2015-01-17 16:53:20

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኢየሱስ ወትሩ ምሳናን ምእንታናን እዩ


ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ምንባብ ዝሰማዕናዮ እቲ ስለ ድኻምነትና ዝሓዝን ኣብ ስቓይና ምሉእ ሱታፌ ዝነብር ሊቀ ካህን ኣሎና። ብዘይ ሓጢኣትሲ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና ዝተፈተነ እዩ (ዕብ. 4.15)። ኢየሱስ ከማና እዩ። ኢየሱስ ከማና ነቢሩ እዩ፣ ሓጢኣተይና ብዘይ ምንባሩ ድማ ብዘይ ሓጢኣት ብዅሉ ንኣና መሲሉ እዩ። ማዕረና ክኸውን ድማ ‘ንሕና ብኣኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ክንከውን ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ’ (2ቆሮ. 5.21) እንክብል እቲ ንኢየሱስ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝገልጸና ቅዱስ ኣቦና ሓቢሮም፦ “ኢየሱስ ወትሩ ቀቅድሜና እዩ ዝኸይድ ኣብ መገዲ መስቀል እንጓዓዝ ኰይኑ ክስመዓና እንከሎ ኢየሱስ ኣብቲ መስቀልና ቀቅድሜና ተጓዒዙ እዩ። ነቲ መቀልና ቅድሜና ሓሊፍዎ እዩ” ምስ በሉ ኣብዚ ከባቢ ዮላንዳ እተሰምየ ብርቱዕ ህቦብላ ነፋስ ተኸሲቱ ከምዝነበረ ዘኪሮም ኢየሱስ ኣብዚ ሽግር’ዚ እውን ቀቅድሜ ከምዝሓለፈ ናይ እምነት ርግጸይናነት ኣሎና፣ ኣብ ስቓይ ስቓይና ናቱ ገይርዎ እዩ፣ እቲ ዝተኸስተ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዘስዓቦ ኩሉ ሰብኣውን ንዋታውን ጸገም ሞትን ስቓይን ኣብ ሮማ እንከለኹ ብመራኸቢ ብዙሃን ምስ ተኸታተልክዎ ክበጽሓኩምን ነቲ ከባቢ ክበጽሕ ሽዑዑ እየ ዝወሰንኵ፣ ደንጕየ እውን እንተበጻሕኹኹም ወትሩ ምሳኹም እየ፣ ሎሚ ኣብዚ ምሳኹም ኣሎዅ። ኢየሱስ ጐይታ ኢዩ ክብለኩም ኣብዚ እርከብ፣ ኢየሱስ ዘየታልል ምዃኑ ክምስክረልኩም ኣብዚ ምሳኹም እርከብ። ኩሉ በሪሱኒ ስድራይ በቲ ዝተኸስተ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ስኢነ፣ ሓሚመ ብሓቂ ኢየሱስ ኣታሊሉኒ እዩ፣ ኣበይ ኣሎ፣ ክትብሉ ትኽእሉ እወ ዝስመዓኩም ስምዒት ኩሉ አኽብር፣ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ስለ ዝርእዮ ድማ ከምዘየታልል እአምን፣ ኣብ ዘውዲ መስቀል ኰይኑ እዩ ጐይታነቱ ዝኣወጀ፣ ኣብ መስቀል እዩ ነጊሱ፣ ስለዚ እዩ ድማ ክርድኣና ዝኽእል፣ ኣብ ቀዳማይ ምንባብ ከምዝሰማዕናዮ ብዘይ ሓጢኣትሲ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና መሲሉ እዩ። ምሳና ዝነብዕ ሓቢሩ ስዛቐ ኣብ ስቓይና ዘሰንየና ጐይታ ኣሎና።”
ብዙሓት ካባኻትኩም በቲ ተኸሲቱ ዝነበረ ብርቱ ህቦብላ ንፋሱ ኩሉ ስኢኖም እዮም፣ በይኖም ተሪፎም እዮም፣ ኣነ እንታይ ከምዝብለኩ ኣይፈልጥን እየ፣ ጐይታ ግን እው ይፈልጥ እዩ፣ ኣብቲ በቲ ዘጓነፈኩም ስቓይን መከራን ኣብ ጽሞናን ሱቕታን እትነብሩ ኣብ ጽሞናኹም ሱቕታኹምን አሰንየኩም፣ ብዙሓት እቲ ዘጓነፎም ሓደጋ ርእዮም ስለምታን ንኣይ ስለምታይ ኣብዚ እንክብሉ ንኢየሱስ ክሓትዎ ዝከኣል እዩ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነዚ ሕቶ ዘቕርብ ልቢ ድማ ኢየሱስ ይዛረብ፣ ካብ ልቡ ንልባትና ይዛረብ። ንሱ ቀቅድሜኹም ኣብቲ ዘጓነፈኵም ሽግር ዝሓለፈ ብምዃኑ ክዛረበኵም ዝከኣሎ እዩ።
ምስቲ ስቑል ኢየሱስ ኣደ ስቑል ኢየሱስ ማርያም ኣላ። ንሕና ድማ ከምቲ ዝተኸስተ ሕማን ሽግርን መከራን ክርዳእ ዘይክእል ሓደ ሕጻን ኢና፣ ቅርብ ቢልና ከም ሕጻና ኣኖ ልክዕ ከም ሓደ ሕጻን ክፈርህ እንከሎ ኣደይ ዝብል ኢና፣ ኣብ ከቢድን ድቕድቕ ደልሃመት እንዝክሮ ስም ኣደ ዝብል እዩ፣ እምበኣር ንቑሩብ ደቓይቕ ጽሞና ንንበር ቢሎም፣ ንኢየሱስ ንጠምት ንሱ ክርድኣና እዩ፣ ኩሉ ቀቅድሜና ሓሊፉዎ እዩ፣ ንኣዴና ማርያም ንጠምት… ብልቢ ኣደ ቢልና ንጸውዓያ፣ ብጽሞናን ሱቕታን ነዘን ቃላት ብልባትኩም ድገሙ ምስ በሉ፣ ድሕሪ ናይ ደቓይቕ እዋን ጽሞና በይንና ኣይኰናን ኣደ ኣላትና እቲ ዓቢይን ቦኽርን ሓውና ዝዀነ ኢየሱስ ኣሎና በይንና ኣይኰናን ኣብ ስቓይና ቀሪቦም ዝድግፉናን ዝተሓባበሩናን ብዙሓት ኣሕዋትንኣሓትን እውን ኣለዉና። ኢየሱስ ኣየታልልን ፍቕርን ለዋህነትን ኣዴና ከምዘየታልለና ርግጸይናታት ኢና፣ ከም ውላድ ኣብኣ ጥበቑ፣ ነቲ ዓቢይን ቦኽርን ዝዀነ ሓውና ኢየሱስ ድማ ከተቕርበልና እያን፣ ንቕድሚት ንበል ከም ኣሕዋት ብሓባር ንቕድሚት ንጓዓዝ እንክብሉ ዘቕረብዎ ስብከት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.