2015-01-03 16:03:16

ማሕበርሰብ ታይዘ
ሓው ኣሎይስ፦ ናይ ኤውሮጳ መንእሰይ ኣብሳሪ ተስፋ


RealAudioMP3 ናይ ታይዘ ማሕበረሰብ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ብምኽንያት መእተዊ ሓድሽ ዓመት ካብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ መንእሰያት ናይ ሓባር ርክብን ጸሎት ኣስተንትኖን መሠረት ዘካይዶ ዓውደ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ 2014 ዓ.ም. ፍጻሜን መባእታ ሓድሽ ዓመት 2015 ዓ.ም. ኣብ ፕራግ ኣብ ዘካየዶ መደብ ልዕሊ 30 ሺሕ ዝግመቱ መንእሰያት ከምእተሳተፉ ናይ ታይዘ ማሕበረሰብ ጠቕላሊ ሓለቓ ሓው ኣሎይሰ ሓቢሮም፣ ብብዝሒ ተሳተፍቲ መንእሰያት ብቐዳምነት ኢጣሊያ ቀጺላ ፖላንድን ኡክራይንን ከምዝነበራ ድማ ገሊጾም፣ ብሓቂ ኣብቲ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖምያውን ቅላውላው ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም መንእሰይ ወለዶ ኣብሳሪ ተስፋ ክኸውን ዘተባብዕ ርክብ እዩ ኔሩ እንክብሉ ብዛዕባ ናይ ፕራግ ርክብ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣግልግሎት ሓቢሩ።
ነቶም ዝተደናገሩን ብዝተፈላለየ ጸገምን ሽግርን ዝተጠቕዑ መንእሰያት ቀረባ ምዃኑን ብፍላይ ድማ ነቶም በቶም ጉጅለታት መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልም ዝሰሓቡን ዝታለሉን መንእሰያት እውን ቀረባ ብምዃን ብሓቂ ናይ ውግእን ዓመጽን መጋበርያ ካብ ምዃን ዘድሕኖምን ብፍላይ ኣብቲ ምድንጋራት ዝረኣየሉ ኩነት መንእሰይ ተርኺብካ መንእሰይ ናይ ዓመጽን ውግእን ዘይኰነስ ናይ ሰላምን ተስፋን ምስክርን ክኸውን ብዓንተውኡ ቀሪብካ ምድጋፍ ዝብል ናይ ሓባር ቅዱስ ድላይ ዝተቓልሓሉ ርክብ እዩ ኔሩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.