2015-01-22 16:20:00

ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና፦ ብዝሒ ውላድ ተስፋ የውህብ ነጻልን ነጻግን ባህሊ ድኽነት ይፈጥር


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱ ክምልከት እንከሎ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ካብ ዕለት ዕለት 12 ጥሪ ክሳብ ዕለት 19 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብ ስሪ ላንካን ቀጺሎም ኣብ ፊሊፒንስ ዘካየድዎ ሻብዓይ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ምልስ ቢሎም ብምዝካር እስያ፦ “ያታውን መንፈሳውን ሃብትታት ዝተዓደለ ከልፍሊ ዓለም እዩ። ስሪ ላንካን ፊሊፒንስ ውትሩ ኣብ ልበይ ህልዋት እያተን” ቢሎም ምስቲ ዕለት 25 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ዝዛዘም
ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ዘኪሮም፣ ግደ ስድራ ቤት ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ናይ ሰላም ዘተን ልዑል ምዃኑ ከምዘስመርሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።
ብውላድን ብኣባላቱ ሃብታም ዝኾነ ስድራ ቤት ምጽንናዕን ተስፋን ዓዳሊ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ስሪ ላንካን ፊሊፒንስ ኣብ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ዝዳህሰስዎ ቀንዲ ኣርእስታት ምስል ቢሎም፦ “ዝውለዱ ሕጻናት ጸጋ እግዚኣብሔር ምዃኖም ተኣሚኑ ዝቕበልን ብብዝሒ ውላድን ኣባላትን ዓቢይ ዝኾነ ጥዑይ ስድራ ቤት ንናይ ሕብረተሰብ ሕይወት መሰረት እዩ። ምጽንናዕን ተስፋን ዝዕድልን ውላድ ባርኰት እግዚኣብሔር ምዃኑ ዘስተውዕልን እዩ። ብዙሕ ጊዜ ብዝሒ ውላድን ኣባላትን ኣብ ሓደ ስድራ ቤት መኽንያት ድኽነት እያቶም ክበሃል ንሰምዕ፣ ሕይወት ምንጻግን ምንጻልን እቲ ኣብ ዓለም ዘስፍሕ እቲ ሰብ ዘየማእከለ ስርዓት ኤኮኖሚ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይላኒ ኣስዒበን፦ “እቲ ኣክንዲ ፍጥረት ሰብ ስስዔን ምድላብ ሃብትን ዘማእከለን ገንዘብ ዘምልኽ ስርዓት ኤኮኖሚ እዩ መሰረት ድኽነት፣ እዚ ዓይነት ኤኮኖሚ ነጻሊ እዩ። ሕጻናትን ኣረጋውያንን ይንጽል መንእሰያት ንስእነት ስራሕ ይዳርግ፣ እቲ እንነብረሉ ዘሎና ነጻሊ ባህሊ ዝወልዶ እዩ። ስለዚህ እቲ ነጻሊ ባህሊ እዩ ድኽነት ዝፈጥር እምበር ብዝሒ ውላድ ኣይኰነን” ከምዝበሉ ሓቢረን።
ኣብዚ እዋን’ዚ ስድራ ቤት በቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ምልካዊ ርእየት ዓለም ዘተኣታትዎ ሰብኣዊ ምዃንን ባህርይን ዘየኽብር ዛዕባ ጾታ ዝቐርቦ ትምህርቲ፦ “ነቲ ኣብ መደብ እግዚኣብሔር ዝተነብረ ጽባቔን ውህበትን ስድራ ቤት ስግኣት እዩ። ምእንቲ’ዚ ስድራ ቤት ካብቲ መንነቱን ተልእኾኡን ንሓደጋ ካብ ዘቓልዕ ምልካዊ ርእየተ ዓለም ስነ ጾታዊ ትምህርቲ ምክልኻል ኣገዳሲ እዩ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፦ “ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ካብ ድኻታት ምዝራፍ ማለት እዩ። ከም ክርስቲያን ምግባረ ብልሽውናንን ብላዕን ብሕይወትን ቃልን ብእነቕርቦ ምስክርነት ብምውጋእ ናይ ቅንዕና ባህሊ ከነስፍሕ ዝተጸዋዕና ኢና። እዚ ድማ ንናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ግብረ ሰናይን ዝድርኽ እዩ። ኣብ ፊሊፒንስ ኣቲ ዮላንዳ እተሰምየ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ቤቱን ንብረቱን ኣባላት ስድራ ቤቱን ዝሰኣነ ሕዝቢ ንምድጋፍ ካብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ንዝቐርብ ግብረ ሰናይ አመስግን። እቲ በቲ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ኣዚዩ ዝተጐድኤ ከባቢ ታክሎባን ተቐማጢ ሕዝቢ ዝነብሮ ዓሚይቕ እምነትን ናይ ዳግመ ሕንጸት ብቕዓቱ ዝነኣድ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ታክሎባን ኣብ ዘዕረግክዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንምስታፍ ካብ ዝተኣከቡ በቲ ኣብቲ ከባቢ ብዝተራእየ ብርቱዕ ንፋስ ተተኺሉ ዝነበረ መቖምያ ምውዳቑ ብዝተፈጥረ ሓደጋ ሞት ዘጋጠማ ክርስተል እዝክር” ከምዝበሉ ኣኵይላኒ ገሊጸን።
“ኣብ ስሪ ላንካ ኣብ ዘካይድክዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣዋጅ ቅድስና ወንጌላዊ ልኡኽ ዮሲየፍ ቫዝ፣ ናይ ቅድስናን ፍቕሪ ብጻይን ነቲ ኣብ ህብረ ባህሊ ኣብ ዝነበረሉ ኵነት ንዅሉ ብምኽባር ናይ ድሕነት ወንጌል ንኸበስር ንዝተጸውዔ ክርስቲያን ኣብነት እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብቲ ክሳብ 2009 ዓ.ም. ግጭት ብሄር ውጥረትን ኣብ ዝረአየሉ ዝነበረ ከባቢ መጋበርያ ሰላም ክኸውን ዝተጸውዔ ምዃኑ ዘዘኻኽንር ኣብዚ መዳይ ኣብነት ቅዱስ እዩ” ቢሎም ኣብ ማድሁ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ተረኺቦም ብሓባር ምስታ ኣብ ስሪ ላንካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ብሓባር ዝነበርዎ ማርያማዊ መንፈሳውነት ዘኪሮም፣ ኣብኡ ድማ ዘተን ኣኽብሮት ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑን ብዓቢይ መንፈስ ጽን ዝተባህለሉን ዕርቅን ናይ ሓባር ጥቅሚ ዘቖመ ንውጥረትን ዘይምርድዳእን ብቑዕ መፍትሒ ንምርግጋጽ ኣብዚ መዳይ ኩሉ ክዋሳእ ዓቢይ ጻዕሪ ክህሉ ከምዘተሓሳሰቡ ሓቢሮም፣ ነቲ ድሮ ኣብታ ሃገር ዝካይድ ዘሎ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምትሕብባርን ምቅርራብን ተግባራት ኣበራቲዖም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምትሕብባርን ምቅርራብን ናይ ይቕረ ምብህሃልን ምምሕሓርን ቅብኣ ቅዱስ ኰይኑ ነቲ ሕድ ሕዳዊ ግጭትን ዘይምርድዳእን ዝፈጠሮ ማህሰይቲ ዝፍውስ ምዃኑ ኩሉ ከስተውዕሎ ድማ ሓደራ ከምዝበሉ ዝዘከሩ ቅዱስ ኣባና ኣስዒቦም፦ “ንናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ዘተ ዘለዎ ዓቢይ ክቡር ዋጋ ኣብዚ ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ዝካይድ ንናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነትን ውህደትን ጸሎት ሳምንቲ ክስትውዓልን ክስትንተንን ሓደራ። እዚ ናይ ለምዘበን ምእንቲ ኣቢያተ ክርስትያን ውህደት ናይ ጸሎት ሳምንቲ እቲ ኢየሱስ ነታ ሳምራዊት፦ ‘ዝስተ ማይ ሃብኒ’ እንክብል ብዘቕረበላ ቃል ዝምራሕ እውን እዩ። እዚ ክፍሊ ወንጌል’ዚ ኣብ መንጐ እተን ኣሕዋት ዝዀና ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝነብርኦ ዝተፈላየ ባህሊ ክረዳዳእን ክቀራረብን መታን ብምሉእ ውህደት ክርስቶስ ንምምስካር ዓሚይቕ ዘተን ጸሎትን ዘተባብዕ እዩ” ቢሎም ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞን ሓዋያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.