2015-01-10 17:06:20

ንእግዚአብሔር ዘፍቅር ሓራ ኢዩ! መንፈስ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ ንልቢ ደቂሰባት ዝኸፍት፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ንግሆ አብ ቤተ መቅደስ ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕቲ ቅዳሴ “ንልብና ብትሕትናን ተአዝዞን ንእግዚአብሔር ንሓርነቱን ዘርሕዎ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ” እንክብሉ ንልብና ክዓጽው ንዝኽ እሉ ነገራት ብምዝርዛር ገለ ካብዚኦም ሥቃያትን ቃልስን ሕይወት ኮይኖም ፍቅሪ ግን ንልብና ብምኽፋት ሓርነት ከልብሰና ከምእትኽእል ገሊጾም፣
ቅዱስነቶም ከም መበገሲ ሓሳብ ዝተጠቅሙሉ ግልጸት እግዚአብሔርን ብርሃን ክርስቶስን ክረኽቡ ዘይከአሉ ደቂ ሰባት ዝጥቀሙሎም ከም ዮጋ ዝበሃል ገድሊ ሕይወትን ዘን ዝብልዎ መንፈሳዊ ትምህርትን ተመኵሮን ንወዲ ሰብ አቦነት እግዚአብሔር ክገልጹልስ ይኹኑ ሓርነት ለቢሶም ንኸፍቅርዎ ክምህሩን ከንቀሳቅሱን ከምዘይክእሉ ድሕሪ ምግላጽ አብ ዕለቱ ዝተነበ ክፍሊ ወንጌል ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቁሩብ እንጌራ ንብዙሓት ዘጽገበሉ ፍጻሜ ስዒቡ ዝትረኽ ኢየሱስ ብማየ ማይ እናተጓዕዘ ብህቦብላ አብ ማእከል ባሕሪ ተጨኒቆም ንዝነበሩ ሓዋርያት አነ እየ አይትፍርሑ እናበለ ዝሓገዞም ዝገልጽ ክፍሊ ምልስ ብምባል “ሽሕኳ ሓዋርያት ነቲ ተአምር ናይ ምብዛሕ እንጌራ ብዓይኖም እንተረአይዎን ባዕሎም እንተአሳሰዩን ልቦም ተሪሩን ተዓጽዩን ስለዝነበረ ክርዶኦም አይከአለን” ብማለት ተሪር ልቢ ንኩሉ ከምዝዓጹ ከምዚ ክብሉ ገለጽዎ፣
“ልብና ብብዙኅ ምኽንያት ከም እምኒ ክተርር ይኽ እል፣ ንአብነት ብርቱዕ ጸገም ከጓንፈና እንከሎን ፍርሂ ክውሕጠና እነከሎን ልብና ክድንዝዝ ይኽእል፣ እዚ ጸገም እዚ ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ነቶም ጕዕዞ ኤማኡስ ዝጀመሩ ሓዋርያት ከሸግሮም ይረኤ፣ ብምሉእ ልቦም ንኢየሱስ ከምዝመስሎም አሚኖም እንክኽተልዎ ዘይሓሰብዎ ምስ ረኸቦም ኩሉ ጋን ኮኖም ልቦም ተዓጽወ ወላውን ምስኦም ሓቢሩ ክጐዓዝን ብዛዕባ ቃል አምላኽ ክዛረቦን ቍሩብ ሙቀት አብ ልቦም ደአ ይሰመዓዮም እምበር ደጊም አኸለ ድሕሪ ደጊም አብ ዝብል ደረጃ ፍርሒ ስለዝበጽሑ ደንዘዙ፣ ብካልእ ወገን ከአ አብ ገዛ ር እስኻ ተዓጺኻ ምስ እትተርፍ ድንዛዜ ልቢ ክመጽእ ከምዝኽእል ናይ ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያ አነ እንተዘይርእየን እንተዘይተንኪፈን አይእምንን እንክብል ነቶም ትንሣኤ ክርስቶስ ዘበሥርዎ ምቅባል አብዩ ደሪቁ ምትራፉ ንምልከት ይከአል፣ እዚ አብ ገዛእ ርእስኻ ምዕጻው እዚ ብግሊ ይኹን ብማኅበር ከጋጥም ይኽእል፤ ገለ ዕጽዋት ጉጅለታት ክርስትያን ከማኡ እውን ገለ ቍምስናታት ወይውን ማኅበረ ክርስትያን ከይተረፈ ክንዕዘቦ ንኽ እል ግን ወትሩ ተዓጺኻን ተዓኒድካን ደሪቅካን ምትራፍ ምዃኑን ልብኻ ተሪሩ ከምዝተርፍን ርዱእ ኢዩ፣ እዚ ትሪ ልቢ እዚ ብኻልእ ብዙሕ ምኽንያታት እውን ክኸውን ይኽእል፤ ንምጥቃስ ዚአክል ትዕቢትን ካል ኦት አይድልዩንን ኢዮም ር እሰይ ዝኸአልኩ ኢየ ዝብል ሓሳን ጃህራን መን ከማይ በሃልነትን መናድቅ ኮይኖም አብ ገዛእ ር እስና ተዓጺና ተረርቲ ልቢ ከም እንኸውን ክገብሩና ይኽእሉ፤ እዚ ከአ ሰብ ከይቀርበና እንሃንሶ ተሪር ድፋዕ ኢዩ፣ ዝገደደ ከአ ንሕግታት ከውሊ ብምግባር ዕሉል ፈሪሳውነት ብምፍጣር ውሕስነት ካብ ሕጊ ገሮም ዝግምቱ ወላ ነቲ ትእዛዛት እግዚአብሔር እውን በዚ ዓይኒ እዚ ዝምልከቱ አለው፣ እዚኦም ሰባት እዚኦም ግን ሓርነት ዘይብሉ ውሕስነት ስለዝ አምኑ ገና እሱራት ኢዮም፣ ኢየሱስ ከአ ካብዚ ዓይነት ባርነት ኢዩ ሓራ ከውጽአና መጺኡ፣ ልቢ እንተተሪሩን እንተደሪቁን ሓራ አይኮነን ከፍቅር እውን አይክእልን፣ ስለዝኾነ ከአ ቅዱስ ዮሓንስ አብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ፍጽምቲ ፍቅሪ ንፍርሂ ተወግዳ፤ አብ ፍቅሪ ፍርሃት የሎን፣ እዚ ፍርሃት እዚ ፍርሃት ናይ መቅጻእቲ ስለዝኾነ ገና ሓርነት የለን፣ ካብዚ ኩሉ ሓራ ዘውጽ አናን ንከንፍቅር ዝምህረናንከስ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ ስለዝኾነ ዝገበርካ እንተገበርካ ኢየሱስ ጐይታ ኢዩ ቢልካ ክትድሕንስ ይኹን እግዚአብሔር አቦይ ኢዩ ቢልካ ንክትቅበል አይትኽእልን፣ ስለዚ ንትሪ ልብና ክአሊ ዝኽእልን ከምቲ ኤርምያስ ነቢይ ዝብሎ ነቲ ናይ እምኒ ልቢ አልዩ ልምሉም ናይ ሥጋ ልቢ ክትክእ ዝኽእል መንፈስ ቅዱስ ጥራይ ስለዝኾነ ንናይ ፍቅሪ ሓርነት ልብና ብምኽፋት ከለስልሰልና ንመንፈስ ቅዱስ ልብና ንኽፈት፤ ነዚ ገርና ንክንክ እል ከአ ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.