2015-02-12 16:36:45

ኣባ ግራሶ፦ ሉርድስ እግዚኣብሔር ዝድለየሉ ስፍራ እዩ


RealAudioMP3 ዕለት 11 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ኣብ መላእ ዓለም መበል 23 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ተዘኪሩ ከምዝወዓለን ብናይ ላቲን ሥርዓታ እውን ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሉርድ ክከውን እንከሎ፣ በዛ ዕለት እዚያ ናብቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዕለት 11 ለካቲት 1858 ዓ.ም. ዝተገልጸትሉ ቅዱስ ስፍራ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ መንፈሳዊ ነገዶ ህሙማን ከምዝውሕዙ ድማ እንክፍለጥ፣ ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሉርድ ኣመልኪቶም ናይ ስነ ማርያም ሊቅ ኣባ ኣንቶኒዮ ግራሶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣብቲ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሉርድ እግዚኣብሔር ዝዕድሎ ናይ ፈውሲ ጸጋ እቲ ቅዱስ ስፍራ ቤት ሕክም እዩ ዝብል ኣይኰነን። እቲ ቅዱስ ስፍራ ቅድም ቀዳድም ናይ ጸሎት ስፍራ እዩ፣ እግዚኣብሔር ዝድለለይሉ ስፍራ እዩ፣ መንፍሳዊ ነገዶ እቲ ኣብ መንጐ ኣብ እምነት ጽልግልግን ጽምኣት እግዚኣብሔርን ውስኑንነት ናይ ጊዜን ኣስተንፍሶ ኣብቲ ፍጻሜ ዘይብሉ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ኣብ መንጐ ድኻም ሕይወትን ኣብቲ ዝመጽሕ ምልኣት ሓጐስ ህይወት ዝንቀሳቐስ ዛዕባ እቲ ገና ዘኾነ ዝተገልጸ ኽውን ናይ ፍጻሜ ሕይወት ትጽቢት ኣፍልጦ ንዝገብር ሕሊና ድጋፍ እዩ። ስለዚህ እቲ ቅዱስ ስፍራ ዘሉርድ ስፍራ መንፈሳውነትን እቲ ዘለዎ ዓቢይ ምስጢር ድማ እቲ ብኣማላድነት በታ ጉዕዞ ሕዝበ እግዚኣብሔር እተሰንይ ማርያም ኣቢሉ ጸጋኡ ህልው ዝገብር እግዚኣብሔር እዩ፣ ስለዚህ በዚ መንፈስ’ዚ ጥራሕ እዩ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሉርድ ክንርድኦ እንኽእል። ናይቲ ዝዓይን ዘጸናንዕን መድሃኔ ዓለም ህላዌ ዝግለጸሉን እነስተማቕረሉን ቅዱስ ስፍራ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.