2015-02-07 16:27:06

ሃገረ ቫቲካን፦ ምእንቲ ግዳም ሓደርን ድኻታትን


RealAudioMP3 ኣብ ቁምስናታት ሰበኻ ሮማ ግዳም ሓደር ዜጋታትን ቤት ኣልቦን ድኻታትን ዝጥቀምሉ ኣባይቲ መጸራረይ ይቐውም ከምዘሎ እንክምልከት፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብቲ መተሓላልፎ በርኒኒ ተባህሉ ዝጽዋዕ ክፍለ ከተማ ሃገረ ቫቲካን ዘሎ ትሕቲ ዓንዲ ከምእተሓንጸ እውን ተሓቢሩ።
እዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ መተሓላልፎ በርኒኒ ዝርከብ ኣባይቲ መጸራረይ ቤት አልቦን ድኻታትን ሰለስተ ኣባይቲ ሰብነት መሕጸብን ምስኡ ተተሓሒዙ ድማ መምቀሲ ጸጉርን ዘጠቓልል ክኸውን እንከሎ፣ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ናይ ሕንጻ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ተሓንጺጹ ኣብ ዝተሓንጸ ምዃኑ ጳጳሳዊ ናይ ምጽዋት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዘውጽኦ መግለጺ እንከመልክት፣ እቶም ቤትን ንብረትን ዘይብሎም ግዳም ሓደር ነጋዶ ናይቲ ኣባይቲ መጸራረይ ተጠቀምቲ ከምዝኾኑን ኣብቲ ኣባይቲ መጸራረይ ናይቲ ኡኒታልሲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብዝተፈላለየ ሕማም ዝተጠቕዑ ምእመናን ናብ ቅድሳት ስፍራ ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት ዘዳሉ ማሕበር ኣባላት ወለንተይናታት ኣገልግሎት ክህቡ ምዃኖም ሓቢሩ፣ እቲ ኣባይቲ መጸራረይ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንዝፍጽምዎ ግብረ ሠናይ መሳለጢ ኽኸውን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ገበርቲ ሰናይ ብዝለገስዎ ናይ ገንዘብን ንዋትን ድጋፍ ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ብዝተወፍየ ሓገዝ ምዃኑ ገሊጹ።
ነቶም ተጠቀምቲ ናይ ብፅዕቲ እናቴ ተረዛ ዘ ካልኩታ ደናግል ማሕበር ኣባላትን፣ እተን ንናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላ ኣገልግሎት ዝህባ ደናግል ማሕበር ኣልበርቲነን ደናግል ደቂ ቪንሰትን ካልኦት ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግብረ ሰናይ ማሕበራት ኣባላትን ናይ እንገዳ ኣገልግልቶ ዝቐርብ ምዃኑ ዝሓበረ መገልጺ ጳጳሳዊ ሓልዮ ምጽዋት ኣስዒቡ፣ ነቶም ገበርቲ ሰናይን ኣብዚ መደብ ግብረ ሰናይ ንዝሳተፋ ቁምስናታትን ናይ ጳጳሳዊ ሓልዮ ምጽዋት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ኮንራድ ክራጀቪስኪ ምስጋና ከምዘመሓላለፉን ምእንቲ ድኻታትን ቤት ኣልቦን ዜጋታት ዝግበር ሓገዝ ነቲ ህላዌኡ ብድኻታት ኣቢሉ ንዝገልጽ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቐርብ እዩ፣ ንእግዚኣብሔር ዘሎና ፍቕሪ ፍጹም ሚዛን ድኽታት እያቶም ከምዝበሉ ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.