2015-01-31 16:05:45

መደብ መንፈሳዊ ሱባኤ


RealAudioMP3 እቲ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 27 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ዘሳትፈ መንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ከተማ ኣሪቻ ኣብ ዝርከብ ቤተ መለኮታዊ ምሕረት ክካይድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይቲ ሱባኤ ሰባኬ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና እዋናውን ሰረት ስነ መንፍሳውነት መምህር ዝነበሩ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብቕዱስ ኣቦ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምሌ ናይ ውፉያንን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራትን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣማኻሪ ንኽኾኑ ዝተመዙ ኣባል ማሕበር ገዳመ ቀርመለሳውያን ኣባ ቡሩኖ ሰኮንዲን ከምዝኾኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣባ ሰኮንዲን ብዙሕ ናይ ቲዮሎጊያን ስነ መንፈሳውነት መጽሓፍቲ ደራስን ናይ ዝተፈላለዩ ትምህርተ ንባበ መልኰት ዝመርሑን ዘነቓቕሑን ኣብ ራዲዮ ቫቲካን በቢ ሰናብቲ ናይ ብላቲን ስርዓት ናይ ዕለተ ሰንበት ንባባት መሰረት ሰዓት ክልተ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ብቫቲካን ረድዮ ዝመሓላለፍ ኣስተንቶን ስብከትን ኣሰናዳውን ኣቕራብን ኰይኖም ኣብ ዝሓለፉ ዓምታት ከምዘገልገሉን ኣዘኻኺሩ እቲ መደብ መንፈሳዊ ሱባኤ ዕለት 22 ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሽዱሽተ በስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ብናይ ጸሎተ ዘሰርክ ከምዝጅመርን ንጽብሒቱ ንጐሆ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ጸሎተ ዘነግህን ሰዓት ትሸዓተን ፈረቓን ቀዳማይ ኣስተንትኖ መፍነሳዊ ሱባኤ ቀሪቡን ናይ ሓባር መስዋዕተ ቅዳሴ ዓሩጉ ድሕሪ ቐትሩ ሰዓት ኣርባዕተ ካልኣይ ኣስተንትኖ መንፍሳዊ ሱባኤ ዝቐርብ ምዃኑን ቀጺሉ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ጸሎት ዘሰርክ ከምዝድገምን እዚ መደብ’ዚ ክሳብ ዕለት 26 ለካቲት ዝቕጽል ኰይኑ ዕለት 27 ለካቲት ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ናይ ሓባር መስዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉን ሰዓት ትሸዓተን ፈረቓን ናይ መዛዘሚ መንፈሳዊ ሱባኤ ኣስተንትኖ ከምዝቐርብ ኣመልኪቱ።
እቲ መንፍሳዊ ሱባኤ ዕለት 22 ለካቲት ካብ መቐመጢ ቑሸት ምውጻእ ብዝብል ኣርእስቲ ብዝተመርሔ ናይ እምነት ሰረትን ነቲ ላንጋላንጋነት ኣይፋል ምባል ኣብ ዘማእከለ እንታይነት ከይዲ ሓቀይና እምነት ዘነጽርን ነቲ ጣዖታት ብኩንነት ኣይፋል ቢልካ ናብ ሓቀይና ኣምልዀ ንምባል ዝመርሕ ሓባር መገዲ ናጽነትን ዝብል ኣርእስቲ ብዝምራህ ኣስተንትኖ ሱባኤ ቅጺሉን ብእግዚኣብሔር ንምድናቕ ግዛእ ርእስኻ ምፍቃድ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝተፈልየን ኣብ ካልእ ስፍራ ምስ ዘሎ እግዚኣብሔር ምራኻብን ኣብቶም ህያው ወንጌል ዝሰብኩልና ድኻታት ምዝ ዘሎ እግዚኣብሔር ምራኻብ ዝብል መልእኽቲ ዘማእከለ ክኸውን እንከሎ ስዒቡ ዝመጽእ ኣርእስቲ ድማ ፍትሕን ኣማላድነትን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ኣስተንትኖ እዚ ድማ ምስክርነት ፍትሓውነትን ፍትሕን ምትሕብባርን ዘማእከለ ክኸውን እንከሎ እቲ መንፍሳዊ ሱባኤ ናይ ኤሊያስ መንጠሊና ሓንገፋይ ቢልካ ምቕባል ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ተማኺሉ ናይ ሕውነት ነቢይ ንምዃን ብዝመርሕን ዘተባብዕን ኣስተንትኖ ከምዝዛዘም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ መፍንሳዊ ሱባኤ ኣብ ዝካየደሉ ሰሙን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኰነ ዘካይድዎ ወግዓውን ግላውን ርክባትጉዳይ ዝምልከት ዝክረ ነገር ንግዚኡ ዝቋረጽ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.