2015-01-03 15:53:02

ቅድስቲ መሬት
ብፁዕ ኣቡነ ትዋል፦ ሰላም ብሓይሊ ዝቐርብ ትእዛዝ ኣይኰነን


RealAudioMP3 ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተብዕሎ ናይ ሓድሽ ዓመት መባእታ ዕለት 1 ጥሪ በዓለ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እመ ኣምላክ ምኽንያት ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ትዋል ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰላም ሰማያዊ ህያብ ደኣ እምበር ዝልወጥን ዝሽየጥን ካብ ወጻኢ ዝጥለብ ንብረትን ወይ ድማ ብጸቕጥን ብሓይልን ዝቐርብ ትእዛዝ ኣይኰነን፣ ወዲ ሰብ ክትግብሮ ኣብ ዕለታዊ ኩነቱ ክኽውኖ ብእምነት ዝትዓደሎ ጸጋ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዝተሰምረሉ ስብከት ከምዝለገሱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ሕውነት ምልክት እዩ፣ ንሕና ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብዚ ኣዚዩ ብግጭትን ውጥረትን ዝደምይ ዘሎ ከባቢ ዓለም ናይ ህያው ሕውነት ምልክታ ክኸውን ዝተጸውዓ እዩ፣ ስለዚህ ኣሕዋት ንምዃን ናይ ፍቕሪ ስራሕን ብዘይ ደረት ኣልቦ ንማሕበራውን ሃይማኖታውን ፍልልይ ናይ ምትሕብባርን ምቅርራብን ሕቶ ምዃኑ ካብ ሶሪያን ዒራቕን ተመዛቢሎም ኣብ ዮርዳኖስ ዝነብሩ ስደተይናታት ብእነቕርቦ ግብረ ሰናይ ዝምስከር ዘሎ ተግባር እዩ። እዚ ግብረ ሰናይ’ዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ በቶም መኽረርቲ ሃይማኖተይናታት ብዝፍጸም ጸረ ሰብኣዊ ገበን ኣብ ፈተነ ከምዝወደቐን፣ እዚ ድማ ነቲ ሕውነትን ምትሕብባርን ክነብር ዝተጸውዔ ዜጋ ብድሆ እዩ፣ ቅድስቲ መሬት እቲ ሕውነትን ምትሕብባርን ዝብል ጸዋዕታኣ በቲ ናይ ህብዚ ሽግር ናይ ገዛእ ርእሶም ዘይገብሩ ዝተፈላለዩ ፖለቲካ ምኽንያት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ ኣሎ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፦ ሰላምን ፍትሕን ሓደ ስም እዩ ዘለዎም ንሱ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ፍትሕን ሰላምን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ካብ ዝብል ሓሳብ ነቒሎም ብፁዕ ኣቡነ ትዋል፦ ኣብ መንጐ ኣብቲ ዓቢይ ዓመጽ እትነብር እታ ስለስተ ሳዕ ቅዳስቲ ዝዀነት ኢየሩሳሌም ነቶም መኽረርቲ ሃይማኖተይናታት ድላይን ዕላማን ኢዳ ከምዘይትህብን ሓደግትን ገበርትን ክዀኑ ብሱቕታ እትምልከት ከተማ ኣይኰነትን፣ እዚ ሓይላ ድማ እቲ ኣብ ሰላም ዘለዋ እምነት እዩ፣ ሽሕ’ኳ ስቓይ ዘስፍሑ ኢፍትሃውነት ዝረኣየላ ከተማ እውን እንተዀነ ኣብ ሰላም ዘሎ እምነትና ኣይነቕሕም፣ ሰላም ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ፍትሒ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ ዝብከት ከምዘጠቓለሉ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.