2015-01-10 15:38:40

ኣመሪካዊት ናይ ፊልም ተዋሳኢትን ኣሰናዳኢትን ኣንጀሊና ጆሊየ ኣብ ሃገረ ቫቲካን


RealAudioMP3 ኣመሪካዊት ናይ ፊልም ተዋሳኢትን ደራሲትን ኣንጀሊና ጆሊየ 9 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ዘይስቡር ዝብልን ካልኣይ ዝደረሰኦን ዝቐረጾኦን ሓድሽ ፊልም ኣብ ኢጣሊያ ካብ ዕለት 29 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ብወግዒ ንምርኢት ኽቐርብ ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቛም ሕንጻ ፒዮስ ራብዓይ ቀዳማይ ምርኢት ምስ ኣቕረባ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተራኸባ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሉካ ፐለግሪኒ ሓቢሮም።
እታ ጆሊየ ዝቐረጻኣ ፊልም ህላዌን ተጻዋርነትን ዳግመ ብጋሰን ዘጠቓልል ናይቶም ናይ ኢጣሊያ መበቆል ዝነበሮም ኣመሪካዊ ልዊስ ዛምፐሪኒ ኣብ በርሊን ኣብ 1936 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር ናይ ማእከላይ ርሕቕት ውድድር ጉያ ኰኾብ ዝዀኖም ዝተሸለሙን ኣብ 1943 ዓ.ም. ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ውትህድርና ዓለም ተጸንቢሮም ኣባል ሓይሊ ኣየር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኰይኖም ድሕሪ ፒርል ሃርቦር እታ ዘብርርዋ ዝነበረት ናይ ውግእ ነፋሪት ብሓይሊ ምክልኻል ጃፓን ተወቒዓ ኣብ ማእከል ቀላይ ኦቻይና ምስ ወደቐት ምስ ሰለስተ ብጾቶም ኣብቲ ቐላይ ድሕሪ ነዊሕ ስቓይ እቶም ሓደ ኣብቲ ቓልይ ክስውኡ እንከለዉ ንሶምን እቲ ካልኣይ ብጻዮም ናብ ገምገም ባሕሪ በጺሖም ምስ ደሓኑ ብወተሃደራት ጃፓን ተታሖዞም ናይ ውግእ ምሩኽ ኰይኖም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጃፓን ተዳጕይኖም ብዙሕ ስቓይን መከራን ዘጓነፎምን ኣብ ውግእ ካብ ዝተሰውኡ ወተሃደራት ተባሂሎም ክግለጹ ከምዝጸንሑን ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ንናይ ጅግንነት ሽልማት ዝበቕዑን እቲ ዘሕለፍዎ ናይ ውግእን ቤት ማእሰርትን ስቓይ ተዘክሮ ናይ እዕምሮ ጸቕጢ ኣሕዲሩሎም ካብቲ ተዘክሮታት ንምልቓቕ ናይ ኣልኮል መስተ ውሉፍ ኰይኖም ድሕሪ ምጽናሕ እምነት ክርስትና ተቐቢሎም ብተስፋ ክርስትና ዳግማይ ተወሊዶም ነቶም ኣብ ስቓይን መከራን ጽንኵር ኩነትን ንዝርከቡ መንእሰያት ኣብ ምእላይ ተዋፊሮም ኣብ ይቕረ ምባልን ተስፋን እምነትን ፍቕርን ብምትብባዕ ተጊሆም ምንጪ ሓጐስ ምሕረትን ምምሓርን ምዃኑ ብቓልን ተግባር ዝመስከሩ ኣብ 97 ዓመት ዕድሜኦም ዕለት 2 ሓምለ 2014 ዓ.ም. ካብዚ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ታርኽ ሕይወት ደራሲት ላውራ ሂለብራንድ ኣብ ዝደረሰኦ ዛንታ ሓቂ ዘመርኰሰት ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ሕይወት ዝሕድስን እቲ ቅድሚ ምሳኡ ምርኻብካ ኣብ ካልእን ኣሉታዊ ተግባራት ዝውዕል ዝነበረ ሓይሊ ምስኡ ምስ ተራኸቡ ኣብ ሰናይ ዘውዓሉ ዓቢይ ናይ ሕይወት ኣብነት ንናይ ብዙሓት ምልዋጥን ኣብ ሰናይ መገዲ ንምርኻብ ዘተባብዕ ፊልም ምዃኑ ጆሊየ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.