2015-02-12 16:33:12

መዓልቲ ህሙማን
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ሕይወት ዋላ’ኳ ተነቃፊ ይኹን ወትሩ ዝተባርከ እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስሉ እዋን ዕለቱ መበል 23 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙናን ዝዝከረሉ እውን ምዃኑ ገሊጾም፣ ንኹሎም ህሙማን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሉርድ ከምዘወከፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ቅዱስነቶም ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ብምኽንያት መበል 23 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ፦ “ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይዅን ተስፋ ብተስፋ ኣብ ጐድኒ ዝሳቐ ምቛም” እንክብሉ ኣብ መንጐ በሸሓት ዝቑጸሩ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዝተረኽቡ ምእመናን ውሽጢ ነቶም ህሙማን ወለድን ውላድን ንዝለዎም ምእመናንን ከምኡ እውን ንናይ ሕፃናት ስነ ሕክምና ማሕበር ስድራ ቤት ኣባላትን ዘኪሮምን ንደናግል ማሕበር ቅዱስ ዮሴፍን ናይቲ ኡኒታልሲ ተባሂሉ ዝጽዋኦ ህሙማ መንፈሳዊ ነገድያን ናብ ዝተፈላለዩ ቅዱሳት ስፍራ ዘሰንይ ማሕበር ወለንተይናታት ድማ ኣብቲ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ኣተባቢዖም፦ “ነፍሲ ወከፍ እቲ ንኽርስቶስ ዘለዎ ፍቕሪ በቲ ናይ ልቢ ጥበብን ብገልግሎት ንብጻይን ብፍላይ ድማ ንዝተናዕቁን ዝሓመሙን ብስጋን ብነፍስን ንዝሳቐዩ ብምንባር የዕብይ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ “ብርሃን ዓይኒ ንዓይነ ስዉር ምቕናዕ እግርን ኣካልን ነቲ ዝለመሰ ኣካል” ዝብል ኣብ መጽሓፈ ኢዮብ ዝተነብረ ቃል እግዚኣብሔር ጠቒሶም፣ ኣብቲ ንብጻይን ነሕዋትን ንዝተናዕቁን ከነገልግል ኣብ ዘብቅዓናን ኣብ ምግልጋል ህሙናን ዝተነብረ ጊዜ ቅዱስ ግዜ ምዃኑ ከነስተውዕል ዘብቅዓናን ናይ “ልቢ ጥበብ” ሃረር ንበል ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ ቅዱስ ኣቦና ብመበል 23 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ምኽንይት ኣብ ዝመሓላለዎ መልእኽቲ፦ “እቲ ኣዚዩ ብከቢድ ሕማም ዝተጠቕዔ ሕይወት ናይ ምንባር ክብሪ የብሉን ዝብል ኣገላልጻ ናይ ሓሶት መንፈስ እምነት እዩ። ህሙማን ኣብቲ ናይ ስቓይን ምድሓንን ሚስጢር ዝተኣልኩን ኣብ ዘድሕን ስቓይ ሚስጢር ዓቢይ ሱታፌ ዘለዎም ኣያቶም፣ ናይ ህያው እምነት መሰኻኽር ናይ ምዃን ልዑል ዑቑር ሓይሊ ዘለዎም እያቶም” ከምዝበሉ ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.