2015-02-12 16:26:45

ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (11/02/2015)
ውላድ ጸጋ እዩ፣ ነዚ ጸጋ ኣይፋል ዝብል ሕብረተሰብ ቅዙን እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቦ ስድራ ኣብ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣመርኵይዞም ዝጀመርዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ዕለት 11 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፦ “ውላድ ጸጋ እግዚኣብሔር ንስድራ ቤትን ዓለምን እዩ፣ ብልግስን ሓላፍነትን ክውለዱ ድማ ይግባእ። ነዚ ጸጋ ዝነጽግን ዘየእንግድን ስድራ ቤትን ሕብረተሰብን ስሱዕን ቅዙን እዩ” ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣስዒቦም፦ “ውላድ እንኮ ዘይድገምን ቅድሚ ምውላዱን ከይራእካዮን ክፍቀር ዘለዎ እዩ፣ ምስ እትቕበሎ ድማ መንእሰይ ዝገብረካን ንመጻኢ ዝወጥነካን ይኸውን፣ እንተነጸግካዮን ከም ከበድ እንተድኣ እትሓስቦ ኰይንካ ንገዛእ ርእስኻ ባዶነት ትኽሕስ። ሓደ ሕብረተሰብ ንሕይወት ክፉት ምስ ዝኸውን ህያው ይኸውን፣ ከምዚ እንተዘይኰይኑ ግና ቅዙን ይኸውን። ስለምታይ ንናይቲ ንሕይወት ክፉት ዘይምዃን ገዛእ ርእሱ ምዕጻው ግዳይ ስለ ዝኸውን እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።
“ውላድ ገጸ ብርከት (ህያብ) እግዚኣብሔር ደኣ እምበር ብወለዲ ዝውነን ንብረት ኣይኰነን” ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ኣደን ኣቦን ብተኸታተሊ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ፍቅሪ ጻማ ዝዀነ ውላድ ኣማእኪሎም ብዓቢይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ፍቅሪ ተደሪዀም ውላድ ኣብ መንጐ ናይ ሓደ ሕዝቢ ተስፋን ናይ ወለዶ ውሁድ ቅንይትን ዘሎ ምትእስሳር ዝገልጽ ምዃኑ ተንቲኖም፦ “ናይ ውላድ ሓጐስ ናይ ወለዲ ኣልባብ ህርመትን መጻኢ ዘርህዎ እዩ፣ ናይ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብን ሓጎስ እዩ፣ ውላድ ናይ ምርባሕ ስነ ሕይወት ሽግርን ናይ ገዛእ ርእስኻ ክዋኔ ኣይኰነን፣ ካብዚ ሓሊፉ እውን ብወለዲ ዝውነን ንብረት ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ጸጋ እዩ፣ ተረዲኡኩም ዶ? ጸጋ እዩ። ንስድራ ቤትን ሕብረተሰብን ጸጋ እዩ። ንሓንቲ ስድራ ቤት ጸጋ እዩ ክበሃል እንከሎ እቲ ዝተወልደ ሕጻን ጽቡቕን ምልኩዕን ስለ ዝዀነ ኣይኰነን፣ ከማይ ስለ ዝሓስብ፣ ትስብእት ድላይ ወለዱ ስለ ዝዀነ ኣይኰነን፣ ውላድ እቲ ኣባና ዝውለድ ሕይወት ብምዃኑ ብዓንተውኡ ስለ ዝፍቀር እዩ፣ እዚ እዩ እቲ እውነተይና ጽባቔ ንስድራ ቤትን ንሕብረተሰብ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ውበትን ውህበትን ምዃኑ ኣዩ እዚ ከነስተውዕል ይግባእ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግልጺ ኣፍሊጡ።
“ወለዲ ዘየኽብር ሕብረተሰብ ክብረት ዘይብሉ ሕብረተሰብ እዩ ዝኸውን፦ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦነት ኣብ መንጐ ወለድን ውላድን ናይ ዘሎ ርክብ ባርዀት እዩ (ናይቲ ርክብ ቅድስና እዩ)፣ እቲ ኣብ ዓሰርቱ ትእዛዛት ዝተነብረ ድሕሪ እቶም ሰለስተ ትእዛዛት ስዕቡ ዝመጽእ ራብዓይ ትእዛዝ ዝሕብሮ ከምዝኾነን እዚ ድማ ኣኽብሮት መግለጺ መለኰታውነት ምዃኑ ዘነጽር ትእዛዝ እዩ፣ ናይ ኵሉ ዓይነት ሰብኣዊ ክብረትን ምክብባርን መሰረት ድማ እዩ። ወለዲ ዘየኽብር ውላድ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክብረት ዘይብሉ ዘይክቡር ሕብረተሰብ እዩ ዝኸውን። እዚ ዓይነት ሕብረተሰብ ድማ ነቓጽን ልቡ ዝደረቐን ስሱዕን ብዝዀነ መንእሰይ ዝምላእ ይኸውን። ብተመሳሳሊ መልእክዕ ድማ እዚ ወለዶ ስሱዓት ሕብረተሰብ፣ ብብዝሒ ውላድ ክኽበብ ዘይፈቱን ውላድ ከም ጸገምን ሻቕሎትን ከበድን ዝሓስብን ከም ስግኣት ዝገልጽ ይኸውን፣ ስለዚህ እዚ ዓይነት ሕብረተሰብ ድማ ቅዙን ይኸውን” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፦ “ለጋሳትን ሓላፍነት ዝስከሙን ደኣ እምበር ስሱዓት ዘይምዃን” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝርአይ ዋሕዲ ውላድ ሓደ ሚእታዊ እውን ንዘይበጽሕ ኩነት ስስዔ ሕቶ ከምዝዀነ ንጹር እዩ። “ብውላድ ሃብታም ዝዀነ ስድራን ብውላድ ለጋስ ዝዀነ ስድራ ቤት ከም ሸኽሚ ይርአይ፣ እዚ ድማ ሓደ ዓቢይ ጌጋ ከምዘሎ እዩ ዘረድእ፣ ናይ ወለዶ ውላድ ሓላፍነት ለበስ ክኸውን ይግባእ፣ ከምቲ ሰብኣዊ ሕይወት እተሰምየት ናይ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘስተምህረና፣ ብብዝሒ ውላድ ሃብታም ክኸውን ዝደሊ ስድራ ቤት፣ ብቕጽበት ሓላፍነት ኣልቦ ምራጫ እዩ ቢልካ ምግላጹን ምፍራዱን ጌጋ እዩ፣ ውላድ ዘይምድላይ፣ ስስዔ ምሕራይ ማለት እዩ። ሕይወት መንእሰይ ዝኸውንን ሓይሊ ዝጭብጥን ክራባሕ እንከሎ እዩ። ውላድ ሃብቲ ይኸውን ደኣ እምበር ነዳይ ሕይወት ኣይከውንን” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ዓሚዩቕ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ “እግዚኣብሔር ወለድን ውላድን ይባርኽ” ብዝብል ጥልቂ ናይ ጸሎት መንፈስ ዓይኖም ሰም ኣቢሎምን ኣእዳዎም ኣብ ኣፍልቦም ኣንቢሮም፦ “ኩላትኩም ኣብዚ ዝተኣከብኩም ውላድ ዘለኩም ኢኻትኩም፣ ኩላትና ውላድ ኢና። ንሓደ ደቒቕ ሱቕ ንበል፣ ጽን ንበል፣ ኩሉ ብልቡ ንደቃቱ ይሕሰብ፣ ውላድ ዘለዎ እንተድኣ ኰይኑ ንውላዱ ብሱቕታ ይሕሰብ፣ ኩላትና ወለድታትና ንዘክር ንሕሰብን ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ጸጋ ሕይወት ነመስግን፣ ኦ እግዚኣብሔር ወለዲ ይባርኽ፣ ደቃትኵም ይባርኽ” እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም እቲ ንኽካይድ ዝጸውዕዎ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤን ዕዮን መንፈስ ቅዱስ ክመርሖን፣ ብብርሃኑ ክጽግዎን ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ክመርሖን ብብርሃኑ ድማ ከብርሆን ንጸልይ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።







All the contents on this site are copyrighted ©.