2015-02-17 18:34:47

ዓሣን ከምዘይመውት ባሕርን ከምዘይነጽፍ!


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ምስቶም ዝሓለፈ ቀዳም ዝሾምዎም ካርዲናላት አብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ አብ ዘዕረግዎ ናይ ምስጋና ቅዳሴ ዋና ሥራሖም ሥራሕ ቤተ ክርስትያን ከምዝኾነ ንሱ ከአ ካብ ቤተ ክርስትያን ርሒቆም ንዘለው ብዘይ ሌላን ጉሌላ ብዘይ ፍርሕን ስክፍታን ከናድይዎምን ናብ ቤቶም ክመልስዎምን ከምዝኾነ እንክሕብሩ ነዙይ ዝበሉሉ ምኽንያት ከአ ከምዚ አብ ላዕሊ ብምስላ ገሊጽናዮ ዘሎና አብ ቤተ ክርስትያን ነቶም ሒዝካዮም ዘሎኻ ከይተጥፍእ ወይውን ከይትዕንቅፍ ክትብል ነቶም ዝረሓቁ ምርሳዕ ወይውን ነቶም ዝረሓቁ ክትሓቍፍ ክትብል ነቶም ቀረባ ዘለው ከይተርሕቅ ዝብል ፍርሒ ስለዘሎ ነዙይ አብነት ዝኾነና ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል “ሓደ ለምጸም ናብኡ መጸ፡ ተምበርኪኹ ድማ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ለመኖ።
ኢየሱስ ከኣ ደንገጸሉ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፡ ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህ በሎ። እዚ ምስ በለ፡ እቲ ለምጺ ብኡብኡ ሓደጎ፡ ነጽሄ ኸኣ። ኢየሱስ ድማ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ክንዲ ዝነጻህካውን ንኣታቶም ምስክር ኪዀኖም፡ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ እምበር፡ ንሓደ እኳ ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛሪቡ ሰደዶ።
ንሱ ግና ወጺኡ ብዙሕ ኪሰብኽን ነቲ ነገር ኬውርዮን ጀመረ። ኢየሱስ ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ጽምዊ ስፍራ ነበረ፡ ካብ ኵሉ ወገን ድማ ናብኡ ይመጹ ነበሩ እምበር፡ ብግልጺ ናብ ከተማ ኺኣቱ ኣይኰነሉን።” ዝብል (ማር 1፡40-45) መሠረት ብምግባር ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ሙሴ አብ ኦሪት “ሰብ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ሕበጥ ወይ ሽሒር ወይ ብሩህ ብሮት እንተለዎ፡ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ኸኣ ከም ቊስሊ ለምጺ ዝበለ እንተ ዀነ፡ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ካብቶም ደቁ ኻህናት ናብ ሓደ የምጽእዎ።
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ዘሎ ቚስሊ ይርኤ፡ ኣብቲ ቚስሊ ዘላ ጸጒሪ እንተ ጻዕደወት፡ እቲ ቚስሊ ኸኣ ካብ ቈርበት ስጋኡ ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ቊስሊ ለምጺ እዩ። እቲ ኻህን ምስ ረአዮ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር፡… እቲ ቚስሊ ዘለዎ ለምጻም ክዳኑ ቕዱድ ይኹን፡ ርእሱ ኸኣ ይቀላዕ፡ ጭሕሙ ድማ ይኽደን፡ ርኹስ፡ ርኹስ፡ ኢሉ ኸኣ ይጨርሕ።
ቊስሊ ዘለዎ ዂሉ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ርኹስ እዩ። ንበይኑ ይቀመጥ፡ ምቕማጡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይኹን። (ዘሌዋ 13) እንክብል ሙሴ ብዓቢ ጥንቃቄ ዝሓበሮ ት እዛዝ ሰጊሩ ነቲ ለምጻም ክትንክፎን ከንጽሖን እንከሎ መንገዲ ቤተ ክርስትያን ንኩሉ ምሕቋፍ ምዃኑ የመልክት ዝበሉ ቅዱስነቶም፣ ብድሕሪ ክርስቶስ እውን ቅዱስ ጳውሎስን ጴጥሮስን አብቲ ቀዳማይ ጉባኤ ኢየሩሳሌም ዝተኻትዑሉ ነገር አብ መንጎ ሥር ዓት አይሁድን አረማውያን ዝነበረ እንክኸውን ቅዱስ ጳውሎስ ብትብ ዓት አይሁዳዊ ይኹን አረማዊ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሓደ ኢዮም ዘድኅን አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ም እማን እምበር ምግዛር ወይ ዘይምግዛር ከምዝኾነ ከምዝገለጸ ዘኪሮም ሎሚ እውን እንተኾነ አብ ቤተ ክርስትያን ነቶም ሕግብግብ ዝብሉ ክትሕዝ ክትብል ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ምዝንጋዕ ከጋጥም ስለዝኽ እል ከምቲ ኢየሱስ ንዝኾነ ቅድሜ ኩነታዊ ፍርድን ዕንቅፋትን ሰጊሩ ድኅነት ዘምጸኤ ቤተ ክርስትያን ል ኡኻታን እውን ካብ ገዛእ ር እሶም ግልል ቢሎም ነቶም ተረሲዖምን ተገሊሎምን ዘለው ንምድሓን ክጓየዩ ሓደራ ቢሎም፣







All the contents on this site are copyrighted ©.