2015-02-10 16:23:58

ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ መዋቕር ሕዳሴ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ብኩሪያ ሮማና ዝፍለጥ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቀረባ ተሓባርቶም ዓበይቲ ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ዝሓቁፍ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ መዋቕር ንምሕዳስ ዓሚቶም ኣብዚ መዳይ ዝዓዪ ትሽዓተ ብፁዓን ካርዲናላት ዝሓቁፍ ዘቖምዎ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ቤት ምኽሪ ቅዱስነቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ዋዕላ ሻምናይ ጉባኤኡ ዕለት 9 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ከምዝጀመረ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ጉባኤ ክሳብ ዕለት 11 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ዝቕጽል ኰይኑ ዕለት 12ን 13 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ብናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ዝስዕብ ከምዝኾነን ዕለት 14 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓረይዎም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራታ ዝተዋጽኡ ንዕስራ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት ካርዲናል ቢሎም ክሰምይዎም ከምዝኾኑን ድሕሪ እቲ ናይ ሲመተ ካርዲናል ስነ ስርዓት ፍጻሜ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 15 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ስለ እትእውጀሎም ንሰለስተ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ዘማእከለ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ክመርሑ ከምዝኾኑ ሓቢሩ ቅዱስ ኣቦና በቶም ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ተዓጂቦም ነቲ ናይ ብፁዕና ምእዋጅ ስነ ስርዓት ክሰርዕዎ ከምዝዀኑ ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.