2015-02-10 16:29:53

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ እዋን መስዋዕተ ቅዳሴ ዝስማዕ ብኽያት ሕጻውንቲ እግዚኣብሔርን ሕይወትን ዝእውጅ ድምጺ እዩ


RealAudioMP3 ዕለት 8 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ፒየትራላታ ኣብ ዝርከብ ቁምስና ቅዱስ ሜኪኤል መልኣኽ ሓውጾተ ኖልዎ ከምዘካየዱ እንክዝከር፣ ናይቲ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ሮማ ኩነታት ከምቲ ብዙሕ ጊዜ ደጋጊሞም ዝብልዎ ናብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ህልውናን እንታይ ተመስሎኡ ዝገልጽ ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱስነቶም ኣብታ ቁምስና ኣብ ዘርዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ምስቲ ናይቲ ከባቢ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ኩነት ዝገልጽ ማሕበርሰብ ተራኺቦም ናይቲ ከባቢ ተቐማጦ ዕለታዊ ሕይወት፣ ብዛዕባ ሕጻውንትን ኣባይቲ ስድራን ናይቲ ደጋዊ ክፍሊ ተቐማጢ ሕዝቢ ከቢድ ሕይወትን ዝነብሮ ድላይ ክርስቶስን ኣማእኪሎም ስልጣናዊ ስብከትን ምዕዳንን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።
ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፦ “ብኽያት ሕጻውንቲ እግዚኣብሔርን ሕይወትን የበስር፣ ብኽያት ሕጻናት እቲ ዝለዓለ ብሉጽ እግዚኣብሔር ዘበስር ድምጺ እዩ” እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበሉ ሕፃናት ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ በቶም ሕጻናት ብኽያትን ጫውጫውን ዝተምልኤ ምንባሩ ዝሓበራ ኣኵይላኒ ኣስዒበን ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብኽያትን ጫውጫውን ሕጻውንቲ፦ ብኽያት ሕጻን ናይ ሕይወት ቃል ኪዳን ትእምርቲ ብምዃኑ ንኣይ እቲ ብኽያት ምስማዕ ኣዚዩ እዩ ደስ ዘብለኒ፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ እንከለና እንሰምዖ ብኽያት ሕጻናት ሱቕ ነኸብሉ ዝፍትኑ ናይ ቁምስናታት ቤት ምኽሪ ኣባላት ላዕልን ታሕትን ክብሉን ንወለዲ ነቲ ዝበክይ ዘሎ ሕጻን ሒዝካዮ ንደገ ውጻእ ክብሉ እንክሕብሩ ይረኣዩ፣ እቲ ዝበክይ ሕጻን እግዚኣብሔርን ሕይወትን ዝእውጅ ብምዃኑ ክወጽእ የብሉን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን እዩ ክተርፍ ዝግብኦ” ከምዝበሉ ገሊጸን።
ኣባይቲ ስድራ ናይ ዕለቱ ናብራ ሰላም ብዝዓሰሎ መንፈስ ክዛዝሙ ይግባእ፣ እታ ዘሕለፍናያ መዓልቲ ብሰላም ክንዛዝማ እዩ ዝግባእ” ዝብል ኣቦን ኣደን መላእ ስድራ ቤት ሕድ ሕድ ዘይምርድዳእ እንተድኣ ኔርዎምን ተዃርዮም ዝሕለፍዋ መዓልቲ እንተነበረት ኩሉ ሓዲጉም ይቕረ ተበሃሂሎም ሰላም ጌሮም ክዛዝምዎ ከምዝግባእ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘመሓላልፍዎ ምዕዳን ኣብቲ ዝፈጸምዎ ሓውጾተ ኖልዎ እውን ደጊሞም፦ ኩራን ዘይምርድዳእን ኣብ ቤተሰብ ቁሪ እዩ ዝሰድድ፣ ምእንቲ’ዚ መዓልታዊት ሕይወትና ካብ ምምሕሓርን ይቕረ ካብ ምብህሃልን ብዝምንጭው ሰላም ክንዛዝም ይግባእ” በሉ ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሒዞም፦ ውሽጣዊ ውሕስነት ኣብ ጸዋዕታ ዘለዎ ልዑል ግደ ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ኣብቲ ኣብ ሴሜናዊ ሮማ ዝርከብ ክፍለ ከተማ ዝቕመጡ ዜጋታት ዕለታዊ መነባብሮኦም ብሃርኰትኰትን ብትሑት መነባብሮ ዝመርሑን ብፍላይ ድማ በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ክፍሊ ሕብረሰብ ምዃኑ ዘኪሮም እቲ ሕዝቢ ተስፋ መታን ከይቆርጽ ካብቲ ቅልውላው ሓድሽ ሓይሊ ክፈጥር ኣተባቢዖም ኣብቲ ኩነት ዝርከብ ጸዋዕታን ጽንዓትን ብሓቂ ውላውነት ናይቲ ካብ ክርስቶስ ዝምንጭው ውሽጣዊ ውሕስነት ዝምስክር ምዃኑ ሓቢሮም፣ “ኣብ ጸዋዕታ ርግጸይና ኰይኑ ንቕድሚት ዝብል ካህን ብዙሕ ሽግር እዩ ዘጋጥሞ ኣብ ክርስቶስ ዝጸንዔ ርግጸይናነት ዘለዎ ብምዃኑ ድማ ሽሕኳ ይውደቕን ሓጢኣተይና እውን ይዅን ንዅሉ ሽግር እናበድሄ ነቲ ተስፋ ኣይትቝረጽ ርግእ በል ኣነ ምሳኻ ኣሎኹ ሰዓበኒ ዝብል ኢየሱስ ጽን እናበለ ንቕድሚት እዩ ዝጓዓዝ፣ ኣብ ስድራ ቤትን ሰብ ቃሊ ኪዳንን እውን ከምኡ እዩ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.