2015-01-01 18:30:40

ጸሎተ ምስጋናን ስብከትን ር.ሊ.ቃ. ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ፡


RealAudioMP3 ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ አብ ካተድራል ቅዱስ ጰጥሮስ Te Deum ጸሎተ ምስጋና መሪሖም። እዚ ወትሩ አብ መውዳታ ዓመት አብ ካተድራል ቅዱስ ጰጥሮስ ዚካየድ ጸሎተ ምስጋና”ዚ ኩሉ ዝክአሎ እግዚአብሔር ነቲ ዝዛዘም ዓመተ ምሕረት ዘጽንሔ ንምምስጋን ዚካየድ ጸሎት ኢዩ ። ጸሎተ ምስጋና አብ ዝዓረገሉ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዘመልክትዎ፡ ዕለተ ሥርዓተ ሉጡርግያ ከም ዝነግረና ቅዱስ ዮሐስ ወንጌላዊ ኦ ደቀይ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት አኺላ ከም ዝበለ ቅዱስ ጳውሎስ ወንጌላዊ ክአ ብዛዕባ ምልአተ ግዜ የመልክት እዚ ግዚ”ዚ ብኢየሱስ ክርስቶስ አምረ ክርስቶስ ማለት ሐዲሽ ትርጉም ዝረኸበን ግዜ ድሕነትን ምሕረትን ከም ዝኾነ ንርዳእ ። ስለዚ ግዜ ንእግዚአብሔር strange ሐዲሽ ወይ ክአ ዘይልሙድ አይኮነን ብማለት አገንዚቦም። ስለዚ ግዜ አብ ጉዕዞ ሕይወትና መጀመርታን መወዳእታን ማለት ክአ እንውለድሉን እንሞተሉን ግዜ ብእግዚአብሔር ዝተሐንጸጸ ከም ዝኾነ አሚናን ተረዲእናን ብሐይልን ጽቡቅ ድላይን ፈጣሪና ሕደ ዓመት አብ ዝዛዘመሉ ግዜ ናይ ሕልና ጸሎት ክንገብር ነቲ አብ ምድሪ ክንጸንሕ ዝፈቀደልና ክአ ከነምስድኖ ክነመስግኖ ይግብአና አሎም ርእሰ ሊቃን ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ አብ ካተድራል ቅዱስ ጰጥሮስ Te deum ጸሎተ ምስጋና አብ ዘዕረጉሉ ግዜ ። ነቲ ሕይወት ዝዓደለና አብ ነመስግነሉ ግዜ ብዝገበርናዮ ሐጢአት ተነሲሕና ምሕረት ክህበና ክንሐቶ ክአ ይግባአና ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍጥረት ሰብ ብጠንቂ ሐጢአት ካብ እግዚአብሔር ተፈልዩ ከም ዝነበረ ዘኪሮም እግዚአብሔር ግን ወዱ ሰዲዱ ካብ ባርነት ሐጢአት አናጊፍዎ ኢሎም ። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ወሪዱ ስቅ አይበለን ምእንቲ ድሕነትና ተሳቅዩ ተገሪፉ ተሰቂሉ ሞይቱ ተንሲኡ ካብ ክ,ኡሉ እኩይ ነገር አድሒኑና ኢዩ ስለዚ ዝተመስገነ ይኹን ብማለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስብከተ Te deum ጸሎተ ምስጋና ዛዚሞም። ድሕሪ ጸሎተ ምስጋና ክአ ነቲ አብ ቅርዕጳት ቅድሱስ ጰጥሮስ ዘሎ ትእምርተ ልደተ ሕጻን ኢየሱስ በጺሖም።








All the contents on this site are copyrighted ©.