅዱስ ኣቦና፦ ናይ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ኤድዋርድ ሚካኤል ኤጋን መንፈስ ንእዚኣብሔር አወክፍ፣ ኣገልጋሊ ኣገልገልቲ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድሜኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ብዝተፈልዩ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ኒው ዮርክ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኤድዋርድ ሚካኤል ኤጋን ምኽንያት ናብ ናይ ኒው ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቲሞትይ ዶላን ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መገልጺ መልእኽቲ ቴለግራም ናይ ነፍሰ ሄር ብፁዕ ካርዲናል ኤጋን ክቡር መንፈስ ንእግዚኣብሔር ኣወኪፎም፣ ኣገልጋሊ ኣገልገልቲ ብዝብል መለለይኦም ዝፍለጡ ኣብ ሃገሮም ዘበርከትዎ ልዑል ሓዋርያዊ ተልእኾ ብፍላይ ድማ ኣብ ምርቃቕ ሕገ ቀኖናን በዚ መሰረት ድማ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘበርከትዎ ልዑል ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝነኣድ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ከምዘስመርሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።

ብፁዕ ካርዲናል ኤጋን ኣብ ኦካ ፓርክ ርእሰ ሰበካ ቺካጐ ዕለት 2 ሚያዝያ 1932 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ኣብ 1958 ዓ.ም. ብቲሎጊያ ሊቅነት ኣመስኪሮም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣብ ሰበኻ ቺካጐ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዝሓሊ ድርገት ኣመሓዳሪ ኰይኖም ተሰምዮም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1972 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳይና ኰይኖምን ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሕገ ቀኖና ስነ ፍትሓ ብሔርን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍሉይ ስነ ሕጊ ተቛም መምህርን ብተወሳኺ ድማ ናይ ቅዱሳት ምስጢራትን ስርዓት ኣምልኾን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣባልን፣ ናይ ካህናት ጉዳ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣማኻርን ኰይኖም ክሳብ ጳጳስ ንኽዀኑ ዝተሰመዩሉን ማዕርገ ጵጵስና ዝተቐበሉሉን 1985 ዓ.ም. ከምዘገልገሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ እቲ ኣብ 1983 ዓ.ም. ብሓልዮ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተደንገገ ሓድሽ ሕገ ቀኖና ኣብ ምርቓቕ ተልእኾ ዓቢይ ኣገልግሎት ከምዝሃቡ የዘኻኽር።

ኣብ 1985 ዓ.ም. ናይ ኒው ዮርክ ርእሰ ሰበኻ ናይ ስነ ሕንጸት ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ተልእኾ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳስ ኰይኖም ድሕሪ ምግልጋል፣ ኣብ 1988 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ብሪገፖርት ጳጳስ ንኽዀኑ ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከምእተሸሙን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 11 ግንቦት 2000 ዓ.ም. ናይ ኒው ዮርክ ሊቀ ጳጳስ ንኽኾኑን ዕለት 21 ለካቲት 2001 ዓ.ም. ካርዲናል ቢሎም ከምዝሸመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.