2015-03-03 15:54:38

ርክብን ሲሜትን


RealAudioMP3 ዕለት 2 መጋቢት 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ምርምርን ባህልን ዝሓሊ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪት ኢሪና ቦኮቫን ኣብዚ ኣብ ቬየና ናይ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ያኑስዝ ኡርባንክዝይክን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዒራቕ ናይ መንግስቲ ከባቢ ኩርድስታን ኣመሓዳርን ናይቲ ክሊ መራሔ መንግስቲ ከቺርቫን ባራዛኒ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲምንበር መግለጺ ሓቢሩ።
በታ ዕለት እቲኣ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መክሲኮ ናይ ሰበኻ ኵየረታሮ ካህን ናይቲ ሰበኻ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጉዳይ ሓላፊ ተሓጋጋዚ ጳጳስን ቆሞስ ቤተ ክርስቲያን ጴንጠቖስጠን ኰይኖም ንዘገልግሉ ዘለዉ ኣባ ፊደንሲዮ ሎፐዝ ፕላዛ ናይ ሰበኻ ቅዱስ ኣንድረስ ቱክስትላ ጳጳስ ንኽዀኑ ከምዝሰመይዎም ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ ብፁዕ ኣቡነ ሎፐዝ ፕላዛ ኣብ ሰበኻ ኵየረታሮ ኣብ እትርከብ ከተማ ካፑሊኒ ዕለት 28 ሚያዝያ 1950 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ መደሊኒ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ብስነ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ከምኡ እውን ኣብ ኵየረታሮ ኣብ ዝርከብ ናጻ መንበረ ጥበብ ብስነ ማሕበራዊ መጽናዕቲ ሊቕነት ዘመስከሩን ናይ ሰበኻ ኵየረታሮ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ኣወሃሃድን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ትምህርተ ክርስቶስን ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፍን ኣብ ሰበኻ ጉኣናኻውቶ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቤት ምኽሪ ኣማኻርን ኣፈ ጉባኤን ናይ ሜክሲኮ ቀዋሚ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባልን ካብ 2010 ዓ.ም. ክሳብ 2012 ዓ.ም. ናይዚ ቤት ምኽሪ ኣወሃሃዲ ኰይኖም ከምዘገልገሉ ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.