2015-02-24 15:07:41

ኢየሱሳዊ ር.ሊ.ጳ.፣ ክርስትናን ነጻነትን ኣብ ፍራንቸስኮ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ኣባል ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ኢየሱሳውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ ካብቶም ዝሓለፉ ኣርእስት ሊቃነ ጳጳሳት ፍልይ ዘብሎም ድማ እቲ ኣብ ቃሎምን ዘስምዕዎ ዘረባን ምዕዳንን ስብከትን ሥልጣናዊ ትምህርትን እውን ኣባል ኢየሱሳውያን ማሕበር ምዃኖም ዝልለይሉ ምልክታ ከምዝርአይ “ኢየሱሳዊ ርእሰ ሊቃን ጳጳሳት፣ ዘይውዱእ፣ ዛዕባ ነጻነትን ዓለማውነትን ኣብ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ ፍልስፍና መምህርን ናይ ፍትሕን ሰላም ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ በዓል መዚ ፈላስፋ ቪቶሪዮ ኣልበርቲ ዝደረስዎ መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ሞንዳዶሪ ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቕዔ እንክሕበር፣ ፈላስፋ ኣልበርቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፣ እቲ ኩነት መንነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መጽሓፍ ገይርካ ከተዘንትዎን እቲ ቅዉም ሓሳብ ናይዚ ኩነት ምቕራብ ማለት ናይ ኢየሱሳውነት መንፈሳውነት መለለይኦም ምትንታን ማለት እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ኩሉ እግዚኣብሔር ምድላይ ዝብል ክኸውን እንከሎ፣ ናይ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ናይ መንፍሳዊ ሱባኤ መርሓን ኣብ ድልያ ፍቓድን እግዚኣብሔር ዘማእከለ ኣብ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን መዋቕራትን ኣብቲ ዘይትሓስቦን፣ ኣብቲ ዝሕሰብን ክትግምቶ እውን ኣብ ዘይከኣል ነገር ኩሉ ምንባር ዝብል እዩ፣ ቅዱስ ኣቦና በቲ ዘለዎም ናይ ቅድስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ምዃን ነዚ መንፍሳውነት’ዚ ድልያ ነጻነትን ጸዋዕታን እንክብሉ ይገልጽዎ። እዚ እቲ ሓደ ኣብኦም ዝቃላሕ መንፈሳውነት ማሕበር ኢየሱሳውያን ምዃኑ የመልክቱ።
“ኢየሱሳዊ ርእሰ ሊቃን ጳጳሳት፣ ዘይውዱእ፣ ዛዕባ ነጻነትን ዓለማውነትን ኣብ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ” እቲ ዘይውዱእ ዝብል ሓሳብ ሓደ ካብቲ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር መንፍሳውነት ዝቃልሕ እዩ፣ እዚ ማለት ድማ ዘይዕጸው ሕሳበን ኣምርን ናይ መፈለምታ ነጥቢ ዘይብሉ ገና ዝቕጽል ፍጥረት ዝፈጥር ሕሳበ ዘይኰነስ ኣብቲ ፍጥረት ክውን ከም ምዃንካ ዝብልን ነዚ እተድኣ ዘይትኣምን ኴንካ ድማ ካብቲ ፍጥረት ውጻኢ ምዃን ከምዝኾነን ዝመልክት እዩ። ስለዚህ ዘይድምዱም ክበሃል እንከሎ ክፉት ምዃን ዘመልክትን፣ ከመቲ ሕሳቤ ፍልስፍና ወትሩ ድልያ ዝብል ኩነት ዘነጽር ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ቅዱስ ኣቦና ብዙሕ ጊዜ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ጸረ ፈሪሳዊ ካህንነት ነቲ ጸረ ፈሪሳዊ ካህንነት ምንቅስቃሳት ዝስዕብ ዘይኰነስ ክርስትና ዝብል እዩ። ስለዚህ ዝገልጽዎ ጸረ ፈሪሳዊ ካህንነት ማለት ክርስትና ማለት እዩ። ካብ ጣዖታትን ምስሉይነትን ካብ ሰጊድ ሰላም ንስልጣንን ምርሓቕ ዝብል ነጻነት ምንባር ማለት ምዃኑ ዘረድእ እዩ፣ ነጻ ዝዀነ ክርስቲያን ናይቲ ዝኣምኖ እምነት ብቓልን ብሕይወትን ህያዋን መሰኻኽር ዝኾነ ሰብ እምነት ዝደልን ሰብኣዊ ሕውነት ዘረጋግጽ እዩ። እዚ ማለት ድማ ጸረ ፈሪሳዊ ካህንነት ማለት እዩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕዳሴ እዮም። እዚ ሕዳሴ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፉ ተኸተልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀጻልነት ምትእስስር ዘለዎ እዩ። ሕዳሴን ተኸታታልነት ምትእስሳር ዘለዎ እዩ። ምስ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ስነ መጎት ዝቖመ ተኸታታልነት ምትእስሳር ኣለዎም፣ ናይቲ ሕዳሴ መሰረት ድማ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብፍቓዶም ካብ መዝነት መንበረ ጴጥሮስ ብምውራድ ዝፈጠርዎ ባይታ እዩ። ስለዚህ ነቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽመርጽ ንዝእከብ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እንታይ ዓይነትን ከመይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዘድልያ ኣንፈት ሂቦም እዮም፣ እዚ ድማ ኣብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝጸንዔ ራእይ እዩ። ሕዳሴ ንቤተ ክርስቲያንን መዋቕራት ቤተ ክርስቲያንን ሕዳሴ ኣብ ኣነባብራ እምነት ክርስትናን ዘተባብዕን ናብቲ ናይ እምነት ኣናስር ንመለስ ዝብል እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.