2015-01-15 17:38:03

ር.ጳ.ፍራንቸስኮስ ሐዋርያዊ ዑደት ስሪላንካ ዛዚሞም አብ ፍሊፒን
ተመሳሳሊ ዑደት ከካይዱ ርእሰ ከተማ ማኒላ አትዮም አለዉ ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ሀገራት ኤስያ ስሪላንካን ፍሊፒንን ዘካይድዎ ዘለዉ ሐዋርያዊ ዑደት ይቅጽል አሎ ። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ስሪላንካ ከካይድዎ ዝቀነዩ ሐዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም አብ ፍሊፒን ሐዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ካብ ስሪላንካ ርእሰ ከተማ ኮሎምቦ ሎሚ ምሸት ርእሰ ከተማ ምኒላ አትዮም አለዉ ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ አብቲ አብ ከተማ ኮሎምቦ ዝርከብ Galle Face Green ዝጽዋዕ አብ ገምገም ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ሐሙሽተ ኪሎ ሜትር ዝንውሐቱ ዓቢ ህዝባዊ መናፈሻ ንብጹዕ ጁሰፐ ቫዝ ሥርዓተ ቅድስና ፈጺሞም ።
አብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብብጹዓን ካርዲናላት ጳጳሳትን ካህናትን ተሰንቶም ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅድስና 500 ሺሕ ህዝቢ ከም ዝተሳተፈ ከብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ። ቅዱስ ጁሰፐ ቫዝ ቀዳማይ ቅዱስ ስሪላንካ ከም ዝኾነ ክምልከት እንከሎ አብ ህንዲ ጎአ ዝተባህለ ቦታ ዝተወልደ ዜጋ ፖርቲጊዝ ከም ዝኾነን ብ1711 ዝዓረፈ ሰባኺ ቅዱስ ወንጌልን ሐብሐቢ ድኻታትን ዝነበረ ከም ዝኾነ መዋዕለ ታሪኹ የረድእ። አብ መወዳእታ ሥርዓተ ቅዳሴ ቅድስና ቅዱስ ጁሰበ ቫዝ ናይ ርእሰ ከተማ ኮሎምቦ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ራኒት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሰብአዊ ረዲኤት ዘውዕልዎ ካብ ምእመናን ዝተዋጽኤ ሰብዓ ሺሕ ዶላር አረኪቦም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሥርዓተ ቅዳሴ ቅድስና ቅዱስ ጁሰፐ ቫዝ አብ ዘዕረግሉ ግዜ አብ ዘስሞዎ ስብከት አብ ታሪኽ ሕይወቱ ተመርኲሶም ቅዱስ ቫዝ አብ ስሪላንካ አብ ሽግር ወዲቁ ዝሳደድ ዝነበረ ካቶሊካዊ ማሕበረ ሰብ ከበረታትዕን መንፈሳዊ ሞራላውን ሐገዝ ክህብ ካብ ህንዲ ተሐቢኡ በቲ ግዜ”ቲ ሳይሎን ሎሚ ስሪላንካ ዝአተወ ዓቢ መንፈሳዊን ሰባኺ ቅዱስ ወንጌልን ከም ዝነበረ እዚ ብ111 ዓመተ ምሕረት ዝተፈጸመ ሰናይ ተግባር ከም ዝኾነ አዘኻኺሮም።ብሐፈሻ ህዝበ ክርስትያን ብፍላይ ካቶሊካዊ ማሕበረ ሰብ ስሪላንካ አረአያ ቅዱስ ጁሰፐ ቫዝ ክኸተል ክአ አተሐሳሲቦም። ቅዱስ ጁሰፐ ቫዝ ንኹሎም አባላት ሕብረተ ሰብ ዝተፈላለየ እምነት ንዝኽተሉ ንዝተፈላለዩ ዓሌታት ይከናኸን ይሕግዝ ይረድእ የሰኒ ከም ዝነበረ ዘኪሮም ክአ ህዝበ ክርስትያን አብነቱ ክኽተሉ ዘዊዖም ። እምነተ ሃይማኖት ጠንቂ ህውከትን ግጭትን ክኸውን ከም ዘይብሉ ዝተፈላለየ እምነት ዝክተሉ ደቂ ሰብ ፍልልዮም ዓቂቦም ብሐባር ብሰላም ክነብሩ ሃይማኖት መስራሒ ሰላም ምጽውዋር ከም ዝኾነ ክግንዘቡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አጽኒዖም አገንዚቦም።አተሐሒዞም ቅዱስ ጁሰፐ ቫዝ አገባብ ሰናይነት ቅዱስ ወንጌል ከመይ ጌርካ ንህዝቢ ተብጽሕ ትነግር ተረድእ ዝተረድኤ ጥበበኛ ትዕግስተኛ በሊሕ ከም ዝነበረ መውዕል ታሪኹ ይንግብረና ዝበሉ ፓፓ ፍራንቸስኮስ ሎሚ “ን እንተኾነ መድኅን ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኽተሉ ልኡካነ ቅዱስ ወንጌል አብነት ቅዱስ ጁሰፐ ቫዝ ክኽተሉ ከም ዝግባእ አመልኪቶም። ሕብረተ ስብ ስሪላንካ ዕርቀ ሰላም ፍትሒ ርትዒን ምእንቲ ክረክብ ህዝበ ክርስትያን ናይዛ ሀገር”ዚአ አዎንታዊ አስተዋጽኦ ከበርክቱ ክአ ተማሕጺኖም። ህዝቢ ስሪልንካ 20 ሚዮንን 48 ሺሕን ከም ዝኾነ ክምልከት እንከሎ ካብዚ ሃይማኖት ክርስትና ዝኸሉ ሸውዓተ ካብ ሚእቲ ከም ዝኾኑ ይፍለጥ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ንግሆ አብቲ አብ ሰሜናዊ ሲሪላንካ ዝርከብ ገዳመ ማዱ ቅድስቲ ድነግልማርያም ከም ዝበጽሑ ክዝከር ከሎ ፡ አብቲ ገዳመ ማርያም ምስ ዝተረኽቡ በማእት አሽሐት ዝቁጸሩ ሰባት ሐቢሮም ማርያማዊ ጸሎት ደጊሞም ። ነቲ አብ ገዳመ ማርያም ማዱ ዝተረኽበ ዝተፈላለየ እምነት ዝኽተል ህዝቢ አብ ዘስምዕዎቃ ቃል እቲ አብ ስሪላንካ አብ ሞንጎ ብሔረ ሰባት ታሚልን ሲንጋሊን ንሳላሳ ዓመታት ብርቱዕ ኲናት ሕድሕድ ከም ዝተኻየደ ክዝከር እንከሎ ብጠንቂ”ዚ ኲናት”ዚ በሽሐት ዝቁጸሩ ሰባት ሕይወቶም ከም ዝስአኑ ንብረት ከም ዝበረሰ እቲ ግጭት ጽልእን ቅርሕንትን ከም ዝፈጠረ ብ2009 ከም ዝተገትኤን ዘኪሮም ፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላክ ዉሉዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ክስቀል እንከሎ ፡ አብ ትሕቲ መስቀል ተምበርኪኻ ነትም ዝስቀልዎ ከም ዝምሐረቶም እዘኻኺሮም ዕርቀ ሰላም መሰረተ ሕይወት ከም ዝኾነ አተተሐሳሲቦም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅድሚኦም ዝነበሩ አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብጹዕ ጳውሎስ ሻዱሻይን ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይን አብዙ አብ ገዳመ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ማዱ መጺኦም ምእንቲ ሰላም ከም ዝጸለዩ አዘኻኺሮም ክአ ምእንቲ ሰላም ወትሩ ክንጽሊ ክነስተንትን ክንሐስብ ይግብአና ምኽንይቱሲ ሰላም አልቦ ሕይወት አልቦ ስለ ዝኾነ ኢሎም። አብዚ ገዳም”ዚ ዝኾአ ይኹን እምነት ዝኽተሉ ነጋድያን አብ ቤተ ማርያም ከም ዘለዉን ንሳ ብሐጎስ ከም ትቅበሎምን ርሕርሕቲ ስለ ዝኾነት ምእንቲ ሐቀኛ ሰላም ክሰፍን ከም ዝተማልድን ብምርዳእ ንልምና ሕጎስና ስቃይናን ብጽሞና ነካፍላ እሞ ክትረድአና ኢያ ብማለት ገሊጾም። አብ ገዳመ ማዱ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ አርባዕተ ሚእትን 50 ሺህ ህዝቢ ከም ዝተረኽበን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ሰላም ምልክት ርግቢት አብ ልዕሊ ህዝቢ ከም ትዝንቢ ከም ዝገበሩን ህዝቢ ታሕጋሱ ከም ዝገለጸን ክርኤ ተኻኢሉ ።ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃልን ዳይረክተር ራድዮ ቫቲካንን አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሰብ ሙያታት መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካን መሪሖም ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብቀረባ ይከታተሉ ከም ዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ ><እቲ አብ ስሪላንካ ንሳልስቲ ዝተኻየደ ሐዋርያዊ ዑደት ፍጹም ዕዉት ከም ዝነበረ መግለጺ ሂቦም ። መደብ መርሃ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘይነበረ”ሞ ግን ክአ ዝተኸሰቱ ሐደ ሐደ ነገራት ክገልጹ እንከለዉ ፡ ሰለስተ ቅልል ዝበሉ ግን ክአ ትርጉም ዘለዎም አብ መደብ ዘይነበሩ ሐደ ነቶም ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብህዝባዊ ፕረሲደንታዊ ምርጫ እኹል ድምጺ ዘይረከቡ ፕረሲደንት ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሲሪላንካ ክበጽሑ ዝዓደምዎም ተቀቢሎም አዘራሪቦም ። እቲ ክልአይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሮማ ርእሰ ከተማ ኮሎምቦ ምስ በጽሑ አብ መዕረፍ ነፈርቲ ሐደ ናይ ቡድሀ ሃይማኖት በዓል ስልጣን አብ ቤተ መቅደስ ቡድሃ ክመጹ ዕድመ አቅሪቦምሎም ሕራይ ክመጽእ ኢየ ኢሎሞም ስለ ዝነብሩ አብኡ በጺሖም እቲ ሳልሳይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ብጹዓን ጳጳሳት ሲሪላንካ ክራኸቡ ብሐባር አብ ምሳሕ መአዲ ክቀርቡን ዝነበረ መደብ ብተክኒካዊ ምኽንያት አብ ግብሪ ከይውዓለ ተሪፉ ኔሩ ስለዚ አብቲ ናይ ዕለት መደብ እኳ እንተዘይነበረ ምስቶም ጳጳሳት ተራኺቦም ብማለት መግለጺ ሂቦም አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አተሐሒዞም ካልእ ድሕሪ ፍጻሜ ሥርዓተ ቅዳሴ ቅድስና ጁስፐ ቫዝ ናይ ርእሰ ከተማ ኮሎምቦ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል MALCOLM
RANJITH ስሪላንካውያን ድኻታት ኢና ግን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንውጹዕ ህዝቢ ዝገብርዎ ሰናይ ተግባር ንምድጋፍ ካብ ምእመናን ዘተዋፅኤ ሰብዓ ሺሕ ዶላር ከም ዘወፈዩን እዚ ትእምርተ ሐጎስን ሰላምን ከም ዝኾነን አመልኪቶም። ርእሰ ሊቃነ ፓጳሳት ፍቭራንቸስኮስ አብ ስሪላንካ ዘካይድዎ ዝነበሩ ሐዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ሎሚ ምሸት ቪላሞር ኤይር በይዝ መዕረፍ ነፈርቲ ማኒላ አትዮም አለዉ ናይ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ሰበ ስልጣናት ምዉቅ አቀባብላ ጌሮምሎም ፡ ብድሕሪኡ ናብቲ ዘዕርፍሉ መካን አብ ከተማ ማኒላ ዝረከብ ቤተ ሊቀ ጳጳሳት ተጓዒዞም አለዉ ። ጽባሕ ንግሆ ንጥፈታት ሐዋርያዊ ዑደቶም ክጅምሩ ኢዮም ። ህዝቢ ፍሊፒን 92. ሚልዮንን 681.ሺሕን ከም ዝኾነ ክምልከት እንከሎ ካብዚ ተስዓን ክልተን ሚልዮን እምነተ ክርስትና ዝኽተሉ ኮይኖም 81 ካብ ምእቲ ካቶሊካዊ እምነት ዝኽተሉ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ አሎ ።ቅድሚ ሎሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብጹዕ ጳውሎስ ሽዱሻይ ብ1970 ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ብ1981 እንደገና ብ1995 አብ ፍሊፒን ሐዋርያዊ ዑደት አካይዶም ከም ዝነበሩን አብ ርእሰ ከተማ ማኒላ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ከም ዝተኻየደን ይዝከር ።ናይ ርእሰ ከተማ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ሉዊስ አንቶንዮ ጎኪም ታግለ ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍቭራንቸስኮ አብ ፍሊፒን ጸጋ እግዚአብሔር ምልክት ሰላምን ቅሳነትን ከም ዝኾነ ጠቂሶም እዚ ሐዋርያዊ ዑደት”ዚ ድኻ ማሕበረ ሰብ ማእከል ዝገበረ ብጠንቂ”ቲ ብ2013 አብ እኩባት ደሴታት ፍሊፒን ዝተኽሰተ ተፈጥሮአዊ መቅዘፍቲ ህቦብላ በሽሐት ዝቁጸር ሕይወት ሰብ ከም ዝቀዘፈ ዘኪሮም ፡ ቅዱስ አቦና ነቲ በዚ መቅዘፍትI”ዚ ዝተገድኤ ህዝቢ ጽንዓት ተስፋን ሞራን ከም ዝሕቡን ምስ ህዝቢ ሐቢሮም ከም ዝጽልዩን አገንዚቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.