2015-01-10 15:33:44

ቫቲካን፦ መዓልቲ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ንሃይቲ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ክስተት ርእደ መሬት


RealAudioMP3 ኣብ ሃገረ ቫቲካን “ሱታፌ ቤተ ክርስቲያን፣ ተዘክሮን ተስፋን ንሃይቲ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ክስተት ርእደ መሬት” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ብድላይን ውሳኔን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተጠልበ መዓልቲ ሓገዝን ምትሕብባርን ንሃይቲ ዘቕንዔ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 10 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርቶ ፒየርማሪኒ ሓቢሮም።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ሓይቲ ዝተኸስተ ርእደ መሬት 230 ሺሕ ንሞትን 300 ሺሕ ንመቝሰልትን ሓደ ሚሊዮንን 200 ሺሕ ድማ ብዘይ ንብረትን ኣባይትን ከምዘትረፈ እንክዝከር ናይ ሃይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ልኡካን ተሳተፍቲ ጉባኤ ዝመርሑ ብፁዕ ካርዲናል ላንግሎይስ ክዀኑ እንከለዉ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ዝተፈላለዩ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ወከልቲ ዓበይቲ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ወከልትን ናይ ደገፍን ሓገዝን ሓልዮ ማሕበራት ልኡካንን ናይ ዝተፈላለያ መንፈሳውን ገዳማውን ናይ ደናግልን ካህናትን ኣሓውን ማሕበራት ዓበይቲ ኣሕሉቕን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት እውን ከምእተሳተፉ ፒየርማሪኒ ገሊጾም።
ብዛዕባ ደገፍን ምትሕብባርን ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ክስተት ርእደ መሬት ኣብ ሃይቲ ዝዘተየ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ጳጳሳዊ ናይ ውህድ ልቢ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ጃንፒየሮ ዳል ቶሶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ ኣብ ሃይቲ ድሕሪ እቲ ክስተት ሓደገይና ርእደ መሬት ነታ ሃገር ብዝተፈለላየ መዳይ ዝቐረበ ሓገዝን ደገፍን ዝነኣድ እውን እንተዀነ ነዚ ፍጻሜ’ዚ ንምብዓል ዝካይድ ዓውደ ጉባኤ ዘይኰነስ እቲ ነታ ሃገር ኣዚዩ ኣድላዪ ዝዀነ መደብ ዳግማይ ሕንጸት ክብ ብዝበለ ደረጃ ንምትብባዕን ዝኣመተ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ድሕሪ እቲ ክስተት ርእደ መሬት ንሓይቲ ደገፍ ዝኣመተ ሓፈሻውን ኵላውን መደባት ተነቓቒሑ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ፣ ጳጳሳዊ ናይ ውሁድ ልቢ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፅዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራህ እውን እቲ ርእደ መሬት ኣብ ዝተኸስተሉን ድሓር እውን ድሕሪ ሓደ ዓመት ክስተት ርእደ መሬትን ኣብ ሃይቲ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞምን ነቲ ዝተጐድኤን ዝተመዛበለን ሕዝቢ በጺሖም ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ቅርበትን ደገፍን ብቓልን ተግባርን መስኪሮም ከምዝነበሩን እቲ ደገፍን ሓገዝን ሕጂ እውን ይቕጽል ከምዘሎ ሓቢሮም ነቶም በቲ ርእደ መሬት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ናይ ሃይቲ ርእሰ ከተማ ጳጳስ ዝትክኡ ብቕልጡፍ ከምእተሾሙ እውን ዘኪሮም፣ ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ኣቢያተ ክርስቲያን ከምእተሓንጸ ኣመልኪቶም። እዚ እዅል እዩ ማለት ኣይኰነን፣ እታ ሃገር ድሕሪ እቲ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ዝባደመ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ መዋቕራትን ኣባይትን ምሉእ ብምሉእ ዳግም ተሓኒጹ ብቑዕ ኣገልግሎት ንኽህብ መታን እቲ መደብ ዳግማይ ሕንጸት ሃይቲ ክበራታዕ ኣለዎ፣ እዚ እዩ ድማ እቲ ዕላማ ናይቲ ብድላይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተጠልበን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፣ ብኻልእ መዳይ ድማ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ንዋታዊ ደገፍ ንምብራትዕ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ዳግማይ ሕንጸት ሰብኣውነት ዘተባብዕ እዩ፣ እዚ ዝተማልኤ ደገፍ ንናይ ሓይቲ መጻኢ መሠረት እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.