2015-01-13 18:04:53

ሐዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ አብ ሲሪላንካ ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ሲሪላንካን ፍሊፒንን ሐዋርያዊ ከካይዱ ትምሊ አጋ ምሸት ካብ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ነቂሎም ። አብ ክልቲኤን ሀገራት ኤስያ ክፍለ ዓለም ዘካይድዎ ዘለዉ ሐዋርያዊ ዑደት መበል ሸውዓተ ሀገራት ሐቆፍ ሐዋርያዊ ዑደት ከም ዝኾነ ይፍለጥ ።ትማ አጋ ምሸት ካብ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ንሲሪላንካ ዝነቀሉ ፓፓ ፍራንቸስኮ ነተን ብልዕሊኤን ዝሐለፉወን ሀገራት ማለት ጣልያን አልባንያ ግሪኽ ኢራን ሕቡራት ዓረብ ኤሚረያት ዕማን ህንድ መራሕቲ ናይ ሰላምታ ተለግራም አተሓላሊፎም ።
ብናይ ሲሪላንካ ሰዓት አቆጻጽራ ሎሚ ረፍዲ ሰዓት ትሽዓተ ርእሰ ከተማ ኮሎሞቦ አብ ዝበጽሕሉ ግዜ አብ ዝበሕሉ ግዜ ናይ ሲሪልንካ መራሕ መንግስቲ ፕረሲዳንት ሲሪልንካን አብታ ሀገር ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪልን አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሲሪላንካ አምባሳደር ናይ ኮሎምቦ ሊቀ ጳጳሳት መእመናን ከምኡ ክአ ክልተ ሺሕ ሕጻናት ብመዝሙር ብዉዕዉዕ አገባብ ተቀቢሎምዎም ። ናይ ቅድስቲ መንበርን ሲሪላንካን ሀገራዊ መዝሙር ከም ዝተዘመሩን 21 ግዜ ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም መድፍዕ ተተኲሱ ።ናይ ሲሪላንካ መራሕ መንግስቲ ፕረሲዳንት ሲሪሰና ንቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ቃል ከም ዘስምዑ ክምልከት እንከሎ ወኪላት ዜና ራድዮ ቫቲካን ከም ዘመልክትዎ ፕረሲዳንት ሶሪሰና ብስሞምን ብስም ህዝቢ ሲሪላንካን ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ኢሎም ቅድሚ ሐደ ሰሙን መራሕ ሀገር ኮይኖም ከም ዝተመርጹ ጠቂሶም ሐላፍነተይ ምስ ሐዋርያዊ ዑደትኩም ስለ ዝተጋጠመ ጥልቂ ሐጎስ ይስምዓኒ ብማለት ቃሎም ከም ዝደምደሙን አመልኪቶም አለዉ ።
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ናይ ሲሪልንካ ርእሰ ከተማ ኮሎምቦ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ አብ ዘስምዕዎ ቃል ክቡር ፕረሲዳንት ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ክቡራን ብጹዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ርእሲ ኹሉ ንዝገበርኩምለይ ምዉቅ አቀባበል የምስግነኩም።አብ ሲሪላንካ ሐዋርያዊ ዑደት ክግበር ካብ ነዊሕ ግዜ ዝምነዮ ዝነብርኩ ኢዩ ፡ እዚ ዕለት”ዚ ክዉን ብምዃኑ ክአ ንእግዚአብሔር የመስግን ። ሲሪላንካ ሉል ህንዳዊ ውቅያኖስ ተባሂላ ከም ትሰመን ጽቡቅ ተፈጥሮአዊ ሃብቲ ከም ትውንን ጠቂሶም ብባህልን ሃይማኖትን ሀብታም ደሴት ከም ዝኾነት ገሊፆም ክቡር ፕረሲዳንት አብቲን አብ ሀገርኩም ቅድሚ ሐደ ሰሙን አብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ተዓዊትኩም ጽቡቅ ዕድል ይምነየልኩም ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳድሳት ፍቭራንቸስኮስ ብጹዓን ካርዲናላት ጳጳሳትን ኩሎም ውሉደ ክህነትን ሲሪላንካ ነ አብ ሕብረት ሰብ ዘለዎም ጊደ ዓቢ ሐላፍነት ከም ዝኾነ ጠቂሶም ሐላፍነቶም ብዝግባእ ከስልክጡ ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም አብ ደሴት ሲሪላንካ ሐዋርያዊ ዑደት ከካይድ ንዝተሐባበሩ ቤተ ክህነትን ቤርጌሳውያንን ከየመስገንኩዎም ክሐልፍ አይደልን ኢሎም ።
አተሐሒዞም ሎሚ አብዚ ምሳኻትኩም ዝርከብ ዘለኹ አብ ደሴት ሲሪላንካ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ንምክያድ ኢዩ ፡ ንካቶሊካውያንን ንክርስትያን ኩሎምን ንምብርትታዕ ምስአቶም ሀቢረ ምእንቲ ሰላም ክጽሊ መዲበ አለኹ ክብሉ አገንዚቦም ። አውራ ትሕዝቶ ሐዋርያዊ መገሻይ ክአ ንብጹዕ ጁሰፐ ቫዝ አኽሊለ ቅድስና ንምፍጻም ከም ዝኾነ ክገልጽ ይፈቱ ዝበሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ፡ ንሱ ክርስትያናዊ ፍቅሪ ዝስበኸ አብነት ዝኾነ ንድኻታት ዝሐደረ ዓቢ መንፈሳዊ ከም ዝነበረ ምውዕለ ሕይወቱ ይነግረና ኢሎም ።
አብዚ ግዜ”ዚ አብ ዓለምና ተፈላለዩ ማሕበረ ሰባት ነንሐሕዶም ክጋጨዉ ይርአዩ ከም ዘለዉ ጠቂሶም እዚ ዘሕዝን ስለ ዝኾነ ሰላም ምእንቲ ክርከብ ኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይ መሳርሒ ሰላም ክኾኑ ተማሕጺኖም።’ክቡራትን ክቡራንን ቤተ ክህነትን ሰበ ስልጣናት መንግስትን ነዚ ዝገበርኩምለይ ሕወነታዊን ድሙቅን አቀባብላ እንደገና ብልቢ የመስገነኩም አብዚ ብሐባር ነሕልፈን መዓልቲ ዕለታት ምሕዝነት ዕለታት ዘተን ምትሕብባርን ክኾና ትምኒተይ ይገልጽ ብማለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ዘስምዕዎ ቃለ ምስጋና አገንዚቦም።
ብድሕሪኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም እሰንዮምዎም ንሲሪልንካ ዝኸዱ ብፁዓን ካርዲናልትን ካህናትን ንፕረሲዳንት ሲሪልንካ አፋሊጦሞም ፕረሲዳንት ሲሪሰና ብወገኖም ንስበስልጣናት መንግስቲ ምስር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አላልዮምዎም ።ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ሃገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ኮሎምቦ ናብቲ አብታ ከተማ ዝርከብ ዕስራን ሾሞንተን ኪሎሜትር ዝርሕቀቱ ቤተ ሊቀ ጳጳሳት ተጓዒዞም ብብሕቲ ስርዓተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ወኪላት ዜና ራድዮ ቫቲካን ዝልአኹዎ ሐበሬታ አመልኪቱ ።ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ብብሕቲ ሥርዓተ ምሳሕ ከም ዝፈጸሙን ድሕሪ ምሳሕ ንርእሰ ብሔር ሲሪላንካ ማሂንዳ ፐርሲ ክበጽሑ ንቤተ መንግስቲ ተጓዒዞም ምስቶም ርእሰ ብሔር ብብሕቲ ተመያይጦም ገጸ በርከት ተለዋዊጦም ።ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ሲሪላንካ ዝተፈላለዩ ሃይማኖትታት ቡድሀ ሂንዱ ምስልምና ክራኸቡ ንሀገራት ሐቆፍ ማእከል አዳራሽ ተጓዒዞም ነቶም አብቲ አድራሽ ክጽበይዎም ዝጸንሑ መራሕቲ ሃይማኖታት ሰላምታ ሂቦም አብ ቃል ፡ ብድሕሪዚ ናብቲ አብ ርእሰ ከተማ ኮሎምቦ ዝርከብ ቤተ ሊቀ ጳጳሳት ተጋዒዞም ናይ ኮሎምቦ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ አቡነ ካርዲናል አልበርት ማልኮልም ራንጂትን ብጹዕን ጳጳሳትን ከም ዝተቀበልዎምን ድሕሪ ሐጺር ግዜ ብብሕቲ ስርዓተ ድራር ፈጺሞም ። በዚ ክአ ናይ ዚ ዕለት”ዚ ውዕሎኦም ከም ዝዛዘሙ ንፓ ፍራንቸስኮስ ዘሰንዩ ዘለዉ መራኸቢ ቫቲካን አፍሊጦም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.