2015-02-03 15:54:53

ሕንጸት ኣብ ኢድ ኩሉ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ዘቖምዎ ዓለም ለኻዊ መርበባዊ ርክብ መላእ ኣቢያተ ትምህርቲ ተመሃሮ ካብታ ርእሰ ከተማ ኣርጀንቲና ተበጊሱ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝርከብ ኰይኑ፣ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ዝሓቁፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣቢያተ ትምህርትን ናይ መንግስትን ናይ ግልን ኣቢያተ ትምህርቲ ዘጠቓልል ኣብ መላእ ሃገራት ዝርከቡ ተመሃሮ ዘራኽብ መርበባዊ ማሕበር ምዃኑ እንክዝከር እዚ ዓለም ለኻዊ ናይ ኣቢያተ ትምህርቲ መርበባዊ ርክብ ዕለት 5 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተረኺቦም ምዕዳን ብዝልግስሉ መደብ ዝዛዘም ራብዓው ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤኡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሲኖዶሶ ኣዳራሽ ዕለት 2 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ብወግዒ ከምዝጀመረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን መርሰደስ ደ ላ ቶረ ሓቢረን።
ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ራብዓይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይቲ ዓለም ለኻዊ መርበባዊ ርክብ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣመሓዳሪ ኾሰ ማሪያ ደል ኮራል ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት እዚ ማሕበር ኣብ አርጀንቲና ካቶሊክ ምእመናንን ናይ ኣይሁድን እስላምን ሃይማኖት ሰዓብቲ ዘጠቓለለ ኮይኒ ኣብቲ እዋን ብናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ቦርጎሊያ ዝተመስረተ ኰይኑ፣ ዕላማኡ ቅድም ቀዳድም ኣብ ዓለም ክቡራት ዋጋታት ንምዝራእ ዝብል ኰይኑ ስዒቡ ድማ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ንኽኽበር ዘነቓቕሕን፣ መንእሰያት ተመሃሮ ተመክሮ ሕይወቶም ክለዋወጡን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝንበር ዝተፈላለዩ ስናይ ባህልታትን እወታዊ ከይድታትን ብምርኻብ እቲ ሰናይ ዘበለ ኵሉ ኣብ መላእ ዓለም ንኽሰፍሕ ልምድታት ምልውዋጥ ዝብል ኰይኑ ኩሉ ናይቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ተራቆ እደ ጥበብ ተጠቃሚ ክኸውን ዘነቓቕሕ ምዃኑ ሓቢሮም።
ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኩለን ሓሙሽተ ክፍለ ዓለኣምት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 400 ሺሕ ናይ መንግስትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ግልን ኣቢያተ ትምህርቲ ዘራኽብ ማሕበር ከይኑ ከምዘሎ ገሊጾም፣ መንእሰይ እቲ ቀንዲ መላእ ሃገራት ዓለም ከራኽብን ንዝበለጸን ሰብኣውነት ብዘማእኸለ ባህሊ ክልወጥ ዝድርኽ ሓይሊ እዩ፣ ስለዚህ እቲ ኣብ ሕንጸት መደብ ዝርከብ መንእሰይ እዚ ዘለዎ ዑቑር ሓይሊ ኣብ ግብረ ሰናይ መታን ከውዕሎ በጽዋር ውግእ ዘይኰነ በቲ ካብ ናይ ውግእ ኣጽዋር ኣዚዩ ዝበርትዔ መደብ ሕንጸት ኣቢሉ ዓለም ሰብ ብዘማእከለን ተፈጥሮ ብዘኽብርን ሰላም ብዝዓሰሎ ባህሉ ንኽልወጥ ዘተባብዕ ዓለም ለኻዊ መርበባዊ ርክብ መላእ ኣቢያተ ትምህርቲ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.