2015-01-13 16:34:36

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ


ዝተፈተኹም መራሕቲ ሃይማኖታት
ኣብዚ ርክብ እቲ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ብፍላይ ድማ ናይተን ዓበይትን ናይ ስሪ ላንካ ናይ ምሉእ ውህደት ሃገር መሰረት ካብ ዝዀኑ ረቛሒታት ዝጥቀሱ ሃይማኖታት ቡድሃን ሂንዱን ምስልምናን ክርስትናን ምስ ዝውክሉ መራሕቲ ሃይማኖታት ንኽራኸብ ዕድል ብምርካበይ ብሓቂ አመስግን፣ ምሳይ ንኽትራኸቡ ስለ ዝፈቐድኩምን ምዉቕ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኣቀባብላ ስለ ዝገበርኵምለይ ደጊመ አመስግን፣ እዚ ሓዋርያዊ ዑደት ንኽፍጽምን እዚ ርክብ ንኸካይድ መታን ብጸሎትን ብቡራኬን ነዘሰነዩኒ አመስግን ብፍላይ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ክለቱስ ቻንድራሲሪ ፐረራን ናይ ስሪ ላንካ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ክቡር ቪጂታሲሪ ኒያንጎዳ ተሮ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ስለይ ዘቕረብዎ ክብርን ዘስምዕዎ ቃል ፍቕርን አመስግን።
ናይቶም ቅድመይ ዝሓለፉ ጳውሎስ ሻድሻይን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ኣሰር ስዒበ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንስሪ ላንካን ሕዝባን ዘለዋ ፍቕሪ ንምምስካር ኣብ ሃገርኩም እርከብ፣ ንዓይ ኣብ ስሪ ላንካ ንእትርከብ ካቶሊቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክበጽሕን ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎዋ እምነት ከጽንዕን ምስኣ ብሓባር ክጽልን ስቓያን ሓጎሳን ተኻፋሊ ምዃነይ ክምስክር ክበጽሓ ብሓቂ ዓቢይ ሓጐስ ይስመዓኒ፣ ምሳኹም ምርኻበይን ኣብ መንጐኹም ኣብ መንጐ እቲ ዘለኩም ዓቢይ ሃይማኖታዊ ባህልን ተስፋን ሓቅን ቅድስናን ዝብሉ ክርስትያናዊ ምንዮትና ብሱታፌ ምስ እትነብሩ ምርኻበይ ዓቢይ ጸጋ እዩ ኢሎም።
ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብትኽክል ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምክብባርን ቀጻሊ ምክብባር ክህሉ እንክብል ወሲኑ እዩ። ብፍላይ ኣብቲ ዘለናዮ ዘመን እተሰምየ ውሳኔኡ ፍቅዲ ክልተ “ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣብዘን ሃይማኖታት እዚኣተን ዝርከብ ሓቅን ቅዱስን ዝኾነ ነገራት ኣይትነጽጐን ኢያ። ሽሕኳ እቲ ኣገባብን ሕገንን ትምህርተንን እናክብቲ ንሳ እትኣምኖ እተስተምህሮን ኣብ ብዙሕ ወገናት ዝፈላለ እንተዀነ ብዙሕ ጊዜ እቲ ባህለን ናይታ ንዅሎም ሰባት እተብርህ ሓቂ ጩራ ዘለዎ ስለ ዝኾነ ክብ ኣቢላ እያ እትግምቶ…” ዝብል ቃል ጠቒሶም እዚ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ደጊመን ናተይ ገይረን ብወገነይ ቤተ ክርስቲያን ንኣኻትኵምን ባህልዅምን ንእማኔዅም ዘለዋ ቅኑዕ ኣኽብሮት ደጊመ አረጋግጽ።
በዚ ናይ ምኽባር መንፈስ መሠረት ድማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንናይ መላእ ሕዝብን ሃገርን ስሪ ላንካ ምዕባለ ኣብ ምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ምሳኻትኩም ምስ ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን ትተሓባበር። እዚ ናተይ ኣብ ስሪ ላንካ ምብጻሕ ድማ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝግበር ቅድም ክብል ንዝተበገሰ ናይ ሓባር ዘተን ምትሕብባርን ዝድግፍ ኩሉ ዓይነት መገድታት ብዕምቆት ንምልላይ ዘተባብዕ ክኸውን ተስፋ እገብር።
እዚ ዝነኣድ ዝምስገንን ተበግሶታት ኵሉ ንሓድ ሕድ ክንፋለጥን ክንረዳዳእን ክንከባበርን ንደሊ እንተድኣ ኰይና ብሓቂ ዓቢይ ዕድል እዩ። ኰይኑ ግና ተመክሮታት ሕይወት ከምዘስተምህረና እቲ ዓይነት ዘተን ርክብን ስሉጡ ክኸውን መታን እቲ ቀጥተይና ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ እማኔና ብምልኣት ኣብ ዝንበርን ዝግለጽን ተግባር ዝቐውም ክኸውን ኣለዎ፣ እቲ ዘተ እምነትናን ባህልታትናን ሥርዓታትናን ሃይማኖታትናን ክሳብ ክደይ ዝተፈላለየ ምዃኑ ብርግጽ ከነጽር እዩ፣ ከምዚ እንተዀነ እውን እማኔና ብቅንዕና እነቕርብ እንተድኣ ኰይና እቲ ዝተፈለለየ እማኔና ነቲ ዘቀራርበና ናይ ሓባር ረቛሒ ዘርእይ እዩ ዝኸውን፣ ንናይ ሓባር ምክብባርን ሕድ ሕዳዊ ምድናቕን ምትሕብባርን ከምኡ እውን ንምሕዝነትን ሓደስቲ መገዲ ዘርህው እዩ ዝኸውን።
እዚ ዓይነት እወታዊ ምዕባለ ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ሓባር ርክብ ኣብ ስሪ ላንካ ፍልዩ ትርጉምን ሕጹጽ ኣገዳስን እዩ። ናይዛ ሃገር ሕዝቢ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ሕድ ሕዳዊ ቃልስን ዓመጽን ኣደዳ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ፣ ምእንቲ’ዚ ዳግማይ ግጭትን ምግምማዕን ከይፍጠር እቲ ዝሓለፈ ግጭት ዝፈጠሮ በሰላ ክሓውን ክጽገንን ንሓድነት ዝመርሕ ክኸውን ኣለዎ። ሕውየትን ሓድነትን ንምንቕቓሕ ዝካይድ ጻዕሪ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ልባቶም ናይ ሕዝብን ሃገርን ሰናይ ዘማዕድው ርእየትን ድላይን ንዘለዎም ንመላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝሓስቡ ክቡርን ዝነኣድን ጻዕሪ እዩ። ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ሓባር ርክብን ምትሕብባርን እቲ ኵሉ ዘርኢ ሰብ ክዝንግዖ ዘይብሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃይማኖታውን ባህላውን ዓሌታውን መንነት ብዘይ ምጥፋእ ተወሃሂድካ ከም ጥዑም ቅንይት ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ምንባር ዝከኣል ምዃኑ ዝምስክሩ ኰይኖም ክርከቡ ተስፋ እገብር።
ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ እዚ ንምንባርን ኣብዚ መዳይ ንምግልጋል ክኽተልዎ ዝግብኦም መገዲ ድማ ብናይ ሕውነታዊ ምትሕብባር ሰናይ ቅብኣ ንምትሕስሳብ ዘብምቕዕ ተግባር ስለ ካልኦት ምሕሳብ ብፍላይ ናይ ድኻታትን ደቀባት ሃገርን መጸናናዒ ቃል ተስፋ ሃርር ንዝብሉ መንፈሳውን ንዋታውን ደገፍ ብምቕራብ እዩ። ኣብዚ ሰዓት እቶም ኣባላት ኣባይቲ ስድራኦም ዝሰኣኑን ዝተፈለዩዎምን ሕዙናት እዝክር። ብፍላይ ንናይ ሃገርኩም መላእ ሕብረተሰብ መሰረታዊ ግብረ ገብ ንምሕናጽ ዝዓዩ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ እሓስብ፣ እቲ ኣብ መንጎ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዝግበር እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሓባር መግለጺ ዝዅነ ኣብ መንጐ ዜጋታት ስሪ ላንካ ዕርቂ ክረጋገጽ ዝፍጸም ጻዕሪ ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ናይ መንግስቲ ተቛማትን መንፈስ ሕዳሴ ክዓስል ዘብቕዕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ልቢ መንፈስ ዕርቂ የዕብይ። ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ሃይማኖታት ንውግእን ዓመጽን ዝመርሕ ምዝማዝ ይወገድ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታት ዘሎ ናብ ሰላምን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝመርሑ ሕግታት ብምልኣት ክንበርን እቲ ንዓመጽ ዝድርኽን ዝፍጸሙ ዓመጻት ከነውግዝ መታን ኣብዚ መዳይ ንነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብና ከነተባቦዕ ይግባእ።
ክቡራት መራሕቲ ሃይማኖታት ንዝገበርኩምለይ ለጋስ ኣቃብባል፣ ንዝገበርኵምለይ ኣተኵሮ ደጊመ አመስግን፣ እዚ ሕድ ሕዳዊ ሕውነትን ሕውነትዊ ምርኻብን ንኵላትና ብስንይትን ናይ ሰላም ቡራኬ ብምስፋሕ ክንነብሮ የብቅዓና እንክብሉ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.