2015-01-20 15:30:34

ካሜሩን


RealAudioMP3 ናይ ሃገረ ካሜሩን ሓይሊ ምክልኻል ነቶም ዕለት 18 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ካብ ከባቢ ሰሜናዊ ካሜሩን ቦኮ ሓራም ብዝተሰምዩ ናይ ናይጀሪያ እስላማዊ ኣሸበርቲ ተጨውዮም ዝነበሩ 50 ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝርከብዎ ብጠቕላላ 80 ንጹሓን ዜጋታት ናጻ ከምዘልቀቑን በታ ሰዓት እቲኣ ገለ ገለ ኣባላት ቦኮ ሓራም ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ሰሜናዊ ምስራቕ ኣብ እትርከብ ከተማ ፖቲስኩም ብዝፍነውዎ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ከምእተቐትሉን ልዕሊ 35 ዝግመቱ ሰባት ድማ ማሕሰይቲ ከምዝወረዶም ተገሊጹ።
ኣብ ካሜሩን ኣባል ጳጳሳዊ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ሰበኻ ያጉዋ ናይ ዝርከብ ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበር ጨንፈር ኣወሃሃዲ ዓለማዊ ምእመን ሓው ፋቢዮ ሙሲ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ቦኰ ሓራም ሕፃናት ትሕቲ ዕድመ ንናይ ለኪምካ ምጥፋእን ብሓፈሻኡ ናይ ሽበራ መጥቃዕት መጋበርያ ንኽኾኑ ቢሉ ከምዝጨዎም ገሊጾም ናይ ካሜሩንን ቻድን ኒጀርን ሓይሊ ምክልኻል ዕጡቓት ሓይሊ ኣሸበርቲ ቦኮ ሓራም ናብ ሓደ ከባቢ ከብሉን ኣኽቢብካ ንምጥፋኦም ኣሚቶም በቢ ወገኖም ጸረ ቦኮ ሓራም ዝፍንውዎ መጥቓዕቲ ቦኮ ሓራም ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ፋሕ ክብል ከምዘገደዶን ቦኮ ሓራም ካብ ዝፍንዎ መጥቓዕቲ ሕይወቶም ንምድሓን ብዙሓት ቤቶም ንብረቶምን ዛሕዚሖም ይመዛበሉ ከምዘለዉ ገሊጾም፣ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ካሪታስ ማሕበር ረድኤት ነቲ ሕዝቢ ናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ድጋፍ የቕርብ ኣሎ ምስ በሉ ብሓፈሻኡ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ጸጥታን ድሕነትን ኣብ ስንኩፍ ኩነት ይርከብ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም ናይቲ ከባቢ ጸጥታ ውሑስ ምግባር ንኤውሮጳ እውን ዓቢይ ደገፍ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.