2015-02-13 13:18:00

ጸብጻብ ዕለተ ምስጋና (ጽንብል) መጥሮጶሊሳዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ


RealAudioMP3 ጸብጻብ ዕለተ ምስጋና (ጽንብል) መጥሮጶሊሳዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ኤርትራ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፣ ንምሕደራ ብዝምልከት ኣባል መጥሮጶሊሳዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን መንበረ ኣዲስ ኣበባ ኮይና ምጽንሓ ይፍለጥ፣ ንዝያዳ ምዕባለን ፍርያምነትን ክልቲኤን ኣኃት ካቶሊካውያን ኣብያተክርስቲያን ዓብይ ግምት ብምሃብ፣ንነዊሕ ዓመታት ዘድሊ መጽናዕቲ ድሕሪ ተኻይዱ፣ ብበዓለ ጥምቀት ፲፩ ጥሪ ፳፻፯ ዓ.ም (19 ጥሪ 2015 ዓ.ም.ፈ) ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እቲ ተኽሊ ወይኒ ዝኾነ ክርስቶስ ብዙኅ ፍረ ምእንቲ ክፈሪ ኣብ ኤርትራ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፣ ካብ መጥሮጶሊታዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ተፈልያ፣ ናብ ርእሳ ዝኸኣለት፣ መጥሮጶሊታዊት (SUI IURIS CHURCH) ቤተክርስቲያን ክትሰጋገር ምውሳኖም፤ናይዛ ብሓዲስ መልክዕ እትቐውም ዘላ ኣብ ኤርትራ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፣ ቀዳማይ ሊቀ ጳጳስ ከኣ ንብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ ከምዝሾሙ ብኩሉ ማዕከናት ዜና ተቓሊሑ፣ እዚ ኣዋጅ ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ ቫቲካንን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣኣብ ሰበኻኡን ምስ ተበሠረ ከኣ ብፁዓን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብሃገር ደረጃ ዝግበር ዕለተ ምስጋና ሰርዑ፣ ዝተፈላለየ ከም ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣዋጃትን መልእኽታት እንቛዕ ሓጎሰና ብፁዓን ጳጳሳትን ኣሕሉቕ ገዳማትን ካል ኦትን፣ ከምኡ'ውን ሓጺር ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራን፣ መግለጺ ናይ ታሪኽ ቅድምናን ዝሓዘ ናይ ጽሑፍን (መጽሔት) ካልእን ዘድሊ ምድላዋት ኪግበር ቀንዩ፣ ብድሮ ከኣ ብፁዓን ጳጳሳትን ቤተክህነትን ተመሃርቶምን ሊቃውንቲ ያሬዳውያን መዘምራንን ብብዝሒ ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ድሙቕ ዋዜማ ኣምስዩ፣ ብማኅሌት ዘሌሊት'ውን ያሬዳውያን ብመዛሙሮም ንኣምላኽ ክውድሱ ኣርፊዶም፣ ገለ ካብቲ ኣብ ዋዜማ ዝፈሰሰ ቅኔታትን መወድስን ንምጥቃስ፣- ትፍሥሕተ ይደልዋ ለደብረ ኪዳን ፍጡነ አመ ይትወለድ ራእያ፡ ፍራንቸስኮስ ልዑለ መንበር ግዕዝተ ረሰያ፡ ወእንዘ ግዕዝት ይእቲ ርእሰ ኣድባራት ሰመያ፡ ወመንግሥተኣብ ጳውሎስ ዘተመነያ፡ ወዜነወ ለዓለም ዕበያ። (ብመሪ. ወልደሚካኤል ሓጎስ) ተፈሥሒ ወተሐሰዪ ምድረ ኤርትራ ልዕልት እስመ ወሃበኪ ክብረ፡ ልዑል እግዚኣብሔር ሰማየ ዘገብረ፡ ወለያዕቆብ ዳዊት እግዚኣብሔር ሰምረ፡ ወዓዲ ውእቱ ላዕለ ላዕለ ሖረ፡ ወዳግመ ሰማየ ነጸረ።(ብቀሺ ጸጋይ ሃብተኢየሱስ)

ድንግል ንስቲት ኣመ ገብርኤል ኣብሠራ
ፍናዌ ዜና ሠናይ ኣልባብ ኵልነ ሠምራ
ቤተ-ልሔም ዘይሁዳ መጠነ ጽዮን ክብራ
ሕንጸተ መቅደስ ዳግም ከመ ጸሓፈ ዕዝራ
ለዓለም ማሕደሮ እስመ ልዑል ሳረራ።
---
ኣርኣየ ለነ ዕመቀ ጥበቡ ኣዳም
ተፈጸመ ተስፋ ኣበው በደብረ-ማርያም ኪዳን
ወረደ ምሕረቱ ናዛዜ ልብ ትኩዛን
መስቀል ኣብርሀ ዲበ መናግንት ጽልሙታን
መድኃኒት ዕፀ ሕይወት ዘነፍስ ሥጋ ድውያን
ኖላዊነ የዋህ ዘኣስተጋብአ መሪዔቱ ዝሩዋን
ጥብሓተ በግዕ ንጹሕ መስዋዕተ ቤዛ ብዙሓን
ስትየ ሕይወት ወመብልዐ ጽድቅ ቍርባን
ስብሓት ለኣምላክነ መፍቀሬ ሰብእ በኣማን።()
----------------
ክብር ይእቲ
ታሕተ እገሪሁ ለወልድ ኣረጋዊ፡ አመ በኣስተብርኮ ሰገዱ፣
ቅንዋት ደቂቅ ዘበቀራንዮ ተወልዱ፣
ውስተ ምድረ ድቀት ርሑቅ ድኅረ ነገዱ፣
አኮኑ ተምህሩ ግብረ ትሕትና፡ ወሥርዓተ አበው ለመዱ፣
ዕጣነ ሞገር
መንበረ ጳውሊ ወጴጥሮስ፡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል፣
እንተ በኤርትራ ተሐቱ ወታሕመለምል፣
ትበርህ እምጸሐይ ወእምነ ኮከብ ጽዱል፣
መራሔ ብርሃናት ሰብአ-ሰገል፣
ወእምነ ኲሎን ኣድባር ኣዕበያ እግዚኣብሔር ቃል፣
ለምሕረት ድኅረ ተፈነወ እምሰማይ ልዑል፣
ኢተሐልፍ ምንተ እምወሰና ዘባሕረ ኤርትራ ማዕበል፣
እስመ መንግሥተኣብ ማስያስ ገሠጻ በበትረ እዴሁ መስቀል፣
ወደብረ መድኃኒት ደብረ ቤተል፣
ለምድረ ኤርትራ ኩንያ ሰዋስወ ሣህል፣
ወለንግሣ መድኃኒት ኣክሊል።(ብመሪጌታ ተወልደመድኅን መንግሥቱ) ዝብል ይርከቦ፣ ብዕለቱ ሰንበት 01 ለካቲት 2015 ዓ.ም.ፈ ድማ ነዚ ዓቢይ ታሪኻዊ ፍጻሜ ንምጽንባልን በቲ እግዚኣብሔር ንካቶሊካዊ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፣ ዝገበረላ ድማዕ ንምምስጋን፣ ወኪል ቅድስቲ መንበር ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሁበርቱስ ማቴዎስ ቫን መገን ኩሎም ብፁዓን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራን ምስ 38 ለባስያን ካህናት ዝመርሕዎ፤ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ፣ ናይ ምስጋና መስዋዕተ ቅዳሴ ብኁባሬ እንኪዓርግ፤ ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ፕረሲደንት ወንጌላዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ቀሺ ዮሴፍ ኣርኣያ፣ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት፣ ካብ ኩለን ሰበኻታትና ዝመጹ ቤተክህነትን ምእመናንን፣ ብፍላይ ከኣ ካብ ቁምስናታት ኣሥመራ ዝመጸ ብዙሕ ሕዝቢ ተሳቲፎም። እታ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ቤተክርስቲያንና ከምቲ በብእዋኑ ዘኣንገደቶን እተኤንግዶን ዘላ፣ ንርእሳውን ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ደረጃ ብደረጃ እናዓበየት ዝመጸት፣ በዚ ዓቢይ ብሥራትን ሓጎስን ዕቤትን ክብርን ቤተክርስቲያና፣ ብጥዑም ዜማታትን መዛሙርን ቋንቋ ሓጎስ ኣደታት ዝኾነ ዕልልታን ኣንደቕዲቃ ኢያ ኣርፊዳ፣ ኣብ ምጅማር ቅዳሴ እቲ ኣብ ኤርትራ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፣ ናብ ደረጃ ርእሳ ዝኸኣለት መጥሮጶሊሳዊት ቤተክርስቲያን ምድያባን፤ ናይዛ ብሓዲስ መልክዕ እትቐውም ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ቀዳማይ ሊቀ ጳጳስ ከኣ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ ምሻሞም ዝገልጽ፣ ብወግዒ ኃላፍነት ዜልብስ፣ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ፣ ብወኪሎም ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሁበርቱስ ማቴዎስ ቫን መገን ንሕዝቢ ተነቢቡ፣ ትርጉሙ ከኣ ብክቡር ኣባ ግርማይ ኣብርሃ ሲታዊ ቀሪቡ፣ ድሕሪ ንባብ ቅ.ወንጌል ድማ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ጳጳስ ዘመንበረ ከረን ንናይ ዕለቱ ቃለ እግዚኣብሔርን ነቲ ዕለተ ምስጋናን ኣመልኪቶም ንተሳተፍቲ እቲ ጽንብል ኣብ ዘስምዕዎ ሓጺርን ገላጽን ስብከት፣ ሎሚ ኣብዚ ቤተክርስትያን እዚ እግዚኣብሔር ዝገበረልና ሠናይ ነገርን ብናይ ቤተክርስትያን ጽቡቕ ፍቓድን ብዝተዋህበና ክብሪ ንእግዚኣብሔር ምስጋና ክነቕርብ ኢና ኣብዚ ንርከብ ዘሎና። እዚ ዘሎናዮ ግዜ በዓል ልደት፣ ጥምቀት፣ ኣስተርእዮ እንዝክረሉ ዘመን’ዩ። ናይ ሎሚ ሰንበት ከኣ ካልኣይ ኣስተርእዮ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣስተርእዮ ማለት ከኣ ተገልጸ፣ ተጋህደ እቲ ሕቡእን ሱዉርን ዝነበረ መለኰቱ፣ ክርስቶስ ብልደቱ ስጋ ለቢሱ፣ ሰብ ኮይኑ ብተደጋጋሚ እናተራእየ፣ ንጓሶት፣ ብመላእኽቲ ንሰብኣሰገል ብኾኮብ ፣ንስምዖንን ሃናን ብመልኣኽ፣ ኣብ ቅድሚ ሊቃውንቲ ብዝገበሮ ዘደንቕ መልሲ፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ጥምቀት ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ቅድስቲ ሥላሴ ዝተገልጸሉ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ክወርድ ዝተራእየሉ፣ መለኰቱ ዝተገለጸሉን ካልእ ዘደንቅ ተኣምራታት ዝፈጸመሉን እንዝክረሉ እዋን ኢዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ነዚ ሓሳብ'ዚ እንክገልጽ “መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ኺወርድ ከሎ ረኣኹ፤ኣብኡ’ውን ዓለበ።እቲ ብማይ ከጥመቕ ዝለኣኸኒ ድኣ እቲ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ክቕመጥ ከሎ እትርእዮ፤ ንሱ ኢዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጠምቕ ኢሉኒ እምበር፤ ኣነስ ኣይፈለጥኩዎን። ኣነ ኸኣ ረኣኹ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምኳኑ ድማ መስከርኩ” ይብል። እምበኣር ካብ ልደት ክሳዕ እዋን ጾም ነዚ ዓቢይ ግልጸት ወልደ እግዚኣብሔር ኢና ንሓስብ፣ ቢሎም መንፈሳዊ ጽሑፋት ሃገርና እናጠቀሱ ብሰፊሑ ገለጹ፣ ቀጺሎም ብፁዕ ጳጳስ ኣቡነ ኪዳነ፣ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰብ በቲ ወሰን ዘይብሉ ፍቕሩ ስለዘፍቐሮም ክጠፍኡ ስለዘይደሊ፣ ንወዱ ሥጋ ብምልባስ ርእሱ ብምውፋይ ድኅነት ኣወጀሎም። ነዚ ድኅነት ብጥምቀት ተቐበለና ምስ ኣሰሪሕናዮ፣ ውሉድ ኣምላኽ ኮይንና ደቂ መንግሥተሰማይ ንኸውን። እንተዘይኣስራሕናዮ ከኣ እምነቶም ዝኸሓዱ፣ እምነት ዘይብሎም ንኸውን። እዚ ከኣ ደቂ ሰብ እምነት ንምቅባልን ንምንጻግን ክሳዕ ክንደይ ናጽነት ከምዘለዎም የርእየና። በዚ እያ ቤተክርስትያን ናይ ኣምላኽ ሰባት ክንኸውን ዕለት ዕለት ትጽውዓና ኢሎም። ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ ቀጺሎም ቤተክርስትያን ነዚ ተልእኮ ድኅነት ብዝበለጸ ክትሰርሓሉ ብዘኽእላ ኣቃውማ ብምሕሳብ፣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ኤርትራ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ርእሳ ዝከኣለት ብሊቀ ጳጳስ እትምራሕ ቤተክርስትያን ገይሮም ተኪሎማ ኣለዉ። ናይዚ ሓድስ ኣሰራርዓ ቀዳማይ ሊቀ ጳጳስ ከኣ ቤተክርስቲያን ንብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ሰምያ ኣላ፣ እዚ ናይ ቤተክርስቲያን ምልዓል ናይ ር.ሊ.ጳ ሮማ ናይ ብሕቱ ስልጣን እዩ። እዚ ኣቃውማ እዚ ከኣ ብምስራቃዊ ሕገ ቆኖና ቁጽሪ 155-173 ዝምራሕን ዝቕየድን ኢዩ። በዚ ሓዲስ ኣቓውማ ቤተክርስትያና ናታ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቑማ፣ ጳጳሳት ብስርዓተ ኣምልኾኣውን ካልእ ምምሕዳራውን መንገዲ ከመሓድሩ፣ ተካእቶም ክረቁሑ፣ ስልጣን ይህቦም። እዚ ኣሰራርዓ’ዚ ካቶሊካዊ ሓድነት ሓልዩ ብውህደትን ብፍቕርን ምስ ካልኦት ኣብያተክርስቲያንን እምነታትን ብምስናይ ዝሰርሕ ኣካል ከኣ’ዩ። እዚ ዕለት ምስጋና’ዚ ነቲ እግዚኣብሔር ነዛ ቤተክርስትያን ዝገበረላ ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ክርስትያናዊ መንፈሳዉን ዕቤት ዘንጸባርቕ፤ እዚ ከኣ ነቲ ናይ ድኅነት ኣዋጅ ብዝያዳ ዘሓይል ፣ ቁርጺ ፍቓድና ኣሓዲስና፣ ነቲ ዝተዋህበና ሓላፍነት ብተኣማንነት ክንሰርሓሉ ዘለና ንቅድስናናን ቅድስና ሕዝብናን ኪኸውን ናይ መንፈሳዊ ምልዕዓል ግዜ እዩ ኢሎም። ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ ኣብ መወዳእታ ስብከቶም በብግዚኡ ንዚመጽእ ኣሰራርዓታት እናተጸበና፣ ኣብ መደብ ጸሎትታትና ኣብ ኩለን ሰበኻታትን ቁምስናታትን ድሕሪ ናይ ር.ሊ.ጳ ዘሮሜ፣ ናይ ዝተሰምዩ ሊቀ ጳጳስ፣ ድሕሪኡ ናይ ሰበኻ ጳጳስ ክንዝክርን ክንለምዶን ከምዘለና ክሕብር እፈቱ። እግዚኣብሔር ነዚ ዝሃበና ጸጋ ንቅድስናናን ንቅድስና ሃገርናን ኪኸውን እናተመነኹ፣ እግዚኣብሔር ንተልእኮና ይባርኽ፣ ንሃገርን ይቐድስ ቢሎም ስብከቶም ዛዚሞም። ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ ከኣ ቃል ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ሁበርቱስ፣ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፣ ንረኺባቶ ዘላ ክብርን ተሰኪማቶ ዘላ ሓላፍነትን ኣመልኪቶም “ሎሚ እዛ መጥሮጶሊሳዊት ቤተክርስቲያን ጽብቕቲ ጓል ኮይና ዝተወልደትሉ መዓልቲ ሓጎስ ኢዩ፣ እዚ ቅዱስ ኣቦና ዝሃብኹም ዓቢይ ህያብ ከኣ ናይ ብስለትኩም ምስክር ኢዩ፣ እዚ ከኣ እቲ ኣብዛ ቤተክርስቲያን ዘሎ ብርሃን እምነት ኣብ በሪኽ ኮይኑ ምእንቲ ክበርህ ኢዩ'ሞ፣ እዚ ሎሚ ትርከብዎ ዘለኹም ክብሪ ናይ ዝሓለፈ መዛዘሚ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ንዚመጽእ ከኣ ዝያዳ ክትዓብዩ፣ ብፍላይ ከኣ ምስ ክርስቶስ ክትተሓባበሩ ኃላፍነት ዘሰክም ኢዩ፣ እዛ መጥሮጶሊሳዊት ቤተክርስቲያን ሎሚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ትፍለ እዃ እንተላ፣ ሐደ ዓይነት ሥርዓትን ባህልን ስለዘለኹም ግን እቲ ምትሕብባር ኪቕጽል ኢዩ ኢሎም፣ ቀጺሉ ከኣ ናይ እንቓዕ ሓጎሰናን ምሳኹም ኣለናን፣ ቃል ብፁዕ ኣቡነ ቶማስ ዑስማን ተሰሚዑ፣ ቀጺሎም ቀዳማይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ'ውን ብወገኖም ነጋይሽን ተሳተፍትን ድሕሪ ኣመስጊኖም፤ ሎምቅነ እዚ ወረ ምስ ተሰምዐ፣ ገሊኦም “እንቛዕ ሓጎሰኩም” እንኪብሉ፤ ገሊኦም ከኣ “ኣኻእሎ ይሃብኩም” ክብሉኒ ቀንዮም፣ እታ ካልኤይቲ ትሓይሽ፣ እዚ ሎሚ ብቅድስቲ ቤተክርስቲያን ዝተኣወጀ፣ ሽመት እንተኾይኑ፣ ሽመትኩም ኢዩ፣ ሓጎስ እንተኾይኑ ናይ ዅላትና ኢዩ፣ ሸኸም እንተኾይኑ ከኣ ሸኸመይ ኢዩ፣ እንተኾነ ከምቲ ኣድጊ “ምጽዓንሲ ጸዓኑኒ ግና ስገም ግበሩለይ” በለት ዝበሃል፣ ኣቦታት'ውን “ጽዕነትካ ጽዕነት ስገም ይግበረልካ” ዝብልዎ እቲ ሽኸም ከይከብደኒ ብጸሎት ሓግዙኒ፣ ኩላትና ብዝበለጸ ወንጌል ክንሰብኽ፣ ምስጢራት ክንዕድል ንኣይን ንኩላቶም ጳጳሳትን ብጸሎት ሓግዙና፣ ጳጳሳት፣ ብዘይ ካህናት፣ ብዘይ ደናግል፣ ብዘይ ምእመናን እንታይ ክንገብር ንኽእል? ምእንቲ ከም ሓንቲ ሥምርቲ ስድራ ጉዕዞና ንቐጽል ኢሎም፣ እዚ ቃል እንቛዕ ሓጎሰናን ምስጋናን መደብ ህያባትን ኣብ እዋን ምሳሕ'ውን ቀጺሉ፣ ኣብዚ'ውን ቃል ኣባ ከሰተ ገብረዮሓንስ ህየንተ ጳጳስ፣ ቃል ወኪል ገዳማት ኣባ ሥዩም ክፍለጊዮርጊስ፣ ቃል ፕረሲደንት ወንጌላዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ቀሺ ዮሴፍ ኣርኣያ፣ ቃል ወኪል ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት፣ ቃል ኣቦመንበር ካቶሊካውያን ምእመናን ሰበኻ ኣሥመራ ኣቶ ዑቕባሚካኤል ኣርኣያን፤ ካልኦትን ተሰሚዑ፣ በዚ ከኣ ተመሃሮ ዘርኣክህነት “በፍስሓ ወበሰላም” ዝብል ጥዑም ወረብ ምስ ኣቕረቡ እቲ ድሙቕ በዓል ብጸሎት ተዛዚሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.