Home Archivio
2015-02-10 16:37:07
ግብጺ፦ ንናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ጸሎት ሰሙን
ኣብታ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በቢ ዓመቱ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝፍጸም ምእንቲ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ጸሎት ሰሙን ከምእተዛዘመ ክፍልፈጥ እንከሎ ኣብ ግብጺ ዕለት 9 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ተጀርሚሩ ዕለት 15 ለክቲት 2015 ዓ.ም. ዝዛዘም ምዃኑን ኣብ ግብጺ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንጸሎት ዘተሓባባርን ምእንቲ ሓድነት ብሓባር ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ንኽነብራ ዕድል ኰይኑ እዚ ምእንቲ ሓድነት ናይ ጸሎት ሳምንቲ ኣብ ግብጺ ናይ ለምዘበን መንፈሳዊ መርሃ ግብሪ ሰላም ንግብጺ ዝጽለየሉ ምዃኑ ኣብ እስክንድሪያ እትርከብ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተሓባባሪ ጳጳስ ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሃው ካፑቺን ብፁዕ ኣቡነ ኣደል ዛኪ ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።
እቲ ናይ ለምዘበን እምንቲ ሓድነተ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ሰሙን ኣብ ግብጺ ኢየሱስ ነታ ሳምራዊት ማይ ኣስትይኒ እንክብል ብዘቕርበላ ቃለ ዝምራሕን ብፍላይ ግብጺ ሰላም ዝዓሰላ ሃገር መታን ክኸውን ኣሚቱ ዝካይድ ምዃኑ ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።
All the contents on this site are copyrighted ©.