2015-01-08 17:44:04

ማኅበረሰብ ብዘይ አደ ኢሰብአዊ ኢዩ፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ናይ 2015 ዓምፈ ፈላሚ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ አቀዲሞም ብዛዕባ ሥድራቤት ዝጀመርዎ አስተምህሮ ብምቅጻል “ማኅበረሰብ ብዘይ አደ ኢሰብአዊ ኢዩ” እንክብሉ አደ ሃናጺት መንነት ደቂ ሰባት ምዃና ገሊጾም፣
ብልማድ አደ ብዙሕ እትነአድን ብዛዕባ ዝዝረብን ክንሱ ብተግባር ግን ብዙሕ ክትሕገዝ ከምዘይረኤ ዝገለጹ ቅዱስነቶም አተሓሒዞም “አብ ስድራቤት ወትሩ አደ አላ፣ ነፍሲወከፍ ፍጡር ወዲ አዳም ሕይወት ካብ አደ ኢዩ ዝልገሰሉ ነቲ ድሕሪ ምውላዱ ዘማዕብልዎ መንነትን ናብራን መንፈሳውን ሰብአውን ሕንጸት እውን ዝበዝሐ ካብአ ኢዩ ዝቅበሎ፣ ኮይኑ ግን እዚ ቍምነገር እዚ አምሳላዊ ጥራይ ብምዃን አብ ግጥምን መዝሙርን ዜማን መን ከም አደ ቢልካ እናደረፍካ ብተግባር ግን አብቲ እተበርክቶ ዕለታዊ ሕይወታ ብዙሕ ከይተዘከረትን ከይተሓገዘትን ትተርፍ፣ እዚ መሠረታዊ አበርክቶ እዚ እውን አብ ኅብረተሰብ ተዘንጊ ዑንረኽቦ፣ እኳ ደአ ብዝገደደ ብስም አደ እናነግድካ አብ ብዙኃት ማኅበረሰባት ነቲ ንደቀን ክብላ ዝኸፍላኦ መሥዋዕቲ ብምምዝማዝ ክብለጹለን ይረኤ፣” እንክብሉ አደ ገና ዝግባእ ቦታን ክብርን ከምዘይተዋህባ ምስ ገለጹ ዝገደደ ከአ ነደ ጽን ቢሉ ዝጸምዕ ማኅበረሰብ ይኹን ማኅበረ ክርስትያን ገና ከምዘየሎ እውን አብሪሆም፣
አካደ “አብ ማኅበረ ክርስትያን እውን እንተኾነ አደ ዝግብአ ቦታ አይረኸበትን! ጽን ቢሉ ዝሰምዓ ዳርጋ የለን! ኮይኑ ግን ዓንደ ሕቈ ቤተ ክርስትያን አደ ኢየሱስ ከምዘላ ምዝካር የድሊ፣ ስለዚኸስ እተን ምእንቲ ደቀን ይኹን ብዙሕ ግዜ እውን ምእንቲ ካልኦት ብዙሕ መሥዋዕቲ ክኸፍላ ድልዋት ዝኾና አደታት ብዙሕ ክስማዓሉ ዝኽ እላ ቦታ ክወሃበን አለወን፣ አብ ዕለታዊ ሥርሐን ንጡፋት አብ ጉዳይ ሥድራቤት ጥንቁቃትን አፍቀርትን ዝኾና አደታት ነቲ ዝበለጸ ፍረ ጻዕሪ ክህባ ዘካይዳኦ ቃልስን ንሓቀኛ ሓርነት ዝብህጎኦን ክንርደአለን የድሊ፣ አደ ምስ ደቃ ወትሩ ጸገማት ምስ አጓነፋን ወትሩ ምስ ሠርሔትን ኢዩ፣ ይዝከረኒ አብ ገዛና ሓምሽተ አሕዋት ነርና ነፍሲ ወከፍና ሓደ ነገር ክንገብር መስኪነይቲ አደና ግን ካብ ሓደ ናብ ሓደ ትጻፋዕ ነራ ኮይኑ ግን ብጣዕሚ ሕጕስቲ ነራ፣ ብዙሕ አወፍያትልና ኢያ፣” ብማለት ብጭብጢ አብነት ገዛኦም ብምጥቃስ አደ ናይ እትኸፍሎ መሥዋዕቲ ድሕሪ ምግላጽ አደ ከም ጸረ ሕንዚ ኮይና ንግላውነትን ንዓይ ይጥዓመንን ሕማማት ኅብረተሰብ ከም እትፍውስ እውን ገሊጾም፣
“አደታት ነቲ ናይ ብሕቲ ጥቅሚ ዝድልን ንአይ ይጥዓመኒ ዝብል መርዚ ሕብረተሰብ ከም ጸረ መርዚ የገልግላ፣ ውልቂ ክንብል እንከሎ ዘይምቀል ኢዩ፣ አደታት ግን ይመቃቀላ ንብዙሕ ይኾና፣ ካብቲ ሕጻን ክወልዳ አብ ክልተ ዝምቀላ ክሳብ ዓቢዩ አብ ቍምነገር ዝበጽሕ መቂለን እናሃባ ኢየን፣ ነቲ ንደቀን ዝቀትል ውግእ ዝጸልአ ብቀዳምነት አደታት ኢየን፣ ብዙሕ ግዜ አብ ሓንጐለይ ኮይኑ ዝህውጸኒ ናይተን “ወድኺ አብ ግንባር እከለ ሃገሩ ክከላኸል ተሰዊኡ ወዲቁ…” ዝብል መልእኽቲ ዝቅበላ አደታት ኩነት ኢዩ፣ ይዋእ አደታት! ከም ወላዲት አደ ኰና ምስቃይ ክንደይ ኮን ይሓስም! ንሰን ጥራሕ ኢየን ጣዕምን ጽባቀን ሕይወት ክምስክራ ዝኽእላ” ብማለት ንሕይወት ዘዕኑ ውግእ ይኹን ካልእ ዓመጽ ብቀዳምነት ነደታት ከምዘቍስልን ከምዘሳቅን ገሊጾም እንከብቅ ዑ አደ ዘይብሉ መቀረት ዘይብሉ ጥራይ ዘይኮነስ ማኅበረሰብ ብዘይ አደ ኢሰብአዊ ኢዩ፣ ምዃኑ ገሊጾም፣ ነዚ ንከብራህርሁ ከአ ነቲ ብ1980 ዓምፈ አብ ሳልቫዶር ደቡብ አመሪካ ዝተቀትለ ሊቀ ጳጳሳት ነፍሰኄር ብፁዕ አቡነ ሮመሮ ብዛዕባ አደታት “ሰማዕትነት አደ” ብማለት ዝተናገሮ ዘኪሮም፣ እዞም ዝክረ ጥዑም አቡን እዚኦም አብ ቀብሪ ሓደ በዞም ዓመጽቲ ዝተቀትሉ ካህን እንክሰብኩ “ሰማዕትነት ደምካ ነጥቢ ብነጥቢ እናሃብካ አብ ጽምዋን ጸሎትን ዕለት ዕለት ክፍጸም ይከአል፣ እዚ ከአ ከምቲ ሓንቲ አደ ብዘይ ፍርሒ ተጻይ ኩሉ ቅትለትን መቅዘፍትን ዓመጽን ሰማዕትነት አደ ንምፍጻም ሕጻን ጸኒሳ እትወልዶን እተጥብዎን እተዕብዮም ብፍቅራ እትናብዮን ኢዩ፣ እዚ ከአ ሕይወት ምልጋስ ይበሃል እዚ ሰማዕትነት ኢዩ፣ አደ ምዃንከስ ቈልዓ ምውላድ ጥራይ ዘይኮነ ሕይወት ምምራጽ ሕይወት ክትህብ ምምራጽ ኢዩ፣ በዚኸስ ማኅበረሰብ ብዘይ አደ ኢሰብአዊ ኢዩ፣ ምኽንያቱ አደታት ወላ አብ ሕሱም ጊዜ ብርኅራሔን ፍቅርን ተወፋይነት ሞራላዊ ኃይልን ወትሩ ክምስክራ ዝ ኽ እላ ንሰን ኢየን፣
አደታት መላእ ዓለም ምስጋና ይብጻሕክን፣ አደታት ሕይወት ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ዓሚቍ ትርጉም ሃይማኖት እውን የመሓልልፋ ኢየን፣ ሕጻናት አብቲ ዝመሃርዎ ቀዳሞት ጸሎታተ ናይ አምልኾን ስግደትን ተግባራት ካብ አደ ይቅበሉ ስለዚኸስ ንውርሻ እምነት እውን ወዲሰብ ካብ አደ ኢዩ ዝወርሶ፣ እዚ መልኽቲ እዚ አደታት ብዘይ ውረድ ደይብ ብቀሊሉ ንፍረ ማሕጸነን ዘመሓልልፋኦ ኢዩ፣ እዚ ወርቃዊ ግዝያት ኢዩ፣ ብዘይ አደታት ሽግር ስእነት ሓደስቲ አመንቲ ጥራይ ዘይኮነ እምነት ነዚ ብገርህነት ዝወራረሶ ዕምቈትን ጽባቀን መጥፈኤ፣ በዚ ከአ ቤተ ክርስትያን አደና ኢያ ንብል ንሕና ዘኽታማት አይኮነን አደ እምነት አላትና፣ እኖና እግዚ እትነ ማርያምን ቤተ ክርስትያንን ወላዲት አደናን አለዋና ዘኽታማት አይኮናን ደቂ አደታትና ደቂ ማራያም ደቂ ቤተ ክርስትያን ኢና፣
ዝኸበርክን አደታት እግዚአብሔር ይሃበልና ስለቲ አብ ስድራቤት ይኹን አብ ቤተ ክርስትያን ከማኡ እውን አብ መላእ ዓለም እተበርክታኦ እግዚአብሔር ይሃበልና፣ ኦ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ንስኺውን አደ ስለዝኾንክና እግዚአብሔር ይሃበልና፣ አደ እግዚአብሔር ዝኾንኪ አደና ማርያም ንኢየሱስ ንምር አይ ዘብቃዕክና እግዚአብሔር ይሃበልና፣ እንክብሉ ምስ አመስገኑ ነተን አብቲ ቅርዓት ዝነበራ አደታት ከአ ብጣቅዒት ነመስግነን ቢሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.