2015-01-03 15:57:00

ኰንጐ
ብፁዓን ጳጳሳት፦ መጋበርያ ሰላም ንዅን


RealAudioMP3 ናይ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምኽንያት በዓለ ልደትን ሓድሽ ዓምትን ንናይ ሃገሮም ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን “መጋበርያ ሰላም ንዅን” ዝብል ዓቢይ ናይ ተስፋን እምነትን ፍቕርን ምዕዶ ዘጠቓልለ ናይቲ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላስ ድጆሞ ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ እቲ ናብ ምእመናንን ውሉደ ክህነት ገዳማውያንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ዝብል መልእኽቲ ናይ በዓለ ልደት ፍሱህ ተስፋ ሰላም ክማእከልን ክድለን መጋበርያ ሰላም ምዃንን ኩሉ ናይ ሰላም ምስክር ክኸውን ሰላም ኣብ ልቡን ኣብ ተግባርን ከቓልሕ ናይ ሐዋርያዊ ግብር ኖልዎ ማእከል ክኸውን ዘተሓሳስብ ቃል ዝተነብሮ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ካህናትን ገዳማውያንን ደናግልን ውሉደ ክህነትን ኣብ ናይ ወንጌላዊ ሰላም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክተግሁ ዝተሓሳስብን፣ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ዘጋጥም ሽግር እውን ርኡይ እንተዀነ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትን መነባብሮን ህያውነት እምነት ብምምስካር ዝነብርዎ ምስክርነት ነቲ ናይ ሰላም ወንጌል ሓይሊ መስካሪ እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
ዓመጽ ክዕገትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክዕቀብን ክኽበርን ዘተሓሳብ መልእኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ኰንጎ እቲ ዝቀራረብ ዘሎ ሕዝባዊ ምርጫ ዘተኣታትዎ ዘሎ ማሕበረ-ፖሊቲካዊ ውጥረትን ዓመጽን ምስቲ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኤኮኖሚያውን ቁጠባውን ቅልውላው ሃሳይ ምሕደራ ናይ ሕርሻ ፖለቲካን ብዘተኣታትዎ ዓመጽ ይገድድ ከምዘሎን፣ እዚ ውጥረት ፍትሕን ማዕርነትን ናይ ስበኣዊ መሰልን ክብርን ብምኽባር ጥራሕ ክውገድ ከምዝኽእልን፣ ጉጉይ ኣጠቓቕማ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ንሱ ድማ እቲ ኣብታ ሃገር ዝረአይ ዘሎ ኣሉታዊ ኩነት ንናይ ውልቃዊ ረብሓ መጋበርያ ብምግባርን ከከም ብውልቃዊ ፖለቲካዊ ረብሓ ምንባቡን ምግላጹን ዓይነት ዝረአዩ ፈነወ ዜናታትን ትንተናን ንገዛእ ርእሱ ዓመጽ እዩ፣ ስለዚህ ዓመጽ ብዅለ መዳዩ ክውገድ ኣብታ ሃገር እትርከብ ክቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ዜጋታት ድምጺ ፍትሕን ሰላም ኰይና ናይ ሰላምን ፍትሕን ማዕርነት ጸዋዕታ ተቕርብ እያ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ መልኽቲ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ፍትሕን ሓቅን ናይ ሰላም መሠረት ምዃኖም ዘቓልሕ መልእኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ፣ እቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመስከረ ኵላዊ ሕይወት ንምምስካር ማሕበረ ክርስቲያን ጽዉዕ እዩ፣ ዓመጽ ኣብ መንጐ ፍጥረት ሰብ ዘሎን ምስቲ ዓመጽ ኣብ ዘለሉ ቦታ ዘይነብር እግዚኣብሕር ዘሎ ርክባት ይሃስን የመዛብልን፣ ምእንቲ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ስድራ ቤት እግዚኣብሔር፣ ኣብ ኣፍሪቃ ኩሉ እውነተይና ናይ ሓንቲ ስድራ ክቡራት ዋጋታት ዝነብር ሰላማዊ ሕብረተሰብ ክህነጽ ኩለ መዳያዊ ኣገልግሎት ተቕርብ፣ ንኹሎም ናይ ክርስቶስ ምሕረትን ሰላም እተቕርብ ናይ እውነተይና ዕርቂ ሥፍራ ክትኸውን ዝተጸውዔት እያ ዝብል ሓሳብ እውን ዝተንብሮ ከምዝኾነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
መንእሰይ ወለዶ ኣብ ዕርቂ ምህናጽ ናይ ሰላም መጋበሪያ ምስ ምዃን ድማ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ናይ ዕርቅን ሰላምን ባህሊ ብምህናጽ ኣብ ሰላምን ዕርቅን ዝኣምን መጻኢ ሕብረተሰብ ውሕሱ ንምግባር ዝምዕድ ናይ ኰንጎ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መልእኽቲ ሓድሽ ወለዶ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ሓቅን ፍትሕን ፍቅርን ሰላምን ምሕናጽ ግዴታ እዩ። ግዴታዊ ልዑልን ክቡርን ሓላፍነት እዩ። እዚ ድማ ንብሉጽ መጻኢ መሠረት እዩ። መንእሰይ ወለዶ ብጠቕላላ ዜጋታት ኣብ ምኽባር ሕግን ስርዓትን ብምህናጽ ሕጋውነት ምስፋሕን በዚ መገዲ’ዚ ድማ ዕርቂ ብምርግጋጽ ናይ ኩሉ ዜጋ ሰብኣዊ ክብሪ ብምኽባር ጎደና ነባሪ ምዕባለን ሰላምን ምቕናዕ ዝከኣል እዩ ብዝብል ሓሳብ ብፁዓን ጳጳሳት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.