2015-02-24 15:10:07

ብፁዕ ካርዲናል ታግለ፦ ማሕበራዊ ዘይግዳሴ ኣይፋል ምባል


RealAudioMP3 ናይ ፊሊፒንስ ርእሰ ከተማ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም 2015 ዓ.ም. ንብጻይካን ንድኻታትን ዘይምግዳስ ክሳብ ዘሎ ነቲ ናይ ዘይግዳሴ ባህሊ ክሳብ ዘይተቓወምና ኣብ ሃገርና ሰላም ክህሉ ማለት ዘበት” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ጻውዒት ከምዘመሓላለፉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።
ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ውልቃውነትን ንናይ ስኡናትን ድኻታትን ኩነት ጸማም እዝኒ ዝብል ባህሊ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ኣዚዩ ይሰፍሕ ከምዘሎን፣ ነዚ ባህሊ ብዘይምቅዋም ሰላም ንምርግጋጽ ዘይከኣል ከምዝኾነን፣ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነትን ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝሳቐዩ ሕጻውንቲ ኩነት ጸማም እዝኒ ምሃብ ማለት ንናይ ገዛእ ርእስኻ ሓቀይና ምዃን ምቅዋም ማለት ከምዝኾነ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ ጻውዒት ዝገለጽዎ ሓሳብ፣ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበር ጨንፈር ኣብ ፊሊፒንስ ብምቕላሕ ዓቢይ ጾም ንናይ ድኻታትን ስኡናትን ስቓይን ሰማዒ እዝንን ክፉት ልብን ብምሃብ ንዝረጋገጽ ሕዳሴ ዘነቓቕሕ እዋን ምዃኑ ናይቲ ጨንፈር ኣመሓዳሪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሮላንዶ ትሪያ ቲሮና መልእኽቲ ሓዋርያዊ ጻውዒት ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ጠቒሶም ጭቡጥ ናይ ፍቕሪ ስራሕን ግብረ ሰናይን ክፍጸም ሓደራ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ጻውዒት፦ ሓቀይና ሕውነት መሰረት ሓቀይና ሰላም እዩ” እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፦ °ሓልዮን ክንክንን ንድኻታትን ተፈጥሮን” ሓደራ ዝብል መልእኽቲ ሓዋርያዊ ጻውዒት ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ዝጠቐሱ ብፁዕ ኣቡነ ትሪያ ቲሮና ኣስዒቦም፦ “ዓቢይ ጾም ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን እቲ ዘእውይ ድምጺ ድኻታት ብንቑሕ ልብን እዝንን ጽን ዝበሃለሉን ወትሩ ነቲ ብኣኦም ዝግለጽ ኢየሱስ እነእንግደሉን ንኽንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝተጸዋዕና ምዃንና ብጥልቂ እነስተውዕለሉ ኣዋን እዩ” ከምዝበሉ ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.