2015-02-05 15:48:44

ጉባኤ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ከባቢ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን


RealAudioMP3 ናይ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ርዋንዳን ብሩንዲን ብፁዓን ጳጳሳር ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ምክልኻል ኣባይቲ ስድራን፣ ስደተይናታትን ዝተመዛበሉን ከምኡ እውን ሰላም ንምትብባዕ ኣብ ዝብሉ ናይቲ ከባቢ ዓበይቲ ብድሆታት ዘማእከለ ኣብ ርዋንዳ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምዘካየደ ክምልከት እንከሎ ብፁዓን ጳጳሳት፦“ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ብምንባርን እቲ ከባቢእዚዩ ብዝተፈላለየ መዳይ ዝ|ሓቶን ሃረረ ዝብሎን ክርስቲያናዊ ክቡራት ዋጋታት ብምስፋሕን ምክፋልን ብዝመርሕ ከይዲ ብቓልን ሕይወትን ወንጌል ምምስካርን” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዘውጽኡ ክምልከት ኣንከሎ፦ ቤተ ክርስቲያን ጨው ምድሪ ትኹን፦ ናይቲ ናይ ሃገራት ከባቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ቀዳማይ ምኽትል ኣቦ መንበር ሩዋንዳዊ ብፁዕ ኣቡነ ጆኣኪን ንታሆንደረየ ኣብቲ ከባቢ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቀደም ሎሚ ምድሪ ጨው ምዃና ክትምስክር ዝተጸውዔት እያ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉን ናይቲ ከባቢ መንግስታት ስልጣን ኣገልግሎት ምዃኑ ተኣሚኖም ሕዝባዊ ምራጫ ናጻን ድላይ ሕዝቢ ዘንጸባርቕ ክኸውን ከምዘለዎን ምእንቲ ናይቲ ከባቢ ሃገራት ኩሉ ምእመን ክጽሊ ድማ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ዝዘውጸኦ ናይ ሓባር ሰነድ ጻውዒት ከምዘቕረበ ይሕብሩ።
ኣብተን ሃገራት ከባቢ ዓበይቲ ቀላያት፦ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰላምን ናብ ሰላም እተሰንይ እያ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ከባቢ እቲ ዓቢይ ብደሆ ጉዳይ ቤተሰብ ምዃኑ ግምት ብምሃብ ናይ ሰላም ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ሕንጸት ዘለዎ ኣገዳስነትን እዚ ድማ ሓድነትን ዕርቅን ዘማእከለ ሕንጸት ሰላም ክኸውን ከምዘለዎ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ናይ ፍጻሜ ሰነዱም ኣመልኪቶም፣ እቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን “ኣብ ናይ ሰላም ንጉስ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎካ እምነት ጸኒዕካ ማሕበራውን ሃገራውን ሓድነትን ብሙቛም መገዲ ሰላም ምልላይን እዚ ድማ ተጻባኦነትን ቶክስን ደው ምባልን ናይ ሕይወትን ምትሕብባርን ፍትሕን ባህሊ ምትብባዕ ዝብል መገዲ ኣማእኪላ ዘበገሰቶ ጎስጓስ ሰላም ቀጻሊ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዝጠቐሱ ብፁዕ ኣቡነ ታሆንደረየ ገሊጾም።
ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌልን ስድራ ቤትን ናይቲ ከባቢ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቀዳምነት ዝህብሉ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖሎዎ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብቲ ከባቢ ነባሪ ምርግጋእ ንምርግጋጽ ዝድግፍ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክተባባዕ ከምዘለዎን ከምኡ እውን እቲ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዛዕባ ስድራ ቤት ንኽዝትይ ቅዱስ ኣቦና ዝጠለብዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዲኖዶስ መሰረት ዝገረ ዝርርብ እውን ከምእተኻየደ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ብፁዕ ኣቡነ ታሆንደረየ ሓቢሮም፣ ነቶም ናይቲ ከባቢ ተመዛበልትን ስደተይናታት ዝቐርብ ደገፍ ምውህሃድ ዘለዎ ኣድላይነት ዘማእከለ ሓሳብ እውን ዝተነብሮ ሰነድ ምዃኑ ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎታ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.