2015-01-24 18:03:46

ሥድራ ቤት ፈላሚ ቤት ትምህርቲ ርክብን ምይይጥን!


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንዝኽሪ መበል አርብዓን ትሽዓተን ዓለም ለኸ ዕለተ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙኃን ብዝምልከት አብ ዘመሓለልፍዎ መልእኽቲ ዋና ቤት ትምህርቲ መራኸቢ ብዙኃን ብምዃን ምስ ካል ኦት ንምርኻብን ንምምይያጥን እትምህር ፈላሚት ቤት ትምርቲ ሥድራ ቤት ምዃና ገሊጾም፣
ዓለም ለኸ ዕለተ ማኅበራዊ መራኸቢ ብዙኃን ዓመት ዓመት ዕለት 17 ግንቦት ዝዝከር እንክኾን አር እስተ ሊቃነ ጳጳሳት ከአ ነዙይ ዕለት እዙይ ዝምልከት መልእኽቲ ብእዋኑ ከምዝጽሕፉ ዝዝከር ኢዩ፣ አብ ዝሐለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ስድራ ቤት ዘተኮረ ፍሉይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ከም ዝተኻየደን ምሉእ ዓመት ከአ ብዛዕባ ሥድራ ቤት ክዝተን ክጽናዕን ከምዝኾነ ነዙይ ስዒቡ ከአ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቀምቲ አብ ስሩዕ ስድራ ቤት ዘተኮረ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት አብ ከተማ ቫቲካን ከም ዚካየድ ክፍለጥ እንከሎ ቅዱስነቶም ንዓለም ለኸ ዕለተ ማኅበራዊ መራኸቢ ብዙኃን ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ አብ ሥድራ ቤት ዘተኮረ ኢዩ፣
ደቂ ሰባት ካብ ማኅጸን አዲኦም ጀሚሮም ምርኻብን ምምይያጥን ጽን ቢልካ ብምስማዕን ብምትሕቁቋፍን እቲ ሓደ ምስቲ ካልእ ንምርድዳእን ምስምማዕን ዝመሃሩሉ ቀዳማይ ቤተ ትምርቲ ሥድራ ቤት ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ሥድራ ቤት ርኅራኄን ምምሕሓርን እትመሃረሉ ኃቢርካ እትነብረሉ ብቀንዱ ከአ ናይ መጀመርያ ርክብ ዝፍጠር አብ መንጎ አደን ሕጻንን ከም ዝኾነን እዚ ቀዳማይ ተሞክሮ ናይ ርክብ ከአ መሠረት ኩሉ ስዒቡ ዝፍጠርን ዝመጽእን ርክባት ስለዝኾነ አብ ስድራ ቤት ምዝራብ ይጅመር ክርስትያናዊ ሕይወት ዘሕልፍ ስድራ ቤት እንተኾይኑ ጸሎት ምግባር እውን ይጅመር፣
አብ ስድራ ቤት ምሕረት ምግባር እውን ሀ ቢልካ ክትመሃሮ ይጅመር እዚ ኾይኑ ግን አብ ስድራ ቤት ፍጽምና አሎ ክብሃል እኳ ዘይክአል እንተኾነ ኩሉ ነገር ሕማቅን ጽቡቅን አብ ስድራ ቤት ከም ዝጅመር ዘማትእ ከም ዘይኮነ እውን አመልኪቶም፣
እምበአርከስ እዚ መሰረት ማሕበረ ስብን ሕብረተ ሰብን ዝኾነ ስድራ ቤት እዚ ኩለንትናዊ ሐገዝ ብግዲ የድልዮ፣ ምናዳ ከአ አካለ ስንኩላን ዝኾኑ ሕጻናት ዘለዉዎም ጽዑቅ ሰብአዊ ሐገዝ ስለዘድልዮም ቁምስናታትን ማሕበራት ግብረ ሠናይን ንኽሕግዙ ሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝኾኑ ኩሎምን ክተሐባበሩ ይግባእ እንክብሉ ነዛ ምንጪ ኩሉ ዝኾነት ሥድራ ቤት ቀዳምነት ሂብና ክንሕግዛ ከምዝግባእ አዘኻኺሮም፣
አብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ዘተሓሳሰብዎ ነገር እንተሃልዩ ሓደ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሐን ክገብሮ ዘለዎ ምናዳ ከአ ናይ ቤተ ክርስትያን መጋበሪ እንተኾይኑ ህሉው ኩነታት ስድራ ቤት ብሰፊሑ ዝገልጽ ጸብጻብ ከቅርቡ ሐገዝ ዘድልየን ስድራ ቤታት ክሕብር ከም ዝግባእ ጠቂሶም አውራ ሐላፍነት መራኸቢ ብዙሃን ቤተ ክርስትያን ከአ እዚ ክኸውን አዘኻኺሮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.