2015-01-31 16:01:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ተዘክሮን ተስፋን መዕቀን ክርስትያን እያቶም


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ወትሩ ንጐሆ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕለት 30 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ብምቕጻል ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣመርኵይዞም ንሓደ ክርስቲያን ተዘክሮ እታ ፋልማይ ምስ ክርስቶስ ዝተራኸበላ ዕለትን ኣብኡ ዘንበሮ ኣብ ሕይወቱ ብናይ እምነት ጽንዓት ተበራቲዑ ንቕድሚት ከብል ዝድርኾ ተስፋ ዝዕቅብ ኽከውን ከምዘለዎ ዘዘኻኽር ሓሳብ ዘማእከለ ኣስተንትን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣመልኪቶም።
እታ ፈለማ ዘፍቀረላ ዕለት ዘይዝክር ብሓቂ ዘየፍቀረን ዘየፍቅርን እዩ፣ ሓደ ክርስቲያን ብዘይ ተዘክሮ ፋልማ ምስ ኢየሱስ ዝተራኸበላ ዕለት ባዶን ዝሕቱል መንፈሳውነትን ኣይ ምዉቕን ዝሑልን ልብጥ ምዃን ዝነብር እዩ፣ ለበጥ ዝበለ ክርስቲያን ክስራን እዩ” ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ መልእኽቲ ዕብራውያን ምዕ. 10 ካብ 32 ክሳብ 39 ዘሎ ብፍላይ ድማ ኣብ ፍቕዲ 32 ኣመርኵይዞም፦ “ነተን ብዙሕ ስቓይን ገድልን ተዓጊስኩም ብርሃን እተቐበልኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን” እታ ምስ ክርስቶስ እተራኸብናላ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ናይ ዓቢይ ሓጎስ ምኽንያትን ዓበይቲ ነገራት ንምፍጻም ዘተባባዑናን ድልየት ዘንበሩልና መዓልታት ዘይምርሳዕ፣ እቲ ናይ ቀዳሞት መዓልታት ትብዓትን ጽንዓትን ትስፍውነትን ግልጽነትን ተዘክሮ ፈለማ ፍቕሪ ብምንባር ወትሩ እናተሓደሰ ዝውለድ እዩ።
“ተዘክሮ እቲ ዝተቐብልካዮ ጸጋ ንምዝካር ኣገዳሲ እዩ፣ እቲ ካብ ተዘክሮ ዝነቅል ናይ ፈለማ ፍቕሪ ዝኽሪ ዘመንጭዎ ትስፍውና እንተድኣ ኣወጊድና እቲ ኣዚዩ ሓደገይና ዝዀነ ንሱ ድማ ሓደጋ ዝሁምነት የጋጥመና፣ ዝሁም ክርስቲያን። ዘይንቀሳቐስ ክርስቲያን ኣብ ደውታ ዝነብር ክርስቲያን ተዘክሮ ፈለማ ፍቕሪ ዘጥፍአ እዩ፣ ተስፈይናነት ዘጥፍአ ትዕግስቲ ዘጥፍአ ተጻዋርነት ብስም ክርስቶስ ኩሉ ሽግር ኣብ ዝባኑ ኣንቢሩ ብተስፋ ምጉዓዝ ዘጥፍኤ ዝሁም ክርስቲያን፣ ብሓቂ እዚ ክርስቲያን’ዚ ኣብ ዓቢይ ሓደጋ እዩ ዘሎ” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
“ከምቲ ከልቢ ናብ ትፋኡ ዝምልሰን ወይ ድማ እቲ ንኢየሱስ እነኹልካ ቢሉ ወንጌሉ ብምስዓብ ንዲያብሎስ ዝገሰጸ ድሓር ግና እቲ ሓይሊ ምስ ተዓደለ ብሓይለይ ቢሉ እቲ ጽቡቕን ንጹሕን ቤቱ ነቲ ዝገሰጾ ዲያብሎስ ጋህ ኣቢሉ ዝኸፍትን ክኸውን እንከሎ ከምቲ ከልቢ ናብ ትፋኡ ምምላስ እዩ ዝኸውን” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ክርስቲያን ክልተ መዕቀን ዘለዎ ምዃኑ እንክሕብሩ፦ “ተዘክሮን ተስፋን እያቶም፣ እታ ናይ ቀዳማይ ርክብ ምስ ኢየሱስ ዝኾነት ጽባቔ ተስፋ እተበራታዕ ናይ ፈለማ ፍቕሪ ተዘክሮ ዳግም ምስትውዓልን ፈጺምካ ዘይምጥፋእ፣ ብዙሕ ጊዜ ጸልማትን ደልሃመትን እውን እንተጋጠመ ንቕድሚት ዝብል እዩ ዝኸውን፣ ንቕድሚት ዝብል ድማ እቲ ዝነብሮ ንኢየሱስ ከምዝረኽቦ ዘረጋግጸሉ ተስፋ ዘየደናግር ምዃኑ ዝለ ዝኣምን እዩ፣ እዞም ክልተ ማለት ተዘክሮን ተስፋን እቲ ንጻድቃን ካብ ኢየሱስ ዝመጽእ ምድሓን ዝዕቅቡ ክልተ ዓንዲ መጣብቕ እያቶም” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣሞርኵይዞም፦ “ምድሓን ኣምላኽ እተብጽሖ ከምቲ ሓረስታ ኣብ ግራቱ ንኽዘርኦ ሒዝዎ ዝከይድ ዘርኢ እዩ፣ ከምቲ ንእሽቶይ ዘርኢ ኣድሪ እዩ፣ ይቦቅልን ፍረ ድማ ዝህብ ከምኡ እዩ። እተብጽሖ እዩ። ኣብ መገዲ ዝተርፉ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ዝተርፉ ኣብቲ ምስ ኢየሱስ ምስ ተራኸቡ ምሳኡ ንምርኻብ ኣብ ዝግበር ዳግማይ ጉዕዞ ምርኻብ ምስ ኢየሱስ መገዲ ጉዕዞ ዝኳለፉ ክርስቲያን ምርአይ ክንደይ የሕዝን፣ ንሳቶም ድማ ናይቲ ፈላማ ምርኻብ ምስ ፍቕሪ ዘጥፍኡን ተስፋ ዘይብሎም እያቶም ዝዀኑ፣ እምበአር ከስ እቲ ህያብን ጸጋን ድሕነት ንምዕቃብ ዘብቅዕ ጸጋ ንጐይታ ክዕድለና ንለምኖ” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዝዛዘሙ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.